ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወላድየይ ወልፊ ሓሽሽ ወይ መስተ እንተ ኣልይዎኸ፧

ወላድየይ ወልፊ ሓሽሽ ወይ መስተ እንተ ኣልይዎኸ፧

ምዕራፍ 23

ወላድየይ ወልፊ ሓሽሽ ወይ መስተ እንተ ኣልይዎኸ፧

“ኣቦይ ማኪና ኸዐሪ ምዃኑ ነጊሩና ወጸ፡ ምሉእ መዓልቲ ግን ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ኣደይ ተሌፎን ደወለትሉ። መልሲ ግን ኣይረኸበትን። ቍሩብ ጸኒሓ፡ ኣደይ ከም እተሻቐለት ኣብ ገጻ እናተነበ ንኽትከይድ ተቐራረበት። ‘ነቦኺ ኽደልዮ እየ’ በለትኒ።

“ጸኒሓ፡ ኣደይ በይና ናብ ገዛ ተመልሰት። ‘ኣቦይ ኣብኡ ኣይጸንሓክን፧’ ኢለ ሓተትክዋ። ‘ኣይጸንሓንን’ ኢላ መለሰትለይ።

“ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ኣቦይ ከም ቀደሙ ኼታልለና ኸም ዝጀመረ ፈለጥኩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበሮ እዩ ገይሩ። ኣቦይ ወልፊ ሓሽሽ ኣለዎ። ናብ ገዛ ኣብ እተመልሰሉ እዋን፡ ኣነን ኣደይን ኣመና ተሻቒልና ኔርና። ንጽብሒቱ ምሉእ መዓልቲ ኣይተዛረብክዎን፡ ከምኡ ምግባረይ ከኣ ሕማቕ እዩ ተሰሚዑኒ።”—ካረን፡ 14

ሚልዮናት መንእሰያት ምስ ወልፊ ሓሽሽ ወይ መስተ ዘለዎ ወላዲ ብምንባሮም መዓልታዊ ይሻቐሉ እዮም። ሓደ ኻብ ወለድኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ወልፊ እንተ ኣልይዎ፡ ኬሕፍረካን ኬበሳጭወካን ኬሕርቐካን ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ ሜሪ ብሓደ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ጥዑይ ዚመስል ኣቦ እያ ዓብያ። ብሕቡእ ግን ወልፊ መስተ ነበሮ፡ ኣብ ቤት ከኣ ንስድራ ቤቱ ይሃስን ይጻረፍን ነበረ። ሜሪ፡ “ሰባት መጺኦም ከመይ ዝበለ ጥዑይ ኣቦ ኸም ዘሎናን ዕድለኛታት ከም ዝዀንናን ይነግሩና ነይሮም” ኢላ ብምረት ተዘክሮኣ ትገልጽ። *

ሓደ ኻብ ወለድኻ ወልፊ መስተ ወይ ሓሽሽ እንተ ኣልይዎ፡ ብኸመይ ኢኻ ነዚ ኽትጻወሮ እትኽእል፧

ጠንቂ እቲ ወልፊ

ብቐዳምነት፡ ንጸገም ወላዲኻ ምርዳእካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ምሳሌ 1:5፡ “እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ” ትብል። ስለዚ፡ ወልፊ እንታይ ምዃኑ፡ መስተ ወይ ሓሽሽ ዚውለፍ መን ምዃኑ፡ ስለምንታይ ከም ዚውለፍ ምስ እትፈልጥ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ ወልፊ መስተ ኣለዎ ዚበሃል ሰብ፡ ሓሓሊፉ መስተ ዜብዝሕ ጥራይ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንነዊሕ ዝጸንሐ ናይ መስተ ወልፊ እዩ ዘለዎ። ኵሉ ሓሳቡን ቀልቡን ብዛዕባ መስተ እዩ፡ ሓንሳእ ኪሰቲ እንተ ጀሚሩ ድማ ኬቋርጽ ኣይክእልን እዩ። ወልፉ ንስድራ ቤቱን ንስራሑን ንጥዕናኡን ዚጸሉ ሕማቕ ጸገማት የስዕበሉ።

ገሊኦም ሰባት ብቐሊሉ ብወልፊ መስተ ኺተሓዙ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ስምዒታዊ ረቛሒታት እውን ኣብቲ ወልፊ ግደ ዘለዎ እዩ ዚመስል። አረ ብዙሓት ውሉፋት መስተስ ብዛዕባ ርእሶም ኣሉታዊ ኣረኣእያታት እዩ ዘለዎም። (ምሳሌ 14:13) ገሊኦም ውሉፋት፡ ወልፊ መስተ ብዘለዎም ወለዲ እዮም ዓብዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ መስተ ነቲ ብግዜ ቝልዕነቶም ዘጋጠሞም ስምዒታዊ በሰላ ይሓጽበሎም ይኸውን። ሓደ ሰብ ብተመሳሳሊ ረቛሒታት ወልፊ ሓሽሽ ኬጥሪ ይኽእል እዩ።

ልክዕ እዩ፡ መስተ ወይ ሓሽሽ ነቲ ጸገማት መሊሱ እዩ ዜጋድዶ፣ ኣተሓሳስባን ስምዒትን እቲ ውሉፍ ዝገደደ ቔናን እዩ ዚኸውን። ስለዚ ኸኣ እዩ ወልፊ ዘለዎ ወላዲኻ ኻብ ወልፉ ሓራ ንምውጻእ፡ ካብ ዝሰልጠነ ብዓል ሞያ ብዙሕ ሓገዝ ዜድልዮ።

ትጽቢታትካ ኣተዓራሪ

ሓቂ እዩ፡ ወላዲኻ ሕማቕ ተግባር ዚገብረሉ ምኽንያት ምርዳእካ፡ ነቲ ጸገም ኣይፈትሖን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ወልፊ ምርዳእካ፡ ንወላዲኻ ብዝያዳ ርሕራሐ ንኽትርእዮ የኽእለካ ይኸውን።

ንኣብነት፡ እግሩ ንእተሰብረ ወላዲኻ ምሳኻ ዅዕሶ እግሪ ኺጻወት ምተጸበኻዮዶ፧ ባዕሉ ስራሕ ዕሽነት ኪገብር ከሎ እግሩ ኸም እተሰብረ እንተ ትፈልጥከ፧ ብዘይ ጥርጥር፡ መጕሃየካ። ይኹን እምበር፡ እቲ መስበርቱ ኽሳዕ ዚሓዊ፡ ምሳኻ ዅዕሶ እግሪ ኺጻወት ከም ዘይክእል ምተረዳእካ። ነዚ ምግንዛብካ፡ ትጽቢታትካ ንኸተተዓራሪ ይሕግዘካ።

ብተመሳሳሊ፡ ወልፊ መስተ ወይ ሓሽሽ ዘለዎ ወላዲ፡ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣለዎ። ሓቂ እዩ፡ ባዕሉ እዩ ንርእሱ ሃስዩ። እቲ ወላዲኻ ዚገብሮ ስራሕ ዕሽነት እውን የሕርቐካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ወላዲኻ ንወልፉ ንምስናፍ ሓገዝ ክሳዕ ዚረክብ፡ እቲ ንኺሓልየልካ ዘለዎ ኽእለት ኣመና እዩ ዚድረት። ንወልፉ ኸም ዜሰንክል ማህሰይቲ ጌርካ ምርኣዩ፡ ትጽቢታትካ ንኸተተዓራሪ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገር

ወላዲኻ ህይወቱ ኽሳዕ ዘየተዓራረየ፡ ነቲ ጠባዩ ተጻዊርካዮ ኽትነብር ኣሎካ። ክሳዕ ሽዑ ግን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ብወልፊ ወላዲኻ ተሓታቲ ኣይትኹን። ወላዲኻ በይኑ ጥራይ እዩ በቲ ወልፉ ተሓታቲ። ገላትያ 6:5፡ “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ” ትብል። ንወላዲኻ ኻብ ወልፉ ሓራ ምግባር ኰነ ኻብቲ ሳዕቤናት ወልፉ ምክልኻል ናትካ ዕዮ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ሓለቓኡ ምስ ዚሓተካ ሓሲኻ ኽትሽፍነሉ ወይ ካብ ዝወደቐሉ ጐቲትካ ናብ ዓራቱ ኸተደይቦ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን።

ንወላዲኻ ሓገዝ ኪረክብ ኣተባብዓዮ። ቀንዲ ጸገም ወላዲኻ፡ ጸገም ከም ዘለዎ ዘይእመን ምዃኑ እዩ። ስኽራኑ ምስ ወጸሉን ምስ ሃድአን፡ ምስቲ ወልፊ ዘይብሉ ወላድን ምስቶም ዝተረፉ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ብሓባር ኴንኩም፡ ጠባዩ ነታ ስድራ ቤት ብኸመይ ከም ዚጸልዋን እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎን ክትነግርዎ የድልየኩም ይኸውን።

ብተወሳኺ፡ እቲ ውሉፍ ወላዲኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ዚህቦ መልሲ ኣብ ወረቐት እንተ ጸሓፎ ኺጥቀም ይኽእል ይኸውን፦ መስተ ምስታይ ወይ ሓሽሽ ምውሳድ እንተ ቐጺለ ንዓይን ንስድራ ቤተይን እንታይ እዩ ኼጋጥመና፧ ወልፈይ እንተ ሓዲገዮ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ሓገዝ ንምርካብ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ሽግር ኪፍጠር እንተ ጀሚሩ፡ ካብቲ ቦታ ርሓቕ። ምሳሌ 17:14፡ “ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ” ትብል። ኣብ መንጎ ቘየቛ ብምእታው ንርእስኻ ኣብ ሓደጋ ኣይተእቱ። እንተ ኽኢልካ፡ ኣብ ክፍልኻ ተዓጾ ወይ ናብ ቤት ዓርክኻ ኺድ። ኣካላዊ መጕዳእቲ ኼስዕብ ዚኽእል ነገር እንተ ተፈጢሩ፡ ካብ ደገ ሓገዝ ኬድሊ ይኽእል እዩ።

ስምዒትካ ኣይትቕበሮ። ገሊኦም መንእሰያት ንውሉፍ ወላዲኦም ብምምራሮም ሕማቕ ይስምዖም እዩ። ብፍላይ እቲ ወልፊ ነቲ እትደልዮ ፍቕርን ደገፍን ንኸይህበካ ዚዓግቶ እንተ ዀይኑ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ቕር እንተ በለካ ጌጋ ኣይኰነን። ሓቂ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንወላዲኻ ኸተኽብር ከም ዘሎካ ይእዝዘካ እዩ። (ኤፌሶን 6:2, 3) እንተዀነ ግን፡ “ምኽባር” ኪበሃል ከሎ፡ ከምቲ ንስልጣን ፖሊስ ወይ ዳኛ እተኽብሮ ጌርካ ንስልጣኑ ምኽባር ማለት እዩ። ንወልፊ ወላዲኻ ኽትሰምሮ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። (ሮሜ 12:9) ነቲ ወልፊ መስተ ወይ ሓሽሽ ብምጽላእካ እውን ሕማቕ ሰብ ኢኻ ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ እቲ ተግባር ዚጽላእ እዩ!—ምሳሌ 23:29-35

ዚሃንጹኻ ኣዕሩኽ ርኸብ። ኣብ ቤትካ ዘሎ ህይወት ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ምስ ዚኸውን፡ ንቡር ዓይነት ህይወት ከመይ ምዃኑ ኽትርስዕ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ብመንፈሳውን ብስምዒታውን ጥዑያት ምስ ዝዀኑ ሰባት ምትዕርራኽ ኣገዳሲ እዩ። ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዙሕ ኪሕብሕቡኻን ኪድግፉኻን ይኽእሉ እዮም፣ ሓሓሊፎም እውን ካብቲ ኣብ ስድራ ቤትካ ዜጋጥመካ ውጥረት እፎይታ ንኽትረክብ የኽእሉኻ እዮም። (ምሳሌ 17:17) ምስ ክርስትያን ስድራ ቤታት ምቅርራብካ፡ ነቲ ኣብ ቤትካ እትርእዮ ሕማቕ ኣርኣያ በቲ ጥዑይ ኣርኣያ ናብራ ስድራ ቤት ንኽትትክኦ ኬኽእለካ እዩ።

ንርእስኻ ሓገዝ ድለ። ስምዒታትካ ኽትገልጸሉ እትኽእል እትኣምኖ ብሱል ሰብ ምርካብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ጉባኤ ኣብ እትደልዮም እዋን ንኺሕግዙኻ ፍቓደኛታት እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ፡ ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ” ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። (ኢሳይያስ 32:2) ስለዚ፡ ምጽንናዕን ምኽርን ደሊኻ ናባታቶም ንምኻድ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሕፈር።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሽዱሽተ ስጕምትታት፡ ፈለማ ኣየናይ ክትዓየሉ ኸም እትፍትን ኣብዚ ጸሓፍ።

ነቲ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅነታት ክትቅይሮ ኣይትኽእልን ትኸውን፡ ነቲ ኣባኻ ዜሕድሮ ጽልዋ ግን ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ። ንወላዲኻ ኽትቈጻጸሮ ኣብ ክንዲ እትፍትን፡ ኣብ ርእስኻ ኣተኵር። ‘ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ድሕነት ስራሕ።’ (ፊልጲ 2:12 ትርጕም 1990) ከምዚ ምግባርካ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኺህልወካ ይሕግዘካ፡ ወላዲኻ ንወልፉ ንምውጋድ ሓገዝ ንኺደሊ እውን ይደፋፍኦ ይኸውን።

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ወለድኻ ወግሐ ጸብሐ ዚቋየቝ እንተ ዀይኖምከ፧ ነቲ ስምዒታዊ ነውጺ ብኸመይ ክትጻወሮ ትኽእል፧

