ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ዝገብሮ ዕርክነት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ዝገብሮ ዕርክነት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

ምዕራፍ 17

ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ዝገብሮ ዕርክነት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

“ሓድሓደ ግዜ ጕጅለ መንእሰያት እርኢ እሞ፡ ‘ፐእ፡ ናይ ብሓቂ ዚፋተዉ ኣዕሩኽ እዮም። ከማታቶም ዓይነት ዓርኪ ኺህልወኒ እደሊ እየ’ ኢለ እሓስብ።”—ጆ

“ኣብ ቤት ትምህርቲ መሓዙት ምርካብ ኣጸጊሙኒ ኣይፈልጥን እዩ። ብቐሊሉ እየ ዝመሓዞ። ጸገመይ ከኣ እዚ እዩ ነይሩ።”—ማሪያ

ኵሎም ሰባት፡ ኣብ ጽቡቕ ግዜ ሓቢሮምዎም ዚዘናግዑ፡ ኣብ ሕማቕ ግዜ ኸኣ ጸግዒ ዚዀንዎም ኣዕሩኽ የድልይዎም እዮም። የሱስ ኣዕሩኽ ነበርዎ፡ ምሳታቶም ግዜ ምሕላፍ እውን የሐጕሶ ነበረ። (ዮሃንስ 15:15) ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኺመውት ከሎ፡ እቲ “ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር” እተባህለ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ዮሃንስ ኣብ ጥቓኡ ነበረ። (ዮሃንስ 19:25-27፣ 21:20) ኣብ ጽቡቕካን ሕማቕካን ካባኻ ዘይፍለዩ ኣዕሩኽ የድልዩኻ እዮም!

ምናልባት ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ሓደ ወይ ክልተ ደቂ ኽፍልኻ ኣጸቢቕካ ስለ እትረዳዳእ፡ ከምኡ ዓይነት ኣዕሩኽ ዝረኸብካ ይመስለካ ይኸውን። ሓባራዊ ዜገድሰኩም ነገራት ኣሎኩም፡ ባህ ኢሉኩም ድማ ተዕልሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕርክነት፡ ምስ “ሕማቕ ዕርክነት” ዘይምደብ ይመስለካ ይኸውን። (1 ቈረንቶስ 15:33) ኣን፡ “ነቶም መንእሰያት ዳርጋ መዓልታዊ ኢኻ እትረኽቦም። ስለዚ፡ ምሳታቶም ቅልል ይብለካ። ከምቲ ምስቶም መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ክትከውን ከለኻ እትገብሮ፡ ንተግባራትካ ኽትጥንቀቕ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ፍዅስ ይብለካ እዩ” በለት። ብዘይካዚ ኸምታ ኸምዚ ዚስዕብ ዝበለት ሎኢስ ዝነበራ ኣረኣእያ ኸተሕድር ትኽእል ኢኻ፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ዅሎም ዚሓስብዎ ኣመና እተፈልዩ ዘይኰኑስ፡ ተራ ሰባት ምዃኖም ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዚርከባ መሓዙተይ ከርእየን ደለኹ።” እዚ ነገራት እዚ ምስ ደቂ ኽፍልኻ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንኽትምስርት ብቑዕ መሰረት ይዀነካ ድዩ፧

ስለምንታይ ኢኻ ኽትጥንቀቕ ዘሎካ፧

ነታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ማሪያ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ሕውስቲ ብምዃና ብቐሊሉ ትመሓዞ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣበይ ደረት ከም እትገብረሉ ግን ኣይፈለጠትን። “ኣዋልድን ኣወዳትን ዚፈትዉኒ ምንባረይ እፈትዎ ነበርኩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብ ሰልሚ እዛ ዓለም እዚኣ እጥሕል ነበርኩ” በለት። ንሎኢስ እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ኣጋጢምዋ። “ኣረእእያ ኻልኦት መንእሰያት ይጸልወኒ ነበረ። ከማታቶም ክኸውን ጀመርኩ” በለት።

እዚ ውጽኢት እዚ ዜገርም ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ምስ ሓደ ሰብ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንኺህልወካ፡ ዜገድሰካ ነገራትን እትስዕቦ ስርዓታትን ከም ናቱ ኪኸውን ኣለዎ። ምስቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዚርከብ እምነታትን መለክዒታትን ዘይስዕቡ ሰባት ጥብቂ ዕርክነት ኪህልወካ እንተ ደሊኻ፡ ፈቲኻ ጸሊእካ እዚ ንኣካይዳኻ ኺጸልዎ እዩ። (ምሳሌ 13:20) ስለዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” ኢሉ ዝጸሓፈ።—2 ቈረንቶስ 6:14

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ጳውሎስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ንደቂ ኽፍልኻ ኽትፍንፍኖምን ፈጺምካ ኽትርሕቆምን ኣሎካ ማለቱ ድዩ፧ ኣይኰነን! ክርስትያናት ነቲ ‘ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ’ እተዋህቦም መዝነት ንኺፍጽሙ፡ ምስ ኵሎም ዓሌታትን ሃይማኖታትን ባህልታትን ብኸመይ ከም ዚረዳድኡ ኺፈልጡ የድልዮም እዩ።—ማቴዎስ 28:19

ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። እምነቱ ኻብቲ ናይቶም ዜዘራርቦም ሰባት እተፈልየ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ “ኵላቶም” ዓይነት ሰባት፡ ብኸመይ ከም ዚዘራረብ ይፈልጥ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 9:22, 23) ኣብነት ጳውሎስ ክትስዕብ ትኽእል ኢኻ። ንመዛኑኻ ብፍሽሑው መገዲ ቕረቦም። ጽቡቕ ጌርካ ኣዘራርቦም። ኰይኑ ግን፡ ዘረባኻን ተግባርካን ከም ናይ ደቂ ኽፍልኻ ኪኸውን ኣይተፍቅድ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ስለምንታይ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትነብር ከም እትደሊ ብኣኽብሮት ግለጸሎም።—2 ጢሞቴዎስ 2:25

ሓቂ እዩ፡ ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበልካ ኽትከውን ኢኻ፡ እዚ ድማ ቐሊል ኣይኰነን። (ዮሃንስ 15:19) ኰይኑ ግን፡ ነቲ ነገር በዚ ዚስዕብ መገዲ ስለምንታይ ዘይትርእዮ፧ ንስኻ ኣብ ሓንቲ ህይወት ንምድሓን እተገልግል ጃልባ፡ ካልኦት ሰባት ከኣ ኣብ ማይ እንተ ኣልዮም፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኽትሕግዞም እትኽእል፧ ነታ ጃልባ ሓዲግካ ምሳታቶም ኣብቲ ማይ ብምእታው ድዩ፧ ኣይኰነን!

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ በቶም ዓርኪ የሆዋ ምዃን ዜምጽኦ ዕቝባ ዘይረኸቡ ሰባት ኢኻ ተኸቢብካ ዘለኻ። (መዝሙር 121:2-8) ንደቂ ኽፍልኻ ንኽትቀርቦም ኢልካ ስርዓታት የሆዋ እንተ ሓዲግካ፡ መንፈሳዊ ጥዕናኻን ሓጐስካን ኣብ ሓደጋ ኻብ ምእታው ሓሊፍካ እተምጽኦ ረብሓ የለን። (ኤፌሶን 4:14, 15፣ ያእቆብ 4:4) ንደቂ ኽፍልኻ ኸመይ ገይሮም ንየሆዋ ኸም ዜገልግልዎ መርኣያ ብምሃብ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብታ ጃልባ ኺድይቡ እንተ ሓገዝካዮም ይሓይሽ። ናይ ሓቂ ዕርክነት ከተመስክረሉ እትኽእል ካብዚ ዚሓይሽ እንታይ ኣሎ፧

[ቀንዲ ጥቕሲ]

እዚ ዅሉ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ።1 ቈረንቶስ 9:23

ምኽሪ

ገሊኦም ደቂ ኽፍልኻ ብዛዕባ እምነትካ ኺፈልጡ እንተ ደልዮም፡ ኣረኣእያኦም ኪገልጹ ፍቐደሎም። ጽን ኢልካ ስምዓዮም። ክትዛረቦም ከለኻ፡ “ብለውሃትን ብኽብርን” ተዛረቦም።—1 ጴጥሮስ 3:15 ትርጕም 1990

ትፈልጥዶ፧

ሎሚ ንኣምላኽ ዜገልግሉ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓደ ብትብዓት ብዛዕባ እምነቱ ዝነገሮም መማህርቶም እዮም ፈሊጦም።

መደባተይ

ምስ መማህርተይ ዘሎኒ ርክብ ኣመና እተቐራረበ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኒ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ሓደ መማህርተይ ብእምነተይ እንተ ኣላጊጹለይ፡ ነቲ ዅነታት በዚ ዚስዕብ ክሕዞ እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ካብ ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ንላዕሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዕሩኽ ምግባር ዝቐለለ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ምስ ዘይኣመንቲ ደቂ ኽፍልኻ ድሕሪ ትምህርቲ ምዝንጋዕ፡ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧

ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ንደቂ ኽፍልኻ እንተ ኣፍሊጥካዮም፡ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

[ኣብ ገጽ 143 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ከምቶም ኣብ ቤት ትምህርትና ዝነበሩ መንእሰያት መሲለ እመላለስ ብምንባረይ፡ ብቐሊሉ ኣዕሩኽ እገብር ነይረ። ደሓር ግን ካብ ጌጋታተይ ተማሂረ እየ። ሕጂ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ኽኣምኖም ዝኽእል ኣዕሩኽ ኣለዉኒ።’’—ዳንኤል

[ኣብ ገጽ 146 ዘሎ ስእሊ]

ንሓደ ዚጥሕል ዘሎ ሰብ ንምድሓን፡ ናብቲ ማይ ዲኻ ዘሊልካ ትኣቱ ወይስ ንኸይጥሕል ዚሕግዞ ጎማ ኢኻ እትድርብየሉ፧