ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሽጣዊ ገበር

ውሽጣዊ ገበር

ውሽጣዊ ገበር

ፍቑር ኣንባቢ፦

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ኣታ ወዲ፡ [ወይ ኣቲ ጓል] ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጕስካ፡ ብመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 11:9) ብግዜ ንእስነትካ፡ ህይወት መሳጥን ዜሐጕስን ኪዀነልካ ይኽእል እዩ፡ ንሕና እውን ክትሕጐስ ንደልየካ ኢና። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ባህ ብዜብሎ መገዲ ኽትሕጐስ ኢና እነተባብዓካ። ንሱ ንህይወትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ተውዕላ ኸም ዘለኻ ዚርኢ ምዃኑን ብእኡ መሰረት ከኣ ከም ዚፈርደካን ከቶ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ነቲ ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ምስዓብ፡ ብሓቂ ጥበባዊ እዩ።—መክብብ 12:1

እዚ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ሓበሬታ ነቲ ሎሚ ንመንእሰያት ዜጋጥሞም ዘሎ ጸቕጥታትን ፈተናታትን ንኽትጻወሮ ኺሕግዘካን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ውሳነታት ብኸመይ ከም እትገብር ