ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንገንዘበይ ብኸመይ ከካውኖ እኽእል፧

ንገንዘበይ ብኸመይ ከካውኖ እኽእል፧

ምዕራፍ 19

ንገንዘበይ ብኸመይ ከካውኖ እኽእል፧

ክሳዕ ክንደይ እዩ እኹል ገንዘብ ዘይብልካ ዀይኑ ዚስምዓካ፧

□ ፈጺሙ ኣይስምዓንን

□ ሓድሓደ ግዜ

□ ብዙሕ ግዜ

ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ልዕሊ ዓቕምኻ ዝዀነ ነገር እትዕድግ፧

□ ፈጺመ ኣይዕድግን

□ ሓድሓደ ግዜ

□ ብዙሕ ግዜ

ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ዘይትደልዮ ነገር ብሕሱር ዋጋ ስለ ዝረኸብካዮ እትዕድግ፧

□ ፈጺመ ኣይዕድግን

□ ሓድሓደ ግዜ

□ ብዙሕ ግዜ

እኹል ገንዘብ ረኺብካ ዘይትፈልጥ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ዝያዳ ገንዘብ እንተ ትረክብ፡ እትደልዮ መጻወቲ ምዓደግካ። ዝያዳ ኣታዊ እንተ ዚህልወካ፡ ነተን “ዜድልያኻ” ጫማ ምዓደግካየን። ወይ እውን ከምቲ ንጆኣን ዘጋጠማ መዋጥር የጋጥመካ ይኸውን። ንሳ፡ “ሓድሓደ ግዜ መሓዙተይ ብሓባር ኴንና ብዙሕ ወጻኢ ዘለዎ ነገር ክንገብር ይሓታኒ። ምስ መሓዙተይ ክኸውንን ክሕጐስን እደሊ እየ። ዋላ ሓደ ሰብ፡ ‘እኹል ገንዘብ ስለ ዘይብለይ፡ ክኸይድ ኣይክእልን እየ’ ኺብል ኣይደልን እዩ” በለት።

ኣብ ኢድካ ብዘየሎ ገንዘብ ኣብ ክንዲ እትጭነቕ፡ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውኖ ስለምንታይ ዘይትመሃር፧ ርእስኻ ኽኢልካ ኻብ እንዳ ስድራኻ ኽሳዕ እትወጽእ፡ ንገንዘብካ ብኸመይ ከም እተካውኖ ኸይተመሃርካ ኽትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን፡ ንጋንጽላ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኸይፈለጥካ፡ ካብ ነፋሪት ምዘለልካዶ፧ ሓቂ እዩ፡ ሓደ ሰብ ናብ ምድሪ ተወርዊሩ እናወደቐ ኸሎ ነቲ ጋንጽላ ብኸመይ ከም ዚጥቀምሉ ኺፈልጥ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ካብታ ነፋሪት ቅድሚ ምዝላሉ ንኣጠቓቕማ ጋንጽላ ብዚምልከት መሰረታዊ ስርዓታት እንተ ዚፈልጥ ዝሓሸዶ ኣይምዀነን፧

ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ ኣካውና ገንዘብ ክትመሃረሉ እትኽእል ብሉጽ እዋን፡ ምስቲ ኣብ ህይወት ዘሎ ኽውንነት ቅድሚ ምፍጣጥካ፡ ገና ምስ ስድራኻ ኸለኻ እዩ። ንጉስ ሰሎሞን፡ ‘ገንዘብ ከም ጽላል’ ከም ዚኸውን ጸሓፈ። (መክብብ 7:12) ገንዘብ ከም ጽላል ዚዀነካ ግን፡ ኣወጻጽኣኻ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ እንተ ፈሊጥካ ጥራይ እዩ። ነዚ ምፍላጥካ፡ ንምትእምማንካን ነቲ ወለድኻ ንዓኻ ዘለዎም ኣኽብሮትን ይውስኸሉ እዩ።

