ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣንጻር ጾታ

ኣንጻር ጾታ

1ይ ክፋል

ኣንጻር ጾታ

ወድን ጓልን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሸናዕ ኪብሉ ትርኢ። ከመይ ይስምዓካ፧

□ ኣይግድሰንን

□ ቍሩብ እቐንእ

□ ኣጸቢቐ እቐንእ

ምስ ኣዕሩኽካ ናብ ሲነማ ምስ ከድካ፡ ብዘይካኻ ዅሎም ዓርኪ ሒዞም ከም ዘለዉ ተስተብህል! ከመይ ይስምዓካ፧

□ ዋላ ሓንቲ

□ ከም ገለ

□ ኣጸቢቐ እቐንእ

እትቐርቦ ዓርክኻ ምስ ኣንጻር ጾታ ኺቀራረብ ይጅምር፡ ዓርኪ ድማ ይሕዝ። ከመይ ይስምዓካ፧

□ እሕጐስ

□ ቍሩብ እቐንእ

□ ቅር ይብለኒ

ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ጐደናታት፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ኰታስ ኣብ ዝኸድካዮ ዅሉ፡ ወድን ጓልን ብሓንሳእ ኪኸዱ ትርኢ። ርእይ ምስ ኣበልካዮም፡ ንስኻ እውን ዓርኪ ኽትሕዝ ሓያል ድፍኢት ይስምዓካ። ኰይኑ ግን፡ ዓርኪ ንኽትሕዝ ተዳሊኻ ዲኻ፧ እንተ ተዳሊኻ፡ ዚዀነካ ዓርኪ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧ ምስ ረኸብካ ኸኣ፡ ብሓባር ግዜ ኸተሕልፉ ኸለኹም፡ ከመይ ጌርካ ነቲ ርክብኩም ንጹህ ከም ዚኸውን ክትገብር ትኽእል፧ ምዕራፍ 1-5 ነዘን ሕቶታት እዚኣተን መልሲ ንኽትረኽበለን ኪሕግዛኻ እየን።

[ኣብ ገጽ 12, 13 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]