ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ እዮም ስርዓታት ዜብዝሑለይ፧

ስለምንታይ እዮም ስርዓታት ዜብዝሑለይ፧

ምዕራፍ 22

ስለምንታይ እዮም ስርዓታት ዜብዝሑለይ፧

ኣብ ስድራ ቤትኩም ዘሎ ገለ ስርዓታት ጥቐስ። ․․․․․

ስድራ ቤት ዜውጽእዎ ስርዓታት ወትሩ ሚዛኑ ዝሓለወ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧

□ እወ □ ኣይፋል

ልዕሊ ዅሉ ንምኽባሩ ዜጸግመካ ኣየናይ ስርዓት እዩ፧ ․․․․․

ወለድኻ ነቲ ሓድሓደ ግዜ ስርዓታት ቤት ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሕግታት የውጽኡ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት፡ ብዛዕባ ዕዮ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ዕዮ ገዛ፡ ብዛዕባ ገዛ እትኣትወሉ ሰዓት፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ተሌፎንን ቲቪን ኮምፕዩተርን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ገሊኡ ስርዓታት ከኣ ካብ ቤትካ ሓሊፉ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺህልወካ ብዛዕባ ዘለዎ ጠባይን ብዛዕባ ምርጫ ኣዕሩኽካን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ።

ብቐይድታት እተሓጸርካ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ምናልባት ከምዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ መንእሰያት ይስምዓካ ይኸውን፦

“ገዛ ኽኣትወሉ ዘሎኒ ሰዓት ተወሲኑ ምንባሩ የበሳጭወኒ ነይሩ! ካልኦት ካባይ ንዝነውሐ ግዜ ኺጸንሑ ዚፍቀደሎም ምንባሩ የሕርቐኒ ነይሩ።”ኣለን

“ብሞባይልካ እትድውሎ ቝጽጽር ዚግበረሉ ምዃኑ የበሳጭዋካ እዩ። ከም ቈልዓ ገይሮም ከም ዝቘጸሩኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”ኤልሳቤጥ

“ወለደይ ንማሕበራዊ ህይወተይ ኬበላሽውዎ ኸም ዚጽዕሩ፡ መሓዙት ኪህልዋኒ ድማ ኸም ዘይደልዩኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ!”ኒኮል

መንእሰያት ብዙሕ ግዜ ንስርዓታት ወለዶም ዚጥሕሱ እኳ እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ግን ፈጺሞም ቀይዲ በተኽ ንኸይኰኑ ገለ ሕግታት ከም ዜድልዮም ይኣምኑሉ እዮም። ስርዓታት ቤት ኣድላዪ ካብ ኰነ፡ ገሊኡ ኣዝዩ ዜሕርቕ ዝዀነ ግን ስለምንታይ እዩ፧

“ቈልዓ ኣይኰንኩን!”

ወለድኻ ዜውጽእዎ ስርዓታት ጸላዕላዕ ዜብለካ፡ ከም ቈልዓ ጌርካ ኸም እትርአ ዀይኑ ስለ ዚስምዓካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። “ቈልዓ ኣይኰንኩን!” ኢልካ ኽትጭድር ውሽጥኻ ይደፋፍኣካ። ወለድኻ ግን ኬዕቍቡኻን ዓቢኻ ንእትስከሞ ሓላፍነት ኬዳልዉኻን እንተ ዀይኖም፡ ስርዓታት ኪሰርዑልካ ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም።

ኰይኑ ግን፡ ንስኻ ኽትዓቢ ኸለኻ፡ እቲ ስርዓታት ቤትኩም ብመሰረት ዕቤትካ ዘይመሓየሽ ይመስለካ ይኸውን። ከምታ ብሪል ዝስማ ጓል እተሰምዓ፡ ቀይዲ እተገብረልካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ንሳ ብዛዕባ ወለዳ፡ “ነዚ ናተይ ዕድመ ፈጺሞም ረሲዖምዎ እዮም። ብናተይ ኣረኣእያ ክኸይድ፡ ምርጫይ ክገብር፡ ወይ ክዓቢ ኣይደልዩንን እዮም” በለት። ኣሊሰን እትበሃል መንእሰይ፡ “ወለደይ ጓል 10 ዘይኰንኩስ፡ ጓል 18 ዓመት ምዃነይ እተረድኡ ኣይመስለንን። ኣባይ ዝያዳ እምነት ኪህልዎም ኣለዎ” በለት።

