ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክጥመቕዶ፧

ክጥመቕዶ፧

ምዕራፍ 37

ክጥመቕዶ፧

ነዚ ዚስዕብ ቅኑዕ ወይ ጌጋ በል።

ጥምቀት፡ ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት እዩ።

□ ቅኑዕ

□ ጌጋ

ቀንዲ ዕላማ ጥምቀት፡ ሓጢኣት ንኸይትፍጽም ንምዕቋብ እዩ።

□ ቅኑዕ

□ ጌጋ

ጥምቀት ንድሕነት መገዲ ይኸፍተልካ።

□ ቅኑዕ

□ ጌጋ

እንተ ዘይተጠሚቕካ፡ ብተግባራትካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታቲ ኣይኰንካን።

□ ቅኑዕ

□ ጌጋ

ኣዕሩኽካ ይጥመቑ እንተ ኣልዮም፡ ንጥምቀት ተዳሊኻ ኣለኻ ማለት እዩ።

□ ቅኑዕ

□ ጌጋ

ብስርዓታት ኣምላኽ እትነብር፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት እተማዕብል፡ ከምኡውን ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትካ እትዛረብ ዘለኻ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ጥምቀት ምሕሳብካ ንቡር እዩ። ነዚ ስጕምቲ እዚ ተዳሊኻ እንተ ዄንካ ግን ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቕኑዕ ወይ ጌጋ ዚብል ሕቶታት እስከ ንርኣዮ።

ጥምቀት፡ ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት እዩ።

ቅኑዕ። የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኺጥመቑ ኸም ዘለዎም መምርሒ ሃበ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ንሱ ንባዕሉ እውን ተጠሚቑ እዩ። ንክርስቶስ ክትስዕቦ እንተ ዄንካ፡ ንጥምቀት ውሳነ ንምግባር ብስለት ምስ ኣጥረኻን ከምኡ ንምግባር ልባዊ ድሌት ምስ ኣሕደርካን ክትጥመቕ ኣሎካ።

ቀንዲ ዕላማ ጥምቀት፡ ሓጢኣት ንኸይትፍጽም ንምዕቋብ እዩ።

ጌጋ። ጥምቀት፡ ርእስኻ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኻ ኣብ ቅድሚ ሰባት እተርእየሉ ኣጋጣሚ እዩ። ወፈያኻ ነቲ ብስቱር ክትገብሮ እትደሊ ነገራት ንኸይትገብር ዚቕይደካ ውዕል ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብስርዓታት የሆዋ ኽትነብር ስለ እትደሊ ኢኻ ህይወትካ ንዕኡ እትውፊ።

ጥምቀት ንድሕነት መገዲ ይኸፍተልካ።

ቅኑዕ። ጥምቀት ናብ ድሕነት ዚመርሕ ኣገዳሲ ስጕምቲ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:21) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ጥምቀት ከምቲ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ንኼዕቍበካ ኢልካ ዚዕደግ ውዕል መድሕን እዩ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንየሆዋ ስለ እተፍቅሮን ብምሉእ ልብኻ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ስለ እትደልን ኢኻ እትጥመቕ።—ማርቆስ 12:29, 30

እንተ ዘይተጠሚቕካ፡ ብተግባራትካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታቲ ኣይኰንካን።

ጌጋ። ሓደ ሰብ ይጠመቕ ኣይጠመቕ ብዘየገድስ፡ ያእቆብ 4:17፡ “እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ” ትብል። ስለዚ፡ ሰናይ ዘበለ ትፈልጥ እንተ ዄንካን ብዛዕባ ህይወትካ ብርዝነት ንምሕሳብ ዜኽእል ብስለት እንተ ኣልዩካን፡ ምናልባት ነዚ ጕዳይ እዚ ምስ ወላዲኻ ወይ ምስ ካልእ ብሱል ክርስትያን ክትዘራረበሉ ኣሎካ። በዚ ኸምዚ፡ ናብ ጥምቀት ብኸመይ ዕቤት ከም እትገብር ክትፈልጥ ኢኻ።

ኣዕሩኽካ ይጥመቑ እንተ ኣልዮም፡ ንጥምቀት ተዳሊኻ ኣለኻ ማለት እዩ።

ጌጋ። ንኽትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ፡ ብፍታው ልቢ ኽትገብሮ ኣሎካ። (መዝሙር 110:3) ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ምሉእ ብምሉእ ምስ ተረድኣካን ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምስካም ድሉው ምስ ኰንካን ጥራይ ኢኻ ኽትጥመቕ ዘሎካ።—መክብብ 5:4, 5

