እብራውያን 5:1-14

  • የሱስ፡ ሊቀ ኻህናት ካብ ዝዀኑ ሰባት ይበልጽ (1-10)

    • ከም ስርዓት መልከጼዴቅ (6, 10)

    • ካብ መከራ ተኣዛዝነት ተማህረ (8)

    • ንናይ ዘለኣለም ድሕነት ምኽንያት ኰነ (9)

  • ብሱል ብዛዕባ ዘይምዃን እተዋህበ መጠንቀቕታ (11-14)

5  ካብ ሰባት እተወስደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ ስለ ሓጢኣት መባእን መስዋእትን ኬቕርብ፡+ ብናይ ኣምላኽ ነገር፡ ምእንታኦም እዩ ዚሽየም።+  ንሱ እውን ድኻም ስለ ዘለዎ፡ ነቶም ደናቝርን ዚጋገዩን* ኪርሕርሓሎም* ይኽእል እዩ።  ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡ እውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ኪስውእ ይግብኦ እዩ።+  ከም ኣሮን፡+ ብኣምላኽ ምስ ተጸውዐ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ባዕሉ ዚወስዶ ሓደ እኳ የልቦን።  ከምኡ ድማ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ብምዃን ርእሱ ኣየኽበረን፣+ የግዳስ፡ እቲ ብዛዕባኡ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ”+ ዝበለ እዩ ኣኽቢርዎ።  ኣብ ካልእ ቦታ እውን፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ይብል።+  ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡* ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚኽእል፡ ምህለላን ልማኖን ኣቕሪቡ እዩ፣+ ንኣምላኽ ብምፍራሁ ኸኣ ተሰሚዑ እዩ።  ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማሂሩ እዩ።+  ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡+ ንዅሎም እቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ንናይ ዘለኣለም ድሕነቶም ምኽንያት ኰይኑ እዩ፣+ 10  ስለምንታይሲ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ብኣምላኽ ተሰይሙ እዩ።+ 11  ብዛዕባኡ ብዙሕ እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ንምግላጹ ኣጸጋሚ እዩ። 12  ክሳዕ ሕጅስ* መምህራን ክትኰኑ ዚግብኣኩም እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ መባእታዊ ነገራት+ እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኸም ብሓድሽ ዚምህረኩም የድልየኩም ኣሎ፣ ዕጹም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ጸባ ዜድልየኩም ኴንኩም ኣለኹም። 13  ጸባ ዚቕለብ ዘበለ፡ ሕጻን እዩ እሞ፡ ብዛዕባ ቓል ጽድቂ ምኩር ኣይኰነን።+ 14  ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም* ዘሰልጠኑ ብሱላት እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ፋሉልን።”
ወይ፡ “ኪልውሃሎም።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታት ስጋኡ።”
ቃ.ቃ.፡ “ከምቲ ግዜስ።” ማለት፡ “ከም ምንዋሕ እቲ ግዜስ።”
ወይ፡ “ናይ ምስትውዓል ክእለቶም።”