ኣሕዋትካ ወይ ኣሓትካ ዝያዳ ናጽነት ዚወሃቦም ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ስርዓታት ቤት ዝያዳ ኼሕመካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ማቲው ዚበሃል መንእሰይ ኣብ ግዜ ዅትትናኡ ብዛዕባ ዘሕለፎ ነገራት ኪዝክር ከሎ፡ ብዛዕባ ምንኣሱ ሓብቱን ደቂ ኣሞኡን፡ “ከቢድ ጌጋ እኳ ፈጺመን ይነሓፋ!” በለ።

ብዘይ ስርዓታትዶ ይሓይሽ፧

ካብ ትሕቲ ስልጣን ወለድኻ እትወጸሉ ግዜ ምንፋቕካ ንቡር እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብዘይ ቀይድታት ምንባር ዝሓሸ ድዩ፧ ምናልባት ክሳዕ ዝደለይዎ ሰዓት ኬምስዩ፡ ቃሕ ዘበሎም ኪኽደኑ፡ ኣብ ዝደለይዎ ግዜን ናብ ዝደለይዎ ቦታን ምስ ኣዕሩኾም ኪኸዱ ዚኽእሉ መንእሰያት ትፈልጥ ትኸውን። እቶም ወለዶም ብዋኒኖም ኣዝዮም ትሑዛት ካብ ምዃኖም እተላዕለ፡ ነቲ ደቆም ዚገብርዎ ኣየስተብህሉሉን ይዀኑ። እቲ ምኽንያት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ከምዚ ዓይነት ኣተዓባብያ ዕዉት ከም ዘይከውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 29:15) ንርእሶም ዚጥዕሞም ጥራይ ዚደልዩ ሰባት ስለ ዝበዝሑ፡ ኣብ ዓለም ፍቕሪ ዛሕቲላ ንርኢ ኣለና፣ ብዙሓት ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ድማ ኣብ ቤቶም ብዘይ ቀይዲ እዮም ዓብዮም።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

በቶም ቃሕ ዝበሎም ኪገብሩ ዚፍቀደሎም መንእሰያት ኣብ ክንዲ እትቐንእ፡ ወለድኻ ዜውጽኡልካ ስርዓታት ከም መግለጺ ፍቕሮምን ሓልዮቶምን ጌርካ ኽትርእዮ ጽዓር። ሚዛኑ ዝሓለወ ቐይድታት ብምግባር፡ ነቲ ንህዝቡ፡ “ኣነ ኽምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፡ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ዝበሎም የሆዋ ኣምላኽ እዮም ዚመስልዎ ዘለዉ።—መዝሙር 32:8

ሓድሓደ ግዜ ግን ወለድኻ ስርዓታት ዘብዝሑልካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ከመይ ጌርካ ኢኻ እተወሰነ እፎይታ ኽትረክብ እትኽእል፧

ፍረ ዘለዎ ምርድዳእ

ዝያዳ ናጽነት ክትረክብ ወይ እቲ ቐይድታት ወለድኻ ዜምጽኣልካ ብስጭት ክትንኪ እንተ ደሊኻ፡ እቲ ቐንዲ ረቛሒ ብጽቡቕ ክትረዳዳእ ምኽኣል እዩ። ‘ንወለደይ ከዛርቦም ፈቲነ እየ፡ ግን ኣይሰምዑንን!’ ዚብሉ ኣይሰኣኑንን እዮም። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ‘ብዝሓሸ መገዲ ኽረዳዳእ እኽእልዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ምስ ሰባት ምርድዳእ፡ (1) ካልኦት ንዓኻ ንኺርድኡኻ ይሕግዝ፡ ወይ (2) እቲ ዝደለኻዮ ስለምንታይ ከም እተኸልከልካ ንኽትርዳእ ይሕግዘካ። ዓበይቲ ዚፍቀደሎም ነገራት ኪፍቀደልካ እንተ ደሊኻ፡ ምስ ሰባት ብዚግባእ እትረዳዳእ ክትከውን ኣሎካ። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧

ንስምዒታትካ ተቘጻጸሮ። ብጽቡቕ ንኽትረዳዳእ ንርእስኻ ኽትቈጻጸር ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን” ይብል። (ምሳሌ 29:11) ስለዚ፡ ምኒኑን መስቈርቈርን መንጸርጸርን ኣይትኹን። ሓድሓደ ግዜ ወለድኻ ምስ ከልከሉኻ፡ ማዕጾ ገም ከተብሎ ወይ ብሕርቃን ዱጭ ዱጭ እናበልካ ኽትከይድ ከም እትደሊ ኣይከሓድን እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባያት ናብ ዝያዳ ስርዓታት ደኣ እምበር፡ ናብ ዝያዳ ናጽነት ኣይኪመርሓካን እዩ።

ብዓይኒ ወለድኻ ኽትርኢ ጽዓር። ብኣደ ጥራይ እትዓቢ ትሬሲ እትበሃል ክርስትያን መንእሰይ፡ “‘ኣደይ በዚ ስርዓታታ ኣቢላ እንታይ እያ ኽትምህረኒ ትደሊ ዘላ፧’ ኢለ ንርእሰይ እሓትት” በለት። እሞኸ እንታይ መልሲ ረኺባትሉ፧ “ዝሓሽኩ ሰብ ክኸውን እያ ኽትሕግዘኒ እትጽዕር” በለት። (ምሳሌ 3:1, 2) ወለድኻ ኺገብርዎ ዚጽዕሩ ምርዳእካ፡ ምሳታቶም ንኽትረዳዳእ ይሕግዘካ እዩ።

ንኣብነት፡ ወለድኻ ናብ ገሊኡ ምትእኽኻብ ክትከይድ ኣይፈቕዱልካን ይዀኑ። ኣብ ክንዲ እትማጐቶም፡ “ሓደ ብሱልን እሙንን ዓርከይ ኣሰንዩኒ እንተ ኸይዱኸ፧” ኢልካ ኽትሓቶም ትኽእል ኢኻ። እዚ ምስ በልካዮም እውን፡ ኣይፈቕዱልካን ይዀኑ። ኰይኑ ግን፡ ዜተሓሳስቦም ጕዳይ እንተ ተረዲኡካ፡ ቅቡል ኣማራጺ ንኸተቕርብ ዝሓሸ ዕድል ኣሎካ።

ወለድኻ ዝያዳ ኸም ዚኣምኑኻ ግበር። ብዛዕባ ሓደ ኻብ ባንክ እተለቅሐ ሰብኣይ እሞ ሕሰብ። ኣዘውቲሩ ግቡእ ክፍሊቱ ዚኸፍል እንተ ዀይኑ፡ እቲ ባንክ ይኣምኖ፡ ኣብ መጻኢ እውን ዝያዳ ልቓሕ ይህቦ። ኣብ ቤት ዜጋጥመካ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ንወለድኻ ኽትእዘዞም ይግብኣካ። ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ እሙን ምዃንካ እንተ ኣርኢኻ፡ ወለድኻ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ኺኣምኑኻ እዮም። ብተደጋጋሚ ንወለድኻ ዜጕሂ ነገር እንተ ጌርካ ግን፡ ኣባኻ ዝነበሮም እምነት ኪንኪ ወይ ፈጺሙ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ።

ስርዓት ምስ እትጥሕስ

ይንዋሕ ይሕጸር፡ ዕዮ ገዛ ብዘይምዕያይ፡ ወይ ኣብ ተሌፎን ዘረባ ብምንዋሕ፡ ወይ ካብቲ እተወሰነልካ ኣምሲኻ ብምእታው፡ ስርዓት ክትጥሕስ ኢኻ። (መዝሙር 130:3) ሽዑ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበርካ፡ ኣብ ቅድሚ ወለድኻ ኽትገልጽ ክትሕተት ኢኻ! እቲ ሕማቕ ኵነታት ንኸይጋደድ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ሓቂ ተዛረብ። ሃጠው ቀጠው ኣይትበል። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ወለድኻ ኣባኻ ተሪፍዎም ዝነበረ እምነት መሊሱ እዩ ዜጥፍኦ። ስለዚ፡ ሓቂ ተዛረብ፡ ነቲ ነገር ድማ ብዝርዝር ግለጾ። (ምሳሌ 28:13) መመኽነይታታት ኣይትደርድር፡ ወይ ነቲ ዝገበርካዮ ኣይተነኣእሶ። ወትሩ ነቲ፡ “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ” ዚብል ምኽሪ ኣይትረስዕ።—ምሳሌ 15:1

ይቕረታ ሕተት። ንወለድኻ ስለ ዘሻቐልካዮም፡ ስለ ዘጕሃኻዮም፡ ወይ ዘየድሊ ስራሕ ስለ ዝወሰኽካሎም ከም እተጠዓስካ ምግላጽካ ግቡእ እዩ፡ ንመቕጻዕትኻ ድማ ኺንክዮ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ጣዕሳኻ ልባዊ ኪኸውን ኣለዎ።

ዝመጸካ ሳዕቤናት ተቐበል። (ገላትያ 6:7) ኣብ ፈለማ፡ ብፍላይ እቲ ዚወሃበካ መቕጻዕቲ መጠኑ ዝሓለፈ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ትከራኸር ትኸውን። ንተግባራትካ ሓላፍነት እትስከም ምዃን ግን፡ ሓደ ምልክት ብስለት እዩ። እቲ ሓደ ዘሎካ ብሉጽ ኣማራጺ፡ ወለድኻ ኣባኻ ዝነበሮም እምነት መሊስካ ምጥራይ ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰለስተ ነጥብታት፡ ልዕሊ ዅሉ ኽትዓየሉ እትደሊ ኣየናይ ምዃኑ ጽሓፍ።

ወለድኻ ንተግባራትካ ብመጠኑ ኺቈጻጸሩ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣይትረስዕ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ትእዛዝ ኣቦኻ” ዀነ ብዛዕባ “ሕጊ ወላዲትካ” ዚዛረብ። (ምሳሌ 6:20) ይኹን እምበር፡ ስርዓታት ቤት ንህይወትካ የበላሽዎ ኸም ዘሎ ዀይኑ ኺስምዓካ የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንስልጣን ወለድኻ እንተ ተገዚእካ፡ ውዒሉ ሓዲሩ “ጽቡቕ ኪዀነልካ” ምዃኑ የሆዋ ተመባጺዑልካ ኣሎ!—ኤፌሶን 6:1-3

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 እውን ኣንብብ

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፦

ወልፊ ሓሽሽ ወይ መስተ ዘለዎ ወላዲ ኣሎካዶ፧ ነዚ ብኸመይ ከም እትጾሮ ተምሃር።

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ . . . እዩ።ኤፌሶን 6:2, 3

ምኽሪ

ወለድኻ ዝያዳ ናጽነት ኪህቡኻ እንተ ደሊኻ፡ ፈለማ ብስርዓታቶም ከም እትመላለስ ኣመስክር። እዙዝ ምዃንካ ምስ ተራእየ፡ ጠለባትካ ንኺሰምዑኻ ዝሰፍሐ ዕድል ኪህልወካ እዩ።

ትፈልጥዶ፧

እቶም ብፍቕራዊ መገዲ ስርዓታት ከም ዚሕሎ ዚገብሩ ወለዲ ዘለውዎም መንእሰያት፡ ኣብ ኣካዳሚ ብሉጻት ንኪዀኑን ምስ ካልኦት ንኺረዳድኡን ሕጉሳት ንኪዀኑን ዝያዳ ዕድል ከም ዘለዎም መጽናዕትታት ይሕብር።

መደባተይ

ስርዓት ቤትና እንተ ጥሒሰ፡ ከምዚ ኽብል እየ፦ ․․․․․

ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር፡ ወለደይ ኣባይ ዝያዳ እምነት ከም ዚሓድሮም ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ሓድሓደ ግዜ ወለድኻ እምብዛ ዚቈጻጸሩኻ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ሓድሓደ ግዜ ቐይድታት ኪግበረልካ ኸሎ ጸርጸር እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧

ምስ ወለድኻ ብዝያዳ ኽትረዳዳእ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 183 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብግዜ ንእስነትካ፡ ኵሉ እትፈልጥ እዩ ዚመስለካ። ስለዚ፡ ወለድኻ ኪቕይዱኻ ኸለዉ፡ ብቐሊሉ ኢኻ እትበሳጮ። ስርዓታቶም ግን ብሓቂ ንጥቕምኻ እዩ።’’—ሜጋን

[ኣብ ገጽ 186 ዘሎ ሳጹን]

ብሓቂዶ ኣድልዎ እዩ፧

‘ ወለዲ ንዅሎም ውሉዳቶም ብሕደ መገዲ ዘይሕዝዎም ስለምንታይ እዮም፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ሓቲትካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሓቂ ሕሰቡሉ፦ ማዕረ ኣተሓሕዛ ዅሉ ሳዕ ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ቅኑዕ ኣተሓሕዛ እውን ኵሉ ሳዕ ማዕረ ማለት ኣይኰነን። ዜድልየካ ነገር ዕሽሽ ተባሂሉዶ ይፈልጥ፧ ንኣብነት፡ ካብ ወለድኻ ምኽሪ፡ ሓገዝ፡ ወይ ደገፍ ምስ ኣድለየካ፡ ዜድልየካ ኣማሊኦምልካዶ፧ እንተ ኣማሊኦምልካ፡ ብሓቂዶ ተገፊዐ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፧ ንስኻን ኣሕዋትካን ኣሓትካን እተፈላለኹም ውልቀ-ሰባት ስለ ዝዀንኩም፡ ዜድልየኩም ነገራት እውን ስለ ዚፈላለ፡ ወለድኻ ንዅላትኩም ወትሩ ብሕደ መገዲ ኺሕዙኹም ኣይክእሉን እዮም። በት ዝስማ መንእሰይ ነዚ እያ ተገንዚባ። እዛ ሕጂ ጓል 18 ዀይና ዘላ ጐርዞ፡ “ኣነን ሓወይን እተፈላለና ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ብእተፈላለየ መገዲ ኽንተሓዝ ነይሩና። ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ንእሽቶ ኸለኹ ነዚ ኽርድኦ ዘይምኽኣለይ ኣዝዩ እዩ ዚገርመኒ” በለት።

[ኣብ ገጽ 189 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንወለድኻ ኣዘራርቦም!

ኣብዘን ዝሓለፋ ኽልተ ምዕራፋት፡ ካብ ወለድኻ ንዚመጸካ ነቐፌታን ንስርዓታት ቤትካን ብኸመይ ክትሕዞ ኸም ዘሎካ ተገሊጹ ኣሎ። ወለድኻ ኣብ ሓዲኡ ወይ ኣብ ክልቲኡ መዳያት ኣመና ኸም ዝተረሩኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ከመይ ጌርካ ምይይጥ ክትጅምር ትኽእል፧

ንዓኻ ፍዅስ ዚብለካ፡ ንወለድኻ ኸኣ ብዋኒን ዘይዋጠሩሉ እዋን ሕረ።

ናይ ልብኻ ተዛረብ፡ ስምዒታዊ ግን ኣይትኹን። ንወለድኻ ግቡእ ኣኽብሮት ኣርእዮም።

ወለድኻ እምብዛ ነቐፍቲ ዀይኖም እንተ ተሰሚዖምኻ፡ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዝከኣለኒ እየ ዝጽዕር ዘለኹ፡ ወትሩ ኽንቀፍ ከለኹ ግን ይኸብደኒ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኽንዘራረብዶ፧”

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ምስ ወለድኻ ብኸመይ ምይይጥ ከም እትጅምር ኣብዚ ጽሓፍ።

․․․․․

ምኽሪ፦ ዝርርብ ንምጅማር ኣብ ምዕራፍ 21 ዘሎ ሓሳባት ተጠቐመሉ። ምናልባት ወለድኻ ነቲ ኣብታ ምዕራፍ ዘሎ ሓሳባት ምሳኻ ንኺመያየጡሉ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ወለድኻ እኹል ናጽነት ዘይህቡኻ ዘለዉ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “በብቝሩብ ዝያዳ ናጽነት ምእንቲ ኺወሃበኒ፡ ዝያዳ ሓላፍነት ዚስምዓኒ ምዃነይ ከርኢ እደሊ እየ። ኣብ ምንታይ መዳይ ኸመሓይሽ ዘሎኒ ይመስለካ፧”

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ምስ ወለድኻ ብኸመይ ምይይጥ ከም እትጅምር ኣብዚ ጽሓፍ።

․․․․․

ምኽሪ፦ ኣብ 1ይ ጥራዝ ኣብ ምዕራፍ 3 ዘሎ ሓሳብ ኣንብብ። እታ ምዕራፍ፡ “ወለደይ ዝያዳ ናጽነት ከም ዝህቡኒ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዋ። ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ኽትሓቶ እትደሊ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ጽሓፍ።

[ኣብ ገጽ 184, 185 ዘሎ ስእሊ]

ንስርዓታት ወለድኻ ምሕላው፡ ንባንክ ዕዳ ኸም ምኽፋል እዩ፣ ዝያዳ እሙን ብዝዀንካ መጠን፡ ዝያዳ እምነት ይግበረልካ ወይ ዝያዳ ልቓሕ ይፍቀደልካ