ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክልተ ዓይነት ህይወት—ስለምንታይ እየ ዝነግር፧

ክልተ ዓይነት ህይወት—ስለምንታይ እየ ዝነግር፧

ምዕራፍ 16

ክልተ ዓይነት ህይወት—ስለምንታይ እየ ዝነግር፧

□ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ

□ ወለድኻ ምስ ዘይደልይዎም ሰባት ምትዕርራኽ

□ ሕማቕ ሙዚቃ ምስማዕ

□ ናብ ቀይዲ ዘይብሉ ፓርቲ ምኻድ

□ ብሕቡእ ምስ ኣንጻር ጾታ ምትዕርራኽ

□ ዓመጻ ዘለዎ ወይ ብዕሉግ ፊልም ምርኣይ፡ ወይ ከኣ ዓመጻ ዘለዎ ጸወታታት ቪድዮ ምጽዋት

□ ጽዩፍ ዘረባ ምዝራብ

ነቲ ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ገጽ ተዘርዚሩ ዘሎ እሞ ርኣዮ። ካብ ወለድኻ ተሓቢእካ ኣብ ሓዲኡ ትሳተፍ ዲኻ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ጌጋ ትገብር ከም ዘለኻ ኣይትስሕቶን ትኸውን። ምናልባት እውን ሕልናኻ የሳቕየካ ይህሉ ይኸውን። (ሮሜ 2:15) ኰይኑ ግን፡ ነቲ ጌጋኻ ንወለድኻ ምንጋር ኣጸጋሚ ይዀነካ። እቲ ኺመጽእ ዚኽእል ሳዕቤናት ክትሓስቦ ኸለኻ፡ “ወለደይ ዘይፈልጥዎ ነገር፡ ኣይጐድኦምን እዩ” ዚብል ሓሳብ ዚወሓጠልካ ይመስል። እንተዀነ ግን፡ ኣነባብራኻ ኽልተ ዓይነት ህይወት ምዃኑ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ከምዚ ንኽትገብር ምኽንያት ዝዀነካ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

ብርእስኻ ኽትከይድ ምድላይ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ” ብምባል ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ነገር ይገልጽ። (ዘፍጥረት 2:24) ብዛዕባ ሰበይቲ እውን ተመሳሳሊ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ዓቢኻ ብዛዕባ ርእስኻ ባዕልኻ ኽትሓስብን ክትውስንን ምድላይ ባህርያዊ እዩ። ወለዲ ነቲ ዘይጥበባዊ ወይ ጌጋ ዀይኑ ዚስምዖም ፍቓድ ምሃብ ምስ ኣበዩ ግን፡ መንእሰያት ኪዓልዉ ይጅምሩ።

ልክዕ እዩ፡ ገለ ወለዲ ኣመና ጥብቂ ኺመስሉ ይኽእሉ እዮም። ኪም እትበሃል መንእሰይ፡ “ፊልም ዚበሃል ክንርኢ ኣይፍቀደልናን እዩ ነይሩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ኣቦይ ዳርጋ ዅሉ ዓይነት ሙዚቃ ኸይንሰምዕ እዩ ኸልኪሉና!” በለት። ገሊኦም መንእሰያት ዘይግቡእ ቀይድታት እተገብረሎም ኰይኑ ስለ ዚስምዖም፡ በቶም ዝያዳ ናጽነት ዜስተማቕሩ ዚመስሉ መዛኑኦም ይቐንኡ።

ታሚ እትበሃል ጐርዞ፡ ንገሊኦም ሰባት ክልተ ዓይነት ህይወት ከም ዚህልዎም ዚገብሮም ካልእ ምኽንያት ጠቒሳ ኣላ። እዚ ኸኣ ምስ ደቂ ኽፍልኻ ንምምስሳል ኢልካ ዚግበር እዩ። “ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽዩፍ ቋንቋ ብምጥቃም እየ ጀሚረዮ። ከምቶም ካልኦት መዛኖይ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ጸኒሐ ሽጋራ ኽሰቲ ጀመርኩ። ክሳዕ ዝሰክር እውን ኣልኮላዊ መስተ ኽሰቲ ጀመርኩ። ወለደይ ጥብቂ ስለ ዝነበሩን ምስ ኣንጻር ጾታ ኽተዓራረኽ ስለ ዘይፈቐዱለይን ከኣ፡ ብሕቡእ ዓርኪ ኽሕዝ ጀመርኩ” በለት።

