ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰብነተይ እንታይ እዩ ዚኸውን ዘሎ፧

ሰብነተይ እንታይ እዩ ዚኸውን ዘሎ፧

ምዕራፍ 6

ሰብነተይ እንታይ እዩ ዚኸውን ዘሎ፧

“ብሓንሳእ እየ ነዊሐ። ቃንዛ ግን ነይርዎ። ምዕባየይ ዜሐጕሰኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ጭዋዳታት ኣእጋረይ ግን ይኰማተር ነይሩ። እዚ ይጽልኣኒ ነይሩ።”—ፖል

“ሰብነትካ ይልወጥ ከም ዘሎ ይፍለጠካ፡ ካልእ ሰብ ከየስተብህለልካ ኸኣ ትስከፍ። ሓደ ሰብ ግን ክፉእ ከይሓሰበ ‘ሰፊሕ ጐሎ’ ኸም ዘሎካ ይነግረካ፣ ሽዑ መሬት ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጠካ ትምነ!”—ሸነል

ምስ ስድራ ቤትካ ገዛ ቐዪርኩምዶ ትፈልጡ፧ እሞኸ ኣጸጋሚ ዀይኑዶ ረኺብካዮ፧ ገዛኻ፡ ቤት ትምህርትኻ፡ ፈተውትኻ፡ ኰታስ እትፈልጦ ዅሉ ኢኻ ሓዲግካ ኼድካ። ነቲ ሓድሽ ገዛውቲ ኽሳዕ እትለምዶ እተወሰነ ግዜ ወሲዱልካ ኪኸውን ኣለዎ።

ነቲ ናብ ኣካላዊ ብስለት እትኣትወሉ ብጽሕና/ጕርዝውና ምስ ጀመርካ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ዓብዪ ለውጥታት ኢኻ እትጅምር። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ናብ ሓድሽ “ገዛውቲ” ትቕይር ከም ዘለኻ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። እሞኸ እዚ ዜሕጕስ ድዩ፧ እወ! እቲ ናብ ስብእነት/ሰበይትነት እትገብሮ ጕዕዞ ግን፡ እተሓዋወሰ ስምዒታት ኪፈጥር ይኽእል እዩ፡ ምልማዱ እውን የጸግመካ ይኸውን። ኣብዚ ባህ ዜብል ግን ከኣ ኣጸጋሚ ኽፋል ህይወትካ እንታይ እዩ ዜጋጥመካ፧

ንኣዋልድ

ጕርዝውና ብዙሕ ለውጢ ዚህልወሉ እዋን እዩ። ገሊኡ እትገብርዮ ለውጥታት ብንጹር ዚርአ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣካላትኪ ዚፍኖ ሆርሞናት፡ ኣብ ከባቢ ብልዕትኺ ጸጕሪ ኸም ዚበቍል ይገብር እዩ። ኣጥባትኪ፡ ጐሎኺ፡ ሰለፍኪ፡ መቐመጫኺ ኺዓቢ ኸሎ ኸተስተብህልሉ ኢኺ። ቅርጺ ኣካላትኪ ኸም ናይ ቈልዓ ዘይኰነስ፡ ከም ናይ ሰበይቲ እናዀነ ይኸይድ። እዚ ኼሻቕለኪ የብሉን፡ ንቡር ነገር እዩ። ሰብነትኪ ነቲ ውሉድ እትወልድሉ እዋን ይዳሎ ኸም ዘሎ ዜርኢ እዩ!

ክትጕርዝዊ ኻብ እትጅምሪ ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ናይ ፈለማ ጽግያት ክትርእዪ ኢኺ። እኹል ምድላዋት እንተ ዘይጌርኪ፡ እዚ ለውጢ እዚ ኼፍርሃኪ ይኽእል እዩ። ሰማንታ፡ “ናይ ፈለማ ጽግያት ክርኢ ዝጀመርኩሉ እዋን፡ ፈጺመ ኣይተዳለኹሉን ነይረ። ረሳሕ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ነብሰይ ክሕጸብ ከለኹ፡ ንኣካላተይ ፍሕፍሕ አብሎ ነይረ፡ ‘ዘፈንፍን እየ’ ኢለ ድማ እሓስብ ነይረ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ወወርሒ ጽግያት ኪመጸኒ ዚብልዎ ሓሳብ ኣመና እዩ ኣፍሪሁኒ!” በለት።

ጽግያት ግን ናይ ምፍራይ ክእለትኪ ይምዕብል ከም ዘሎ ዚሕብር ምዃኑ ኣይትረስዒ። ወላዲት ንምዃን ድልውቲ ንኽትኰኒ ገና ዓመታት ኪሓልፍ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ናብ ሰበይትነት ግን ኢኺ ትሰጋገሪ ዘለኺ። ኰይኑ ግን፡ ናይ ፈለማ ጽግያት ዜሻቕል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ብዚምልከት ኬሊ፡ “እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘጸገመኒ ነገር ጠባየይ ይቀያየር ምንባሩ እዩ ነይሩ። ምሉእ መዓልቲ ኣዝየ ሕጕስቲ ዀይነ ኸብቅዕ፡ በታ ምሸት እቲኣ ፊቕፊቕ ኢለ ዝበኽየሉ ምኽንያት ዘይምፍላጠይ የበሳጭወኒ ነይሩ” በለት።

ሕጂ ኸምኡ ይስምዓኪ እንተ ኣልዩ፡ ትዕግስቲ ግበሪ። ድሕሪ ግዜ፡ እዚ ኺተዓራረ እዩ። ኣነት ስማ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ፡ “ሰበይቲ ዝኸውን በዚ ኸምዚ ኸም ዝዀነን የሆዋ ኸኣ ውሉዳት ንኽወልድ ዜኽእለኒ ውህበት ከም ዝሃበንን ናተይ ኢለ እተቐበልኩሉ እዋን ትዝ ይብለኒ። ነዚ ንክቕበሎ እተወሰነ ግዜ ወሲዱለይ እዩ፡ ንገሊአን ኣዋልድ እውን ከቢድ እዩ፣ ምስ ግዜ ግን ነቲ ለውጥታት ትቕበሎ” በለት።

ገለ ኻብዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ኣካላዊ ለውጥታት ኣጋጢሙኪዶ፧ ኣብ ዚስዕብ መስመራት፡ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመኪ ዘሎ ለውጥታት ክትሓትዮ እትደልዪ ዝዀነ ይኹን ሕቶታት ጽሓፊ።

․․․․․

ንኣወዳት

ወዲ እንተ ዄንካ፡ ብጽሕና ኣብ ትርኢትካ ብዙሕ ለውጢ የምጽእ እዩ። ንኣብነት፡ ቈርበትካ ቕብኢ ኺበዝሖ ስለ ዚኽእል፡ ፈጸጋ ይወጸካ። * ማት ዚበሃል ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ፡ “ብዙሕ ፈጸጋ ኺወጸካ ኸሎ የሕርቐካን የበሳጭወካን እዩ። ምስቲ ፈጸጋ ቓልሲ ኢኻ እትጅምር። ዚጠፍእ እንተ ዀይኑ፡ ወይ በሰላ ዚሓድገልካ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ሰባት ኣትሒቶም ዚርእዩኻ እንተ ዀይኖም ኣይትፈልጥን ኢኻ” በለ።

ብኣወንታዊ ጐድኑ ግን እናገዘፍካን እናደልደልካን ትኸይድ ከም ዘለኻ፡ መንኵብካ ድማ እናሰፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ተስተብህል ትኸውን። ኣብ ግዜ ብጽሕና፡ ኣብ ኣእጋርካን ኣብ ደረትካን ኣብ ገጽካን ኣብ ትሽትሽካን ጸጕሪ ኸተብቍል ትጅምር። ብዝሒ ጸጕርኻ ግን ንስብእነትካ ዜመልክት ኣይኰነን፣ ናይ ውርሲ ጕዳይ ጥራይ እዩ።

ኵሉ ኽፋላት ሰብነትካ ብማዕረ ስለ ዘይዓቢ፡ ኣብዚ ደረጃ እዚ ብእተወሰነ መጠን ደርጋፍ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ድዌን፡ “በቲ ኣብ እግሪ ዚውደ ሸረር ገይረ ኾረር እናበልኩ ኽጻወት ከለኹ፡ ከም ዘራፍ ግርማ ዘሎኒ እየ ነይረ። ሕጂ ግን ሓንጐለይ ዚሰዶ ትእዛዝ፡ ድሕሪ ሰሙናት እዩ ናብ መሓውረይ ዚበጽሕ!” በለ።

ኣብ መፋርቕ ዕድመ ዀተቴ፡ ድምጽኻ እናረጐደ ይኸይድ፣ እዚ ለውጢ እዚ ግን በብቝሩብ እዩ ዚመጽእ። ንእተወሰነ ግዜ፡ ሓፊስን ረጕድን ድምጺ ኸተውስእ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሃንደበት እተሓንቀት ደርሆ ስለ እትጥዕም ክትሓፍር ትኽእል ኢኻ። በዚ ግን ኣይትጨነቕ። ውዒሉ ሓዲሩ ድምጽኻ ኺዕረ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን፡ ነቲ ዜጋጥመካ ስሒቕካ ትሓልፎ እንተ ዄንካ፡ ብሕፍረት ኣይክትሸማቐቕን ኢኻ።

ንምፍራይ ዜገልግል ኣካላትካ ናብ ብስለት እናበጽሐ ምስ ከደ፡ ጾታዊ ኣካላትካ ኺዓብን ኣብ ከባቢኡ ጸጕሪ ኺበቍልን እዩ። ፈሳሲ ዘርኢ እውን ከተፍሪ ኽትጅምር ኢኻ። እዚ ፈሳሲ እዚ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚርአ ብሚልዮናት ዚቝጸር ዘርኢ ተባዕታይ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ እዩ ዚስደድ። ዘርኢ ተባዕታይ ንእንቋቝሖ ኣንስተይቲ ኺጽግያ እሞ በዚ ኸምዚ ሕጻን ኪውለድ ይኽእል እዩ።

እቲ ፈሳሲ ዘርኢ ኣብ ሰብነትካ ይውህለል እዩ። ገሊኡ ነብስኻ ይጥቀመሉ፡ ገሊኡ ግን ሓሓሊፉ ለይቲ ደቂስካ ኸለኻ ኺፈስስ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስዳድ ንቡር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ ነዚ ጠቒስዎ ኣሎ። (ዘሌዋውያን 15:16, 17) ስርዓተ ምፍራይካ ይዓዪ ኸም ዘሎን ናብ ስብእነት ትስጕም ከም ዘለኻን ዚሕብር እዩ።

ገለ ኻብዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ኣካላዊ ለውጥታት ኣጋጢሙካዶ፧ ኣብ ዚስዕብ መስመራት፡ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ለውጥታት ክትሓቶ እትደሊ ዝዀነ ይኹን ሕቶታት ጽሓፍ።

․․․․

ነቲ ሓድሽ ስምዒታት ምቍጽጻሩ

ስርዓተ ምፍራይ ናብ ብስለት እናማዕበለ ምስ ከደ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኣብ ኣንጻር ጾታ ኺግደሱ ይጅምሩ። ማት፡ “በጽሒ ምስ ኰንኩ፡ ብሃንደበት ብዙሓት ምልኩዓት ኣዋልድ ከም ዘለዋ ኣስተብሃልኩ። ክሳዕ ዝዓቢ ዋላ ሓንቲ ኽገብር ከም ዘይክእል ስለ እተረድኣኒ ግን፡ እዚ ኣበሳጭዩኒ እዩ” በለ። ኣብዛ መጽሓፍ እትርከብ ምዕራፍ 29 ነዚ መዳይ ዕቤት እዚ ብሰፊሑ ኽትገልጾ እያ። ንሕጂ ግን ንጾታዊ ድፍኢትካ ኽትቈጻጸሮ ኸም ዘሎካ ጥራይ ፍለጥ። (ቈሎሴ 3:5) ኣጸጋሚ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ክትቈጻጸሮ ግን ትኽእል ኢኻ!

ኣብ እዋን ብጽሕና/ጕርዝውና ኻልእ ክትቈጻጸሮ ዘሎካ ስምዒታት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ርእስኻ ሕማቕ ይስምዓካ ይኸውን። ብዙሓት መንእሰያት ጽምዋ ይስምዖም እዩ፡ ሓሓሊፎም እውን ይቓዝኑ እዮም። ከምዚ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ምስ ወለድኻ ወይ ምስ እትኣምኖም ዓበይቲ ሰባት ተዘራረብ። ስም እቲ ብዛዕባ ስምዒትካ ኸተዘራርቦ እትደሊ ዓብዪ ሰብ ኣብዚ ጽሓፎ።

․․․

ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕቤት

ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕቤትካ፡ ምስ ቍመትካ፡ ቅርጺ ኣካላትካ፡ ወይ መልክዕካ ዚተሓሓዝ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ምስ እንታይነትካ፡ ማለት ምስ ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ብሕልፊ ድማ ምስ መንፈሳዊ ዕቤትካ ዚተሓሓዝ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ” በለ። (1 ቈረንቶስ 13:11) እዚ ኣብዚ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ ንጹር እዩ። ሰብነትካ ኸም ናይ ዓብዪ ሰብ ምዃኑ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ተግባርካን ዘረባኻን ኣተሓሳስባኻን እውን ከም ናይ ዓብዪ ሰብ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ሰብነትካ ብዛዕባ ዜጋጥም ዘሎ ለውጥታት ካብ ምጭናቕካ እተላዕለ፡ ንውሽጣዊ እንታይነትካ ዕሽሽ ከይትብሎ ተጠንቀቕ!

ኣምላኽ፡ “ልቢ እዩ ዚርኢ።” (1 ሳሙኤል 16:7) ንጉስ ሳኦል ነዊሕን መልክዐኛን እኳ እንተ ነበረ፡ ንፉዕ ንጉስ ወይ ንፉዕ ሰብኣይ ከም ዘይነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (1 ሳሙኤል 9:2) ብኣንጻሩ ግን፡ ዘኬዎስ “ቍመቱ ሓጺር” እኳ እንተ ነበረ፡ ህይወቱ ንኪቕይርን ወደ መዝሙር የሱስ ንኪኸውንን ዘኽኣሎ ውሽጣዊ ብርታዐ ነበሮ። (ሉቃስ 19:2-10) እምበኣር፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ውሽጣዊ እንታይነትካ እዩ።

ሓደ እተረጋገጸ ሓቂ ኣሎ፦ ንኣካላዊ ዕቤትካ ኸተቀላጥፎ ወይ ከተደናጕዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ፡ ንዕቤትካ ብጽልእን ብፍርህን ኣብ ክንዲ እትቕበሎ፡ ብጸጋን ብሓጐስን ተቐበሎ። ብጽሕና/ጕርዝውና ሕማም ኣይኰነን፡ ብኣኻ እውን ኣይተጀመረን። ኣጆኻ ኸኣ፡ ኣይቀትለካን እዩ። እዋን ብጽሕና/ጕርዝውና ምስ ሓለፈ፡ እኹል ሰብኣይ/ሰበይቲ ኽትከውን ኢኻ!

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ንነብስኻ ኣብ መስትያት ክትርኢ ኸለኻ፡ ትርኢትካ እንተ ዘይፈተኻዮኸ፧ ብዛዕባ ትርኢትካ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ እትኽእል፧

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 15 ኣዋልድ እውን ፈጸጋ ይወጸን እዩ። ንቘርበት ግቡእ ክንክን ብምግባር ነዚ ጸገም እዚ ኽትቈጻጸሮ ይከኣል እዩ።

[ቀንዲ ጥቕሲ]

መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፡ ከማስወካ እየ።መዝሙር 139:14

ምኽሪ

ሰብነትካ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ስምዒት ዜለዓዕል ኣከዳድና ኣወግድ። ኵሉ ሳዕ “ግቡእን ትሕትና ዜርእን” ክዳን ተኸደን። —1 ጢሞቴዎስ 2:9 ትርጕም 1990

ትፈልጥዶ፧

ገሊኦም ገና ደቂ 8 ዓመት ከለዉ ብጽሕና/ጕርዝውና ኺጅምሩ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግን ደቂ 14 ኽሳዕ ዚዀኑ ወይ ክሳዕ ድሕሪኡ ይድንጕዩ። እዚ ኸከም ሰቡ ይፈላለ እዩ።

መደባተይ

ናብ ብጽሕና/ጕርዝውና እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ ነዚ ዚስዕብ ባህርይ ክዓየሉ የድልየኒ፦ ․․․․․

ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ምእንቲ ኽገብር፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር ኣሎኒ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ኣብ ግዜ ብጽሕና/ጕርዝውና ዚህሉ ኣካላውን ስምዒታውን ለውጥታት ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ካብዚ ኣብዚ መሰጋገሪ እዋን ዘጋጠመካ፡ ልዕሊ ዅሉ በዳሂ ዀይኑ ዝረኸብካዮ እንታይ እዩ፧

ኣብ ግዜ ብጽሕና/ጕርዝውና ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትንኪ እትኽእል ስለምንታይ እያ፧ ከምኡ ንኸይከውን ግን ብኸመይ ክትከላኸል ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 61 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ጕርዝውና ብዙሕ ዜሻቕል ነገራት ሒዙ እዩ ዚመጽእ፡ ሰብነትካ እንታይ ከም ዚኸውን ድማ ኣይትፈልጥን ኢኻ። እናዓበኻ ምስ ከድካ ግን፡ ነቲ ለውጥታት ትቕበሎ፡ ሓንጐፋይ እውን ትብሎ።’’—ኣነት

[ኣብ ገጽ 63 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ንኣቦይ ወይ ንኣደይ ከመይ ገይረ ኸዘራርቦም እኽእል፧

“ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ሕቶ እንተ ዚህልወኒ፡ ንወለደይ ኣይምሓተትክዎምን።”—በት

“ደፊረ ኽጠቕሶ ኣይክእልን እየ።”—ደኒስ

ከም በት ወይ ደኒስ እንተ ዄንካ፡ ኣብ መዋጥር ኢኻ ኣቲኻ ዘለኻ። ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ክትፈልጥ ትደሊ እኳ እንተ ዀንካ፡ እቶም ንሕቶታትካ ኺምልሱልካ ዚኽእሉ ሰባት፡ እቶም ነቲ ሕቶታት ክትሓቶም ዜሰክፉኻ ወለድኻ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንኸይትሓቶም ብዙሕ ነገራት የጨንቐካ ኣሎ፦

ብዛዕባይ እንታይ ኪሓስቡ እዮም፧

“ሕቶታት ብምሕታተይ ኪጥርጥሩኒ ኣይደልዮምን እየ።”—ጀሲካ

“ንሓዋሩ ንእሽቶን ንጹህን ክትኰነሎም እዮም ዚደልዩኻ፡ በታ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ክትሓቶም ዝጀመርካላ ዕለት ከኣ ብዛዕባኻ ዝነበሮም ኣረኣእያ ብእተወሰነ ደረጃ ይወርድ እዩ።”—በት

እንታይ ኪብሉ እዮም፧

“ዘረባይ ከይወዳእኩ ወለደይ ናብ መደምደምታ ኸይበጽሑ እሞ ነዊሕ ኣስተምህሮ ኸይጅምሩ የፍርሃኒ እዩ።”—ግሎሪያ

“ወለደይ ስምዒቶም ኣይሓብኡን እዮም፡ ስለዚ ኣብ ገጾም ጓሂ ኸይርኢ እፈርህ እየ። ኣቦይ እሞ ኸኣ ገና ኽዛረቦ ኸለኹ፡ ኣስተምህሮ ኺህበኒ እዩ ኺሓስብ ዚጅምር።”—ፓም

ንሓሳበይ ብጌጋ ይትርጕምዎ ደዀን ይዀኑ፧

“ነቲ ነገር ኣኽቢዶም ብምርኣይ፡ ‘ጾታዊ ርክብ ክትገብሪ ተፈቲንኪ ዲኺ፧’ ወይ ‘መዛኑኺ ጸቕጢ ይገብሩልኪ ኣለዉ ድዮም፧’ ኢሎም ኪሓቱኻ ይጅምሩ። ንስኻ ግን ክትፈልጥ ጥራይ ደሊኻ ትኸውን።”—ሊሳ

“ብዛዕባ ወዲ እንተ ተዛሪበ፡ ኣቦይ ወትሩ ኺጭነቕ ይጅምር። ብኡንብኡ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኬዛርበኒ ይጅምር። ኣነ ድማ ብልበይ፡ ‘ባባ፡ መልክዐኛ እዩ ጥራይ እየ ዝበልኩ እምበር፡ መንዶ ብዛዕባ መርዓ ወይ ጾታዊ ርክብ ተዛሪቡ እዩ፧’ ኢለ እሓሰብ።”—ስቴሲ

ወለድኻ እውን ከማኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኬዘራርቡኻ ኺፍትኑ ኸለዉ ኸም ገለ ኸም ዚስምዖም ምፍላጥካ ቝሩብ የተባብዓካ ይኸውን! ስለዚ ኸኣ እዩ ዚኸውን ኣብ ሓደ መጽናዕቲ 65 ሚእታዊት ወለዲ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ንደቆም ከም ዘዘራረብዎም እኳ እንተ ሓበሩ፡ 41 ሚእታዊት ካብቶም ደቆም ጥራይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጥ ምግባሮም ዚዝክሩ።

ወለድኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኬዘራርቡኻ ኣይደልዩን ይዀኑ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ንወለድኻ ወለዶም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኣየዘራረብዎምን። ንወለድኻ ዘሰከፎም ስለምንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ኣይተጽብበሎም። ምናልባት ብትብዓት ንዓኻን ንዓታቶምን ዚጠቅም ስጕምቲ እንተ ወሲድካ፡ ነቲ ጕዳይ ንስኻ ኸተበግሶ ትኽእል ትኸውን። ብኸመይ፧

ነቲ ጕዳይ ምብጋሱ

ወለድኻ ንጾታዊ ነገራት ብዚምልከት ብዙሕ ኬካፍሉኻ ዚኽእሉ ጥበብን ምኽርን ኣለዎም። ነቲ ምይይጥ ንምብጋሱ ኸም መፍትሕ ኰይኑ ዜገልግለካ ጥራይ እዩ ዜድልየካ። ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦

1 ዜፍርሃካ ነገር ብግህዶ ተዛረብ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንጹር ትገብሮ። “[ከምዝን ከምትን] ኢልካ ኸይትሓስብ ስለ ዝፈራህኩ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ኸበግሶ የሰክፈኒ ኣሎ።”

2 ድሕሪኡ ንወላዲኻ ናብኡ ዝመጻእካሉ ምኽንያት ንገሮ። “ሓንቲ ሕቶ ግን ኣላትኒ፣ ንኻልእ ካብ ዝሓትት ድማ ንዓኻ ኽሓትት ይሕሸኒ።”

3 ድሕሪኡ ነቲ ጕዳይ ብቐጥታ ጥቐሶ። “ሕቶይ [እዚ] እዩ።”

4 ኣብ መወዳእታ እቲ ምይይጥ፡ ኣብ መጻኢ ንኽትዘራረቡ ነቲ መገዲ ኽፉት ግደፎ። “ካልእ ሕቶ እንተ መጺኡኒ፡ ብዛዕባኡ ኸዘራርበካዶ እኽእል፧”

ዚወሃበካ መልሲ ‘እወ’ ዚብል ምዃኑ ትፈልጥ እኳ እንተ ዀንካ፡ ወላዲኻ ኺዛረቦ ኸሎ ምስማዕካ ግን ነቲ መገዲ ኽፉት ይገብሮ፡ ካልእ ግዜ ኸተዘራርቦ ምስ ደለኻ እውን ዋላ ሓንቲ ስክፍታ ንኸይስምዓካ ይሕግዝ። ስለዚ፡ ነዚ ፈትኖ! ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ትሪና ዝሃበቶ ሓሳብ ትሰማምዓሉ ትኸውን። እዛ ሕጂ ጓል 24 ዓመት ኰይና ዘላ መንእሰይ፡ “ኣነን ኣደይን ኣብ እንዘራረበሉ ዝነበረና እዋን፡ ብኻ ተሪፉኒ ዝበልኩሉ እዋናት ትዝ ይብለኒ። ሕጂ ግን ኣነን ኣደይን ስምዒትና ኸይሓባባእና ብግልጺ ንዘራረብ ምንባርና የሐጕሰኒ እዩ። ብሓቂ ዕቝባ ዀይኑኒ እዩ” በለት።

[ኣብ ገጽ 59 ዘሎ ስእሊ]

ንቝልዕነት ድሓን ኩን እትብለሉ እዋን፡ ገዛ ምስ ምቕያር ኪመሳሰል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣጆኻ ኽትለምዶ ኢኻ