ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣርኣያ-ኣሳፍ

ኣርኣያ-ኣሳፍ

ኣርኣያ-ኣሳፍ

ኣሳፍ ኣብ ህይወቱ ኣጸጋሚ እዋን የሕልፍ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት ሕግታት ኣምላኽ ኬፍርሱ ይርኢ ነበረ፡ ሳዕቤኑ ኸይዓጸዱ ድማ ዜምልጡ ይመስሉ ነበሩ። ስለዚ ድማ፡ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ጻዕሪ ምግባር ረብሓ እንተ ኣልይዎ ኺሓስብ ጀመረ። “ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ፡ ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ” በለ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣዕሚቑ ምስ ሓሰበ ግን፡ ሓሳቡ ቐየረ። እቲ ረሲኣን ዚረኽብዎ ሓጐስ ግዜያዊ ምዃኑ ኣስተውዓለ። ኣብ ምንታይ መደምደምታኸ እዩ በጺሑ፧ ንየሆዋ፡ “ንኣኻ ኻብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን” ኢሉ ዘመረሉ።—መዝሙር 73:3, 13, 16, 25, 27

ምናልባት ሓድሓደ ግዜ ብስርዓታት ኣምላኽ ምንባር ረብሓ እንተ ኣልይዎ ሓቲትካ ትኸውን። እንተዀነ ግን፡ ከም ኣሳፍ ኩን፡ ኣዕሚቝካ ሕሰብ። ሕግታት የሆዋ ንዘየኽብሩ ሰባት ብዛዕባ ዜጋጥሞም ኵነታት ሕሰብ። ብሓቂዶ ሰላም እዮም ረኺቦም፧ እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ዘይረኸብዎ ሓጐስ ዚርከበሉ መገዲ ረኺቦም ድዮም፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣስፊሕካ ድሕሪ ምሕሳብካ፡ “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” ብምባል ንቓላት ኣሳፍ ከተቃልሖ ኢኻ።—መዝሙር 73:28