ፒት ዝስሙ መንእሰይ ተመሳሳሊ ተመክሮ ኸም ዘሕለፈ ኺገልጽ ከሎ፡ “ከም ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ እየ ዓብየ። ኣደዳ ባጫ ኸይከውን ግን ኣዝየ እፈርህ ነይረ” በለ። ነዚ ፍርሁኸ ብኸመይ ኬጥፍኦ ፈቲኑ፧ “ብኻልኦት ዝፍቶ ክኸውን ጸዓርኩ። ኣብ ግዜ ሃይማኖታዊ በዓላት ስለምንታይ ህያባት ከም ዘይተዋህበኒ ናይ ሓሶት ምኽንያታት አቕርብ ነበርኩ” በለ። ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ኪለማለም ጀመረ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ከቢድ ኣበሳ ፈጸመ።

ሕቡእ ዚበሃል የለን

ክልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ገሊኦም ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን እውን ከምኡ ኺገብሩ ፈቲኖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ነቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዚሐብኡ፡ ተግባሮም ከኣ ብጸልማት ዚገብሩ እሞ፡ መን ይርእየና፧ መንከ ይፈልጠና፧ ዚብሉስ ወይለኦም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ኢሳይያስ 29:15) እቶም እስራኤላውያን፡ ኣምላኽ ንተግባራቶም ከም ዚርእዮ ረስዑ። ኣምላኽ ኣብ ግዜኡ፡ ብጌጋታቶም ተሓተትቲ ገበሮም።

ሎሚ እውን ካብኡ እተፈልየ ኣይኰነን። ሕማቕ ተግባርካ ኻብ ወለድኻ እኳ እንተ ሓባእካዮ፡ ካብ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽ ግን ክትሓብኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። እብራውያን 4:13፡ “እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን” ትብል። እንታይ ክትረብሕ ኢልካ ደኣ ኢኻ እሞ ጌጋኻ እትሓብእ፧ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ክትእከብ ከለኻ፡ ናይ ኣምሰሉ ተወፋይነት ብምርኣይ ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ኸም ዘይትኽእል ኣይትረስዕ። የሆዋ፡ ‘ሰባት ብኸናፍሮም ኬኽብርዎ፡ ልቦም ግና ካብኡ ርሑቕ ኪኸውን ከሎ’ ይፈልጥ እዩ።—ማርቆስ 7:6

እቶም ክልተ ዓይነት ህይወት ዚነብሩ ሰባት ንየሆዋ ኸም ዜጕህይዎ ትፈልጥዶ፧ ንምዃኑ ሰባት ንኣምላኽ ኬጕህይዎ ይኽእሉ ድዮም፧ እወ፡ ይኽእሉ እዮም! ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ንሕጊ ኣምላኽ ምስ ጠሓሱ፡ “ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ . . . ኣቘጥዕዎ።” (መዝሙር 78:41) እቶም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ዝዓበዩ መንእሰያት እውን ብምስጢር ጌጋ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ብዙሕ የጕህይዎ ኪዀኑ ኣለዎም።—ኤፌሶን 6:4

መገድኻ ኣቕንዕ

ምእንቲ ኣምላኽን ምእንቲ ወለድኻን ምእንቲ ርእስኻን ኢልካ፡ ነቲ ብምስጢር ዝገበርካዮ ኽትናዘዝ ኣሎካ። ልክዕ እዩ፡ እዚ ኼሕፍረካን ዘይትፈትዎ ሳዕቤናት ኬምጽኣልካን ይኽእል እዩ። (እብራውያን 12:11) ንኣብነት፡ ሓሶትን ምትላልን ልማድ ኰይኑካ እንተ ነይሩ፡ ነቲ ወለድኻ ኣባኻ ዝነበሮም ምትእምማን ኣብ ሕቶ ኸም ዜእትውዎ ጌርካዮም ኢኻ። ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ጥብቂ እንተ ዀኑኻ እምበኣር ኣይትገረም። ኰይኑ ግን፡ ጌጋታትካ ምንዛዝ እቲ ዝሓሸ መገዲ እዩ። ስለምንታይ፧

ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እሞ ርአ፦ ንስኻን ስድራ ቤትካን ንዙረት ብእግርኹም ትጐዓዙ ኸም ዘለኹም ጌርካ ሕሰብ። ወለድኻ ኣብ ዘይርእዩኻ እዋን፡ ካባታቶም ከይትርሕቕ ዝሃቡኻ ትእዛዝ ጥሒስካ ብምኻድካ ትጠፍእ። ብሃንደበት ኣብ ሰልሚ ኽትጥሕል ትጅምር። ሓገዝ ደሊኻ ምጽዋዕ መሕፈረካዶ፧ ወለድኻ ነቲ ዝሃቡኻ መጠንቀቕታ ብዘይምስዓብካ ኸይግስጹኻ መጨነቐካዶ፧ ኣይፋል! ብዘሎካ ሓይሊ ዓው ኢልካ መእወኻ።

ብተመሳሳሊ፡ ክልተ ዓይነት ህይወት ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ብህጹጽ ሓገዝ የድልየካ እዩ። ንድሕሪት ተመሊስካ ንዝፈሰሰ ኽትሓፍሶ ኸም ዘይትኽእል ዘክር። ንመጻኢኻ ግን ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣመና መሪርን ኣጸጋምን እኳ እንተ ዀነካ፡ ኣብ ርእስኻን ኣብ ስድራ ቤትካን ተወሳኺ ጕድኣት ቅድሚ ምውራድካ ሓገዝ ኪግበረልካ ኽትሓትት ኣሎካ። ብተግባርካ ብሓቂ እንተ ሓዚንካ፡ የሆዋ ኺምሕረካ እዩ።—ኢሳይያስ 1:18፣ ሉቃስ 6:36

ስለዚ፡ ንወለድኻ እቲ ሓቂ ንገሮም። ከም ዝጐዳእካዮም ተገንዘብ። ዚህቡኻ ተግሳጽ ተቐበል። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንወለድኻን ንየሆዋ ኣምላኽን ሓጐስ ከተምጽእ ኢኻ። ሕልናኻ ጽሩይ ብምዃኑ እውን እፎይታ ኺስምዓካ እዩ።—ምሳሌ 27:11፣ 2 ቈረንቶስ 4:2

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ምስ ደቂ ኽፍልኻ ዜመሳስለካ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ዚግበር ዕርክነት ግን እንታይ ክትፈልጥ ኣሎካ፧

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።ምሳሌ 28:13

ምኽሪ

ንጌጋታትካ ኣይተነኣእሶ፡ ኣመና ኣግዚፍካ እውን ኣይትርኣዮ። የሆዋ ንይቕረታ ድሉው ምዃኑ ዘክር። —መዝሙር 86:5

ትፈልጥዶ፧

ሕልናኻ ዚወቕሰካ ምዃኑ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ጌጋኻ ንኸተዐሪ ኼለዓዕለካ ይኽእል እዩ። ብሓጢኣቱ ዚመላለስ ሰብ ግን ንሕልናኡ ይጐድኦ እዩ። ከምቲ ብመዓለም ዝሓረረ ቘርበት፡ ድንዙዝ ይገብሮ። —1 ጢሞቴዎስ 4:2

መደባተይ

ክልተ ዓይነት ህይወት ዝነብር እንተ ዀይነ፡ ነዚ ዚስዕብ ሰብ ከዘራርቦ እየ፦ ․․․․․

ነቲ በዚ ዚስዕብ መገዲ ዚወሃበኒ ዝዀነ ይኹን ተግሳጽ ክቕበሎ እኽእል እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ንገሊኦም መንእሰያት ክልተ ዓይነት ህይወት ንኺነብሩ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧

ገለ ኻብቲ ኽልተ ዓይነት ህይወት ምንባር ዘለዎ ሳዕቤናት እንታይ እዩ፧

ካብ ከምዚ ዓይነት ህይወት ናጻ ምዃን እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

[ኣብ ገጽ 140 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“መንእሰያት ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዘለዎም ክርስትያናት ምዃኖም ኬፍልጡ ዘለዎም ይመስለኒ። ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም ከምኡ ኺገብሩ ኣለዎም። ዝነውሐ ብዝጸንሑ መጠን፡ እናኸበዶም እዩ ዚኸይድ።’’—ሊንዳ

[ኣብ ገጽ 141 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሰልሚ ኽልተ ዓይነት ህይወት ትጥሕል እንተ ኣሊኻ፡ ሓገዝ ንምርካብ ከተእዊ ኣሎካ