ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕሜት እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧

ሕሜት እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧

ምዕራፍ 12

ሕሜት እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧

“ሓደ ግዜ ናብ ፓርቲ ኸይደ። ንጽብሒቱ ምስ ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣወዳት ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበርኩ ወረ ተነዝሐ። እዚ ፈጺሙ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ነይሩ!”—ሊንዳ

“ሓድሓደ ግዜ ምስ ሓንቲ ፈጺመ ዘይፈልጣ ጓል ዕርክነት ከም ዝጀመርኩ ወረ ይንዛሕ! ብዙሓት ዚሓምዩ ሰባት፡ ነቲ ሓቂ ንምርግጋጽ ዋላ ሓንቲ ጻዕሪ ኣይገብሩን እዮም።”—ሚካኤል

ሕሜት ካብ ህይወት እቶም ኣብ ፊልም እትርእዮም ሰባት ንላዕሊ ንህይወትካ ኺሓላልኾ ይኽእል እዩ። ኣምበር እትበሃል ጓል 19 ዓመት ጐርዞ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ኵሉ ሳዕ እየ ዝሕመ። ከም ዝጠነስኩ፡ ጥንሲ ኸም ዝሰደድኩ፡ ሓሽሽ ከም ዝሸይጥ፡ ሓሽሽ ከም ዝዕድግ፡ ሓሽሽ ከም ዝወስድ ተሓምየ እየ። ሰባት ብዛዕባይ ስለምንታይ እዮም ነዚ ወረ እዚ ዚነዝሑ፧ ዋላ እውን ኣይርድኣንን እዩ!”

ሓደ እኩይ መንእሰይ ሓንቲ ቓል እውን ከይተዛረበ፡ ብኢ-መይልን ብሞባይል ብዚለኣኽ መልእኽትን ገይሩ ንስምካ ኼጸልሞ ይኽእል እዩ። ሒደት ቃላት ጽሒፉ ነቶም ብህንጥዮት ዚጽበዩ ሓያሎ ሰባት ወረ ኺዝርግሕ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ንሓደ ሰብ ንምውራድ ተባሂሉ፡ ወብ ሳይት እውን ከይተረፈ ተኸፊቱ እዩ። ኢንተርነት በቲ ብኣካል ፈጺምካ ዘይዝረብ ሕሜት ቅጽጽ ኢሉ ኣሎ።

ብዛዕባ ኻልኦት ምዝራብ ግን ወትሩ ሕማቕ ድዩ፧

ብዛዕባ ኻልኦት ምዝራብ ወትሩ ሕማቕ ድዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ቅኑዕ ወይ ጌጋ በል።

ብዛዕባ ኻልኦት ምዝራብ ወትሩ ሕማቕ እዩ። ቅኑዕ ጌጋ

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ኻልኦት ተራ ዕላል ተዕልል እንተ ኣሊኻ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ግቡእ ዚዀነሉ ግዜ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ‘ብህይወት ካልኦት ክንግደስ’ ይነግረና እዩ። (ፊልጲ 2:4 ኒው ሰንችሪ ቨርሽን) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ኣብ ዘይምልከተና ነገር ካልኦት ክንጽምበር የብልናን። (1 ጴጥሮስ 4:15) መን ይምርዖ ኸም ዘሎ ወይ መን ውላድ ከም ዝወለደ ዝኣመሰለ ተራ ዕላል ግን ጠቓሚ ሓበሬታ ኺህበካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ኻልኦት ፈጺምና ዘይንዘራረብ እንተ ዄንና፡ ንግደሰሎም ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።

ኰይኑ ግን፡ ተራ ዕላል ብቐሊሉ ናብ ሕሜት ኪቕየር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ “በረኸት ንሰላማዊት ይዀና እዩ” ዚብል ዘረባ፡ “በረኸት ንሰላማዊት ንሓዳር ይሓስባ ኣሎ” ናብ ዚብል ኪቕየር ይኽእል እዩ። እዚ ዅሉ ኺበሃል ከሎ፡ በረኸትን ሰላማዊትን ዋላ እውን ሓሳብ ኣይህልዎምን ይኸውን። ‘እዚ እሞ እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧’ ትብል ትኸውን፣ ኣባኻ እንተ ዚበጽሕ ግን ከምኡ ኣይምበልካን!