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 7 ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ወላዲ ይገፍዓካ እንተሎ፡ ሓገዝ ክትደሊ ኣሎካ። ንእትኣምኖ ዓብዪ ሰብ ንገር። ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዄንካ፡ ንሓደ ኻብ ሽማግለታት ጉባኤ ወይ ንኻልእ ብሱል ክርስትያን ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ።

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ።ምሳሌ 19:11

ምኽሪ

ንወላዲኻ ኣብ ክንዲ እትጸልኦ፡ ነቲ ሕማቕ ግብሩ ግቡእ ጽልኢ ኣሕድር።—ምሳሌ 8:13፣ ይሁዳ 23

ትፈልጥዶ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ክብሪ” እትብል ቃል፡ ነቲ ግቡእ ስልጣን ምቕባል ጥራይ ኬመልክት ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 6:1, 2) ስለዚ፡ ንወላዲ ምኽባር ኪበሃል ከሎ፡ ወትሩ ንጠባዩ ትሰምሮ ማለት ኣይኰነን።

መደባተይ

ወላድየይ ኣፋዊ ወይ ኣካላዊ ማህሰይቲ እንተ ኣውሪዱለይ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር፡ ንወላድየይ ሓገዝ ንኺረክብ ከተባብዖ እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ንገሊኦም ሰባት ወልፊ መስተ ወይ ሓሽሽ ንኺህልዎም ጠንቂ ዝዀኖም እንታይ እዩ፧

ብወልፊ ወላዲኻ ተሓታቲ ዘይኰንካ ስለምንታይ ኢኻ፧

እንታይ መዳያት ኵነታትካ ኢኻ ኽትቈጻጸር እትኽእል፧ ብኸመይከ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 192 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣብ መጻኢ እውን ወለደይ ዜሕፍር ነገር ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ እፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪለ ግን ንኽጸንዕ ብርታዐ ኸም ዚህበኒ እፈልጥ እየ።’’—ማክስወል

[ኣብ ገጽ 198 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ወላዲ ንየሆዋ ምግልጋል እንተ ሓዲግዎ

ሓደ ኻብ ወለድኻ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ እንተ ሓዲግዎ፡ ምናልባት እውን ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪኸውን ዘይደሊ ኸም ዝዀነ እንተ ኣፍሊጡ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

የሆዋ በቲ ወላዲኻ ዝገበሮ ነገር ንዓኻ ተሓታቲ ኸም ዘይገብረካ ፍለጥ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” ይብል።—ሮሜ 14:12

ንርእስኻ ምስቶም ኣብ ዝሓሸ ዅነታት ዘለዉ መንእሰያት ኣይተወዳድር። (ገላትያ 5:26) ኣቦኡ ራሕሪሕዎ ዝኸደ ሓደ መንእሰይ፡ “ብዛዕባኡ ኣብ ክንዲ ምሕሳብ፡ ኣብቲ ነቲ ዅነታት እትኽእለሉ መገዲ ምትኳር ዝያዳ ሓጋዚ እዩ” በለ።

ነቲ ፋሉል ወላዲኻ ኣኽብሮት ኣርኢ፡ ትእዛዛቱ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ እንተ ዘይተጋጭዩ ድማ ተኣዘዞ። የሆዋ፡ ውሉዳት ንወለዶም ኬኽብሩ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ እቲ ወላዲ ኣማኒ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ኣይቅይሮን እዩ። (ኤፌሶን 6:1-3) ወለድኻ ዘለዎም ጕድለታት ብዘየገድስ ከተኽብሮምን ክትእዘዞምን ከለኻ፡ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኢኻ እተርኢ።—1 ዮሃንስ 5:3

ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጥብቂ ርክብ ይሃሉኻ። ኣብታ ጉባኤ ዓብዪ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ብምርካብካ ኽትጸናናዕ ኢኻ። (ማርቆስ 10:30) ዳዊት ዚበሃል መንእሰይ፡ ኣቦኡ ንየሆዋ ምግልጋል ምስ ሓደጎ፡ ኣባላት ጉባኤ ንዕኡን ንኣባላት ስድራ ቤቱን ከየርሕቕዎም ፈሪሁ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ፍርሁ መሰረት ዘይብሉ ዀይኑ ረኸቦ። “ከም ድርቡያት ኴንና ኸም ዚስምዓና ኣይተገብረን። እዚ ድማ እታ ጉባኤ ብሓቂ ኸም እትሓልየልና ኣእመነኒ” በለ።

[ኣብ ገጽ 194 ዘሎ ስእሊ]

ንወልፊ ወላዲኻ ኸም ዜሰንክል ማህሰይቲ ጌርካ ምርኣዩ፡ ትጽቢታትካ ንኸተተዓራሪ ኺሕግዘካ ይኽእል