ንህይወትካ ዚቕይር ስጕምቲ

ጥምቀት ናብ ብዙሕ በረኸት ዚመርሕ ንህይወትካ ዚቕይር ስጕምቲ እዩ። ምስናይዚ ኸኣ ረዚን ሓላፍነት የሰክመካ እዩ፣ እዚ ድማ ምስቲ ንየሆዋ ዝገበርካዮ ብሕታዊ ወፈያ ተሰማሚዕካ ምንባር እዩ።

ናብቲ ደረጃ እቲ ትቐርብዶ ኣለኻ፧ ትቐርብ እንተ ኣሊኻ፡ ንኽትሕጐስ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎካ። ካብ ኵሉ ዝዓበየ ፍሉይ መሰል እዩ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ ዘሎ። ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ ናይ ምግልጋልን ርእስኻ ንዕኡ ብሓቂ ኸም ዝወፈኻ ብዜርኢ መገዲ ናይ ምንባርን ፍሉይ መሰል ይጽበየካ ኣሎ።—ማቴዎስ 22:36, 37

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፦

ንህይወትካ ብጥበባዊ መገዲ ምእንቲ ኽጥቀመላ፡ ብኸመይ ሸቶታት ከም እትገብር ተምሃር።

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ . . . እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።ሮሜ 12:1

ምኽሪ

ብሓገዝ ወለድኻ፡ ኣብ ጉባኤኻ ዚርከብ ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ኺሕግዘካ ዚኽእል ሰብ ርኸብ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:1-3

ትፈልጥዶ፧

ጥምቀት ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ንድሕነት ዚግበር “ማሕተም” እዩ።—ህዝቅኤል 9:4-6

መደባተይ

ናብ ጥምቀት ንምስጓም፡ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ምርዳእ ከስፍሕ እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ጥምቀት ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ስጕምቲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ መንእሰይ ገና ኸይተዳለወ ኸሎ ኸም ዚጥመቕ ኪገብሮ ዚኽእል እንታይ ኵነታት ኣሎ፧

ሓደ መንእሰይ ብምንታይ ዘይብቑዕ ምኽንያታት እዩ ኻብ ወፈያን ጥምቀትን ኬድሓርሕር ዚኽእል፧

[ኣብ ገጽ 306 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ከም እተጠመቕኩ ምፍላጠይ ጥበባዊ ውሳነታት ንኽገብርን ሕማቕ ሳዕቤናት ኬስዕበለይ ብዚኽእል መገዲ ንኸይከይድን ሓጊዙኒ እዩ።’’—ሆሊ

[ኣብ ገጽ 307 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጥምቀት ዚሕተት ሕቶታት

ጥምቀት እንታይ የመልክት፧ ኣብ ማይ ምጥላቕን ካብኡ ምትንሳእን፡ ንርእስኻ ኢልካ ብምንባር ዝመጸ ኸም ዝሞትካን ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ህያው ከም ዝዀንካን የመልክት።

ህይወትካ ንየሆዋ ምውፋይ እንታይ ማለት እዩ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ልዕሊ ዅሉ ንኽትሰርዖ ብምምብጻዕ፡ ህይወትካ ትቐብጽ ማለት እዩ። (ማቴዎስ 16:24) ካብ ጥምቀትካ እተወሰነ ግዜ ኣቐዲምካ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኻ ብጸሎት ክትገልጽ ኣሎካ።

ቅድሚ ጥምቀትካ ንህይወትካ ብኸመይ ክትጥቀመላ ኣሎካ፧ ምስ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ኽትነብርን ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ክትዛረብን ኣሎካ። ብጸሎትን ብመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ኣቢልካ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ከተማዕብል ኣሎካ። ብጸቕጢ ኻልኦት ዘይኰነስ፡ ብናትካ ድሌት ንየሆዋ ኸተገልግሎ ኣሎካ።

ክትጥመቐሉ ዘሎካ ዕድመ ኣሎዶ፧ ዕድመ ቐንዲ ረቛሒ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ትርጕም ወፈያ ኽትርድኣሉ ኣብ እትኽእለሉ ዕድመን ደረጃ ብስለትን ክትበጽሕ ኣሎካ።

ንስኻ ኽትጥመቕ እናደለኻ፡ ወለድኻ ኽትጸንሕ እንተ ነገሩኻኸ፧ ምናልባት ኣብ ክርስትያናዊ ናብራ ዝያዳ ተመክሮ ኽትረክብ ይደልዩኻ ይዀኑ። ንምኽሮም ኣኽቢርካ ርኣዮ፡ ነቲ ግዜ ድማ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ንምድልዳል ተጠቐመሉ።—1 ሳሙኤል 2:26

[ኣብ ገጽ 308, 309 ዘሎ ሳጹን]

ወረቐት ዕዮ

ክትጥመቕ ትሓስብዶ ኣለኻ፧

ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕቶታትን ሓሳባትን ኣብ ግምት ብምእታው ንዕቤትካ ገምግሞ። መልስታትካ ቕድሚ ምጽሓፍካ ነቲ ጥቕስታት ገንጺልካ ኣንብቦ።

ሕጂ ብኸመይ ኢኻ ኣብ የሆዋ እምንቶ ተርኢ ዘለኻ፧መዝሙር 71:5 ․․․․․

ልቦናኻ ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ከም ዝለመደ ብኸመይ ተርኢ ኣለኻ፧እብራውያን 5:14 ․․․․․

ክንደይ ሳዕ ትጽሊ፧ ․․․․․

ኣብ ጸሎትካ ማዕረ ኽንደይ ኢኻ ንጹር ነጥብታት እትጠቅስ፧ እዚኸ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ እንታይ ይገልጽ፧መዝሙር 17:6 ․․․․․

ብዛዕባ ጸሎት ከተውጽኦ እትደሊ ሸቶታት ኣብ ታሕቲ ዘርዝር። ․․․․․

ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ እትገብር፧እያሱ 1:8 ․․․․․

ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ እንታይ ተጠቓልል፧ ․․․․․

ብዛዕባ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኸተውጽኦ እትደሊ ሸቶታት ኣብ ታሕቲ ዘርዝር። ․․․․․

ትርጕም ዘለዎ ኣገልግሎት ተገልግል ዲኻ፧ (ንኣብነት፦ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ክትገልጽ ትኽእል ዲኻ፧ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ተመሊስካ ትበጽሖም ዲኻ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ንምምራሕ ጻዕሪ ትገብርዶ ኣለኻ፧)

□ እወ □ ኣይፋል

ዋላ እውን ወለድኻ ናብ ኣገልግሎት እንተ ዘይከዱ፡ ናብ ኣገልግሎት ትኸይድ ዲኻ፧ግብሪ ሃዋርያት 5:42

□ እወ □ ኣይፋል

ብዛዕባ ኣገልግሎት ከተውጽኦ እትደሊ ሸቶታት ኣብ ታሕቲ ዘርዝር።2 ጢሞቴዎስ 2:15 ․․․․․

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርካ ዲኻ እትእከብ ወይስ ሓሓሊፍካ፧እብራውያን 10:25 ․․․․․

ብኸመይ ኢኻ ኣብ ኣኼባታት እትሳተፍ፧ ․․․․․

ወለድኻ ኣብ ኣኼባ ኺእከቡ ኣብ ዘይክእሉሉ እዋን (ንኽትእከብ ዜፍቅዱልካ እንተ ዀይኖም) ናብ ኣኼባ ትኸይድ ዲኻ፧

□ እወ □ ኣይፋል

ብሓቂዶ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ ኣሎካ እዩ፧መዝሙር 40:8

□ እወ □ ኣይፋል

ንጸቕጢ መዛኑ እተጻረርካሉ ኣጋጣሚታት ክትዝርዝር ትኽእልዶ፧ሮሜ 12:2 ․․․․․

ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ድልድልቲ ዀይና ኸም እትቕጽል ንምግባር እንታይ መደብ ጌርካ፧ይሁዳ 20, 21 ․․․․․

ወለድኻን ኣዕሩኽካን ንየሆዋ ምግልጋል እኳ እንተ ሓደግዎ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ትቕጽል ዲኻ፧ማቴዎስ 10:36, 37

□ እወ □ ኣይፋል

[ኣብ ገጽ 310 ዘሎ ስእሊ]

ጥምቀት ከም መርዓ ንህይወትካ ዚቕይር ስጕምቲ እዩ፣ ስለዚ፡ ኣፍኲስካ ኺርአ የብሉን