ጓል 18 ዝዀነት ጁሊ በዚ ኸምዚ ተሓምያን ተጐዲኣን እያ። “ኣሕሪቑንን ንሰባት ከም ዝጠራጠር ገይሩንን እዩ” በለት። ጓል 19 ዝዀነት ጄን እውን ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢምዋ እዩ። “ምስቲ ዕርክነት ከም ዝጀመርኩ እተሓመኹሉ ወዲ ተራሓሓቕኩ። ጽቡቕ ንረዳዳእ ስለ ዝነበርና፡ ከምዚ ምዃኑ ቕኑዕ ኣይመስለንን፡ ከይተሓመና ኽንዘራረብ እንተ ንኽእል እውን ደስ ምበለኒ” በለት።

ዘረባ ኸይከደካ ተጠንቀቕ

ክትሓሚ ኽትፍተን ከለኻ፡ ንልሳንካ ብኸመይ ክትቈጻጸራ ትኽእል፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ብማካይን ኣብ ዝመልአ ጐደና፡ ማኪና ንኽትመርሕ ብዛዕባ ዜድልየካ ኽእለት እሞ ሕስብ ኣብል። ድንገት መስመርካ ንኽትቅይር፡ ንኻልእ ንኸተሕልፍ፡ ወይ ፈጺምካ ደው ንኽትብል ዚድርኽ ኵነታት ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ንቑሕ እንተ ዄንካ፡ ናብ ቅድሜኻ ትጥምት፡ በቲ ዘሎ ዅነታት ተመርኲስካ ድማ ስጕምቲ ትወስድ።

ኣብ ዘረባ እውን ተመሳሳሊ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዕላል ናብ ሕሜት ኪቕየር ከሎ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ ብሜላ ‘መስመር ክትቅይር’ ትኽእልዶ፧ እንተ ዘይኰይኑ፡ ሕሜት ጐዳኢ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክንሕብረካ ንፈቱ። ሚካኤል ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገር ከምዚ ብምባል ኣዘንተወ፦ “ብዛዕባ ሓንቲ ጓል፡ ኣወዳት ትፈቱ እያ ኢለ ሃሳዪ ነገር ተዛረብኩ፡ እዚ ወረ እዚ ኸኣ በጽሓ። መጺኣ ኣብ ዘፋጠጠትኒ እዋን ደሃያ ኽሳዕ ሕጂ ኣይርስዓንን እዩ፡ በቲ ኸይሓሰብኩ እተዛረብክዎ ዘረባ ብዙሕ እያ ተጐዲኣ። ነቲ ጕዳይ እኳ እንተ ፈታሕናዮ፡ ንሰብ ከም ዝጐዳእኩ ምፍላጠይ ግን ሕማቕ እዩ ተሰሚዑኒ።”

ቃላት ኪጐድእ ከም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ” ይብል እዩ። (ምሳሌ 12:18) ስለዚ ኸኣ፡ ቅድሚ ምዝራብካ ንቓላትካ ኽትጥንቀቐሉ ኣሎካ። ሓቂ እዩ፡ ንጥዑም ዕላል ዚዀልፍ ነገር ምግባር፡ ርእስኻ ምግታእ ይሓትት እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ካሮሊን እትበሃል ጓል 17 ዓመት ጐርዞ ዝበለቶ፡ “ንእትብሎ ነገር ክትጥንቀቐሉ ኣሎካ። ካብ ዜተኣማምን ምንጪ እንተ ዘይሰሚዕካዮ፡ ሓሶት ክትነዝሕ ትኽእል ኢኻ።” ስለዚ፡ ናብ ሕሜት ኪቕየር ዚኽእል ነገር ምስ እትሰምዕ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ክትሀድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።—1 ተሰሎንቄ 4:11

ብዛዕባ ኻልኦት እናተገደስካ፡ ዕዮ ርእስኻ ጥራይ ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብዛዕባ ኻልእ ቅድሚ ምዝራብካ፡ ‘ነቲ ሓቅታት ብልክዕ እፈልጦ ድየ፧ ነዚ ሓበሬታ እዚ ንኻልእ ዝነግረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ንሰብ ምሕማየይ ንስመይ ብኸመይ ይጸልዎ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። እዛ ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣገዳሲት እያ፣ ከመይሲ፡ ከም ሓማዪ ትርአ እንተ ዄንካ፡ ካብቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ሰብ ንላዕሊ፡ ጠባይካ እዩ ዚትኰረሉ።

ክትሕመ ኸለኻ

ክትሕመ ኸለኻ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ መክብብ 7:9፡ “ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሀወኽ” ትብል። ኣብ ክንዳኡ፡ ነቲ ጕዳይ ብህዱእ መንፈስ ርኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ . . . ንዚዝረብ ዘበለ ዅሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ” ይብል።—መክብብ 7:21, 22

ልክዕ እዩ፡ ሕሜት ከም ግቡእ ጌርካ መመኽነይታ ኪወሃበሉ የብሉን። ኰይኑ ግን፡ ብስምዒታዊ መገዲ እትህቦ ምላሽ ካብቲ ሕሜት ንላዕሊ ኺጐድኣካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ንሓንቲ ረኔ እትበሃል ዝሓገዛ ዓይነት ኣረኣእያ ስለምንታይ ዘይትሕዝ፧ “ሰብ ብዛዕባይ ሕማቕ ኪዛረብ ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ዚጐድኣኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ክሃድእ ግን እጽዕር እየ። እንታይ ይፍለጥ፡ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ምናልባት ብዛዕባ ኻልእ ሰብ ወይ ነገር ይዛረቡ ይዀኑ” በለት። *

እምበኣር፡ ንዕላል ናብ ሕሜት ከም ዘይቅየር ምእንቲ ኽትገብሮ ለብም። ብዛዕባኻ ሃሳዪ ዘረባ ምስ ዚዝረብ፡ ብስምዒት ምላሽ ምእንቲ ኸይትህብ ብስለት ኣጥሪ። ሰናይ ግብርኻ ብዛዕባኻ ንኺዛረብ ፍቐደሉ። (1 ጴጥሮስ 2:12) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ምስ ካልኦትን ምስ ኣምላኽን ዘሎካ ጽቡቕ ርክብ ክትዕቅብ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 21 ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ነቲ ሓማዪ ብሜላ ኸተፋጥጦ ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ግን፡ ‘ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ስለ እትኸድን፡’ እዚ ኣድላዪ ኣይኰነን።—1 ጴጥሮስ 4:8

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ።ምሳሌ 13:3

ምኽሪ

ሓደ ሰብ ኪሕመ እንተ ሰሚዕካ፡ “ንሱ ኣብ ዘይብሉ ብዛዕባኡ ኽዛረብ ኣይደልን እየ” ኢልካ ኽትምልስ ትኽእል ኢኻ።

ትፈልጥዶ፧

ሕሜት ምስማዕካ ጥራይ ብእተወሰነ ተሓታቲ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። ነቲ ሓማዪ ንኺሓሚ ብምፍቃድካ፡ ነቲ ወረ ኣጸቢቑ ንኺንዛሕ ፈቒድካ ኢኻ!

መደባተይ

ኣብ ዝቕጽል፡ ወረ ኽነዝሕ ኣብ ዝፍተነሉ እዋን፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባይ ሃሳዪ ዘረባ እንተ ተዘሪቡ፡ ነቲ ጕዳይ በዚ ኸምዚ ኽሕዞ እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ብዛዕባ ኻልኦት ክትዛረብ ግቡእ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

ተሓሚኻዶ ትፈልጥ፧ እንተ ተሓሚኻ፡ ካብቲ ተመክሮ እንታይ ተማሂርካ፧

ብዛዕባ ኻልኦት ሕሜት ምንዛሕ ንስምካ ኼበላሽዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 107 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣነ ዝሓመኽዋ ሰብ ነቲ ነገር ሰሚዓ መጺኣ ምስ ኣፋጠጠትኒ ሓያል ትምህርቲ ተማሂረ እየ። ነቲ ጕዳይ ምስምስ ከቕርበሉ ኣይከኣልኩን! ብድሕሪ ሰብ ኣብ ክንዲ ምዝራብ፡ ነቲ ሰብ ፊት ንፊት ምዝራቡ ዝሓሸ ምዃኑ ተማሂረ እየ!’’—ፓውላ

[ኣብ ገጽ 108 ዘሎ ስእሊ]

ሕሜት ከም ሓደ ንስም ካልእ ኬበላሹ ዚኽእል ሓደገኛ ሰይፊ እዩ