ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣርኣያ-እታ ድኻ መበለት

ኣርኣያ-እታ ድኻ መበለት

ኣርኣያ-እታ ድኻ መበለት

የሱስ ነቶም ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ኬውድቑ ኸለዉ ረኣዮም። ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ፡ ሓንቲ ድኻ መበለት፡ “ክልተ ሣንቲም” ከተውድቕ ከላ ረኣየ። (ሉቃስ 21:2 ትርጕም 1990) በቲ ልግሳ ኸኣ ነኣዳ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ካልኦት፡ “ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ [ንሳ] ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሀበት።”—ማርቆስ 12:44

እቲ ቐዳምነት እትህቦ ነገራት፡ ምስዚ ናይዛ ሰበይቲ ይመሳሰል ድዩ፧ ግዜኻን ጕልበትካን ንኣገልግሎት ኣምላኽ ብፍታው ትጥቀመሉ ዲኻ፧ ከምታ ድኻ መበለት፡ ንቦታታት ኣምልኾ ንምክንኻን ዚኸውን ወፈያ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ንግዜኻን ገንዘብካን፡ ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ንኺመሃሩ ኣብ ምሕጋዝ እውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ነቲ እታ መበለት ንኣገልግሎቱ ዝገበረቶ ንእሽቶ ኣበርክቶ ኣስተብሂሉሉን ተሓጒሱሉን እዩ። ንስኻ እውን ንፍቓድ ኣምላኽ ቀዳምነት ትህቦ እንተ ዄንካ፡ ኣምላኽ ኪሕጐሰልካን ኪሕግዘካን እዩ።—ማቴዎስ 6:33