መሰረታዊ ወጻኢታት ፍለጥ

ቤት ንምክያድ እንታይ ነገራት ከም ዜድሊ ንወለድኻ ሓቲትካዮምዶ ትፈልጥ፧ ንኣብነት፡ ኣብ ወወርሒ ንመብራህትን ንመሞቒ ገዛን ንማይን ዚኽፈል ክፍሊታት ወይ ንማኪናን ንምግብን ንኽራይ ገዛን ዜድሊ ወጻኢታት ትፈልጦዶ፧ ነዚ ወጻኢታት እዚ ኸም ዚወጽእ ካብ ዚገብሩ ሰባት ሓደ ምዃንካ ኣይትረስዕ፣ ካብ ስድራኻ እንተ ተፈሊኻ ድማ፡ ነዚ ወጻኢታት ባዕልኻ ኢኻ ኽትከፍሎ። ስለዚ ኸኣ ወጻኢታትካ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚኸውን ክትግምት ትኽእል ኢኻ። ንወለድኻ ናይ ቤት ወጻኢታት ኪሕብሩኻ ሕተቶም፡ ብኸመይ ባጀት ከም ዜውጽኡ ኺገልጹልካ ኸለዉ ድማ ጽን ኢልካ ስምዓዮም።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓንቲ ምስላ፡ “እቲ ጠቢብ . . . ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ” ትብል። (ምሳሌ 1:5) ሃና ኻብ ወለዳ ጽቡቕ መምርሒ ኺወሃባ ሓተተት። “ኣቦይ ብኸመይ ባጀት ከም ዝገብር መሃረኒ፡ ንናይ ስድራ ቤት ገንዘብ ንምክዋን ተጠንቂቕካ ወጻኢታትካ ምክትታል ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣርኣየኒ” በለት።

ሃና ኻብ ኣዲኣ እውን ካልእ ትምህርቲ ረኺባ እያ። “ቅድሚ ምዕዳግካ ዋጋ ምንጽጻር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣርኣየትኒ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኣደይ ብሒደት ገንዘብ ብዙሕ ክትዕድግ ትኽእል እያ” በለት። እዚ ንሃና ብኸመይ ጠቐማ፧ “ሕጂ ርእሰይ ክኢለ እየ ዝነብር። ወጻኢታተይ ተጠንቂቐ ብምቍጽጻረይ ኣብ ዘየድሊ ዕዳ ስለ ዘይኣቱ፡ ዕዳን ጭንቀትን የብለይን” በለት።

ነቲ ብድሆታት ኣለልዮ

ብፍላይ ኣብ ቤት እትነብር እሞ መውዕሎ ዚወሃበካ ወይ ሰሪሕካ ገንዘብ እትረክብ እንተ ዄንካ፡ ንወጻኢታትካ ምቍጽጻር ካብ ክትገብሮ፡ ክትዛርቦ ይቐልል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ወለድኻ ንመብዛሕትኡ ወጻኢታትካ ይሽፍንዎ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ መብዛሕትኡ ገንዘብካ ብቓሕ ዝበለካ መገዲ ኸተውጽኦ ትኽእል። ገንዘብ ምውጻእ ከኣ ባህ ዜብል ኪኸውን ይኽእል እዩ።

መዛኑኻ ኻብ ግቡእ ንላዕሊ ገንዘብ ንኸተውጽእ ጸቕጢ እንተ ገይሮምልካ፡ ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ኢለና እትበሃል ጓል 21 ዓመት መንእሰይ፡ “መዛኖይ፡ ኣቕሑ ምዕዳግ ከም ሓደ ዓይነት መዘናግዒ ገይረን እየን ዚርእያኦ። ምሳታተን ክኸይድ ከለኹ፡ ‘ክትሕጐስ እንተ ዄንካ፡ ገንዘብ ከተውጽእ ኣሎካ’ ዚብል ዘይተጻሕፈ ሕጊ ዘሎ እዩ ዚመስል” በለት።

ንኣዕሩኽካ ኽትመስል ምድላይካ ባህርያዊ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘ምስ ኣዕሩኸይ ክኸውን ከለኹ ዘውጽኦ ወጻኢታት፡ ዓቕመይ ስለ ዝዀነ ድየ ዝገብሮ፡ ወይስ ክገብሮ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ብዙሓት ሰባት ካብ ኣዕሩኾምን ካብ ዚፈልጥዎም ሰባትን ዝያዳ ኣኽብሮት ምእንቲ ኪረኽቡ ኢሎም እዮም ገንዘብ ዜውጽኡ። ንሰባት ብእንታይነቶም ዘይኰነስ፡ ብገንዘቦም ኪምስጥዎም ይጽዕሩ። ብፍላይ ብገንዘብ ልቓሕ ትዕድግ እንተ ዄንካ፡ እዚ ኣረኣእያ እዚ ናይ ሓቂ ቝጠባዊ ጸገማት ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ነዚ ብኸመይ ከተወግዶ ትኽእል፧

ወጻኢታትካ ተቘጻጸሮ

ኣታዊኻ ብሓንቲ ምሸት ኣብ ክንዲ እትዘርዎ፡ ነዚ ኢለና እተዛረበቶ ፍታሕ ስለምንታይ ዘይትጥቀመሉ፧ ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ምስ መሓዙተይ ክወጽእ ከለኹ፡ ክንደይ ከም ዘውጽእ ኣቐዲመ እምድብ። ኣታውየይ ብቐጥታ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳበይ እዩ ዚኣቱ፡ ካብኡ ኸኣ ነታ እዋን እቲኣ እተድልየኒ ገንዘብ ጥራይ እየ ዘውጽእ። ብዘይካዚ፡ ምስተን ንገንዘበን ብጥንቃቐ ዜውጽኣ፡ ሓደ ነገር ርእይ ምስ ኣበልክዎ ኣብ ክንዲ ዝዕድጎ ኸኣ እናዘርኩ ንኸወዳድር ዜተባብዓኒ መሓዙተይ ጥራይ ናብ ዕዳጋ ምኻድ ጥበባዊ ዀይኑ ረኺበዮ እየ።”

ገንዘብ ክትልቃሕ እንተ ኣድልዩካ፡ ገለ ኻብቲ ኽትዓየሉ እትኽእል ነጥብታት እንሆ።

ክንደይ ከም እተለቃሕካ ፍለጥ፡ ምስቲ ኣለቃሒኻ ዚጠቕሶ መጠን ማዕረ ምዃኑ እውን ኣረጋግጽ።

ገንዘብ ምስ ረኸብካ፡ ብኡንብኡ ዕዳኻ ኽፈል። እንተ ኽኢልካ፡ ምሉእ ዕዳኻ ኽፈል።

ብኸመይ ከም እትልቃሕ ተጠንቀቕ። ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይትለቃሕ።

ወለድ ዘለዎ ገንዘብ ኣይትለቃሕ። ከምዚ ዓይነት ልቓሕ፡ ውጥረት ኪፈጥረልካ እዩ።

ዋላ ሓደ ሰብ፡ ዋላ እውን ዓርክኻ፡ ብስምካ ኺልቃሕ ኣይተፍቅድ።

እንተዀነ ግን፡ ዝያዳ ገንዘብ እንተ ዚህልወካ፡ ንዅሉ እቲ ምስ ወጻኢታትካ እተተሓሓዘ ጸገማት ኣይምፈትሖንዶ፧ መብዛሕትኡ እዋን ኣይፈትሖን እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ማኪና ኽትዝውር ከለኻ ንማኪናኻ ዘይትቈጻጸራ እንተ ዄንካ፡ ወይ ኣዒንትኻ ዓሚትካ ትዝውር እንተ ዄንካ፡ ንማኪናኻ ዝያዳ ነዳዲ ምምላእካ ኣብቲ ዚድለ ቦታ ንኽትበጽሕ መኽኣለካዶ፧ ብተመሳሳሊ፡ ወጻኢታትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ እንተ ዘይፈሊጥካ፡ ዝያዳ ገንዘብ ምርካብካ ነቲ ጸገም ኣየመሓይሾን እዩ።

ምናልባት ንገንዘብካ ኸም እትቈጻጸሮ ትሓስብ ትኸውን። ኰይኑ ግን፡ ‘ኣብ ዝሓለፈት ወርሒ ኽንደይ ገንዘብ ኣውጺአ፧ ኣብ ምንታይ እየ ኣውጺአዮ፧’ ኢልካ እስከ ንርእስኻ ሕተት። እሂ፡ መልሱ ጠፊኡካዶ፧ ወጻኢታትካ ንዓኻ ቕድሚ ምቍጽጻሩ፡ ንስኻ ንወጻኢታትካ ኽትቈጻጸረሉ እትኽእል መገዲ እንሆ፦

1. መዝግቦ። እንተ ወሓደ ንሓንቲ ወርሒ፡ እትረኽቦ መጠን ገንዘብን ዝረኸብካሉ ዕለትን መዝግቦ። ንነፍሲ ወከፍ እትዕድጎ ነገርን ዋጋኡን ዘርዝር። ኣብ መወዳእታ ወርሒ፡ እትረኽቦ መጠንን እተውጽኦ መጠንን ደምሮ።

2. ባጀት ግበር። ኣብ ገጽ 163 ዘሎ ሰሌዳ ርአ። ኣብቲ ቐዳማይ ዓምዲ፡ ኣብ ወርሒ ኽትረኽቦ እትጽበዮ ዅሉ ኣታዊ ዘርዝር። ኣብቲ ኻልኣይ ዓምዲ፡ ንገንዘብካ ብኸመይ ከተውጽኦ ኸም ዝመደብካ ዘርዝር፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ 1ይ ነጥቢ ዝመዝገብካዮ ነዚ ንምምላእ ተጠቐመሉ። ኣብቲ ሳልሳይ ዓምዲ፡ ኣብታ ወርሒ ንነፍሲ ወከፍ እቲ መዲብካዮ ዝነበርካ ነገራት ብሓቂ ዘውጻእካዮ ወጻኢታት መዝግብ። ንዅሉ እቲ ዘይመደብካዮ ወጻኢታት እውን መዝግብ።

3. ልማዳትካ ኣተዓራሪ። ካብቲ እተጸበኻዮ ንላዕሊ ወጻኢታት ተውጽእ እንተ ኣሊኻ፡ ልማዳትካ ኣተዓራሪ። ዕዳታትካ ኽፈል። ንወጻኢታትካ ተቘጻጸሮ።

ገንዘብ ብግቡእ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ጠቓሚ መሳርሒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ባህልታት፡ ገንዘብ ምርካብን ምክዋኑን ኣገዳሲ ኽፋል ህይወት እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ሓዝ። ማቲው ዚበሃል መንእሰይ፡ “ገንዘብ ቦታኡ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ግን ኣይኰነን። ቅድሚ ስድራኻ ወይ ቅድሚ የሆዋ ፈጺሙ ኺስራዕ የብሉን” በለ።

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ስድራ ቤትካ ድኻታት ድዮም፧ ድኻታት እንተ ዀይኖም፡ ንዅነታትካ ኸመይ ጌርካ ብዝበለጸ ኽትጥቀምሉ ትኽእል፧

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ።መክብብ 7:12

ምኽሪ

ናብ ዕዳጋ ቕድሚ ምኻድካ እንታይ ክትዕድግ ከም እትደሊ ዘርዝር። ዜድልየካ ገንዘብ ጥራይ ሓዝ፡ ነቲ ኣብቲ ዝርዝር ዝጠቐስካዮ ነገራት ጥራይ ዓድግ።

ትፈልጥዶ፧

18.5 ሚእታዊት ወለድ ዘለዎ 2,000 ቅርሺ እንተ ተለቂሕካ፡ በብቝሩብ ጥራይ ድማ ትኸፍሎ እንተ ኣሊኻ፡ ዕዳኻ ንምኽፋል ክሳዕ 11 ዓመት ኪወስደልካ ይኽእል እዩ፣ ነቲ ወለድ ጥራይ ድማ 1,934 ቅርሺ ተወሳኺ ገንዘብ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።

መደባተይ

ወጻኢታተይ በዚ ዚስዕብ ክቈጻጸሮ እኽእል፦ ․․․․․

ሓደ ነገር ብልቓሕ ቅድሚ ምዕዳገይ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ካብ እንዳ ስድራኻ ኸይወጻእካ ኸለኻ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ክትመሃር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ንገንዘብካ ምክዋን ኣጸጋሚ ኪዀነካ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

ገንዘብካ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 162 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብባጀት ክምራሕ ከለኹ፡ ዝሓሸ አዋህልል። ዘየድልየኒ ነገራት ኣይዕድግን።’’—ልያ

[ኣብ ገጽ 158 ዘሎ ሳጹን]

ገንዘብካ ብዛዕባኻ ይዛረብ

ገንዘብካ ኣብ ምንታይ ኢኻ እተውዕሎ፧ ኣዘውቲርካ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ እተውዕሎ እንተ ዄንካ፡ ቃላትካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገንዘብካ እውን ብዛዕባ ኻልኦት ብሓቂ ኸም እትሓሊ ይዛረብ እዩ። (ያእቆብ 2:14-17) ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ብስሩዕ ገንዘባዊ ወፈያ ብምግባር፡ ‘ብጥሪትካ ንየሆዋ ተኽብሮ።’ (ምሳሌ 3:9) በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ንገንዘብካ ንዓኻ ኣብ ዜድልየካን ንስኻ ኣብ እትደልዮን ነገራት ጥራይ ተውጽኦ እንተ ዄንካ፡ ገንዘብካ ብዛዕባኻ እንታይ እዩ ዚዛረብ፧

[ኣብ ገጽ 163 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

ወርሓዊ ባጀተይ

ነዛ ገጽ ቅድሓያ ኣታዊ

ባጀት ወጻኢታት ናይ ሓቂ ወጻኢታት

ምግብ

․․․․․ ․․․․․

ክዳውንቲ

․․․․․ ․․․․․

ተሌፎን

․․․․․ ․․․․․

ኣታዊ መዘናግዒ

․․․․․ ․․․․․

መውዕሎ ወፈያታት

․․․․․ ․․․․․ ․․․․․

ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ውህለላ

․․․․․ ․․․․․ ․․․․․

ካልእ ካልእ

․․․․․ ․․․․․ ․․․․․

↓ ↓ ↓

ድምር ድምር ድምር

․․․․․ ․․․․․ ․․․․․

[ኣብ ገጽ 160 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ፈቐዶኡ ገንዘብ ምዝራው፡ ተዓሚትካ ማኪና ኸም ምዝዋር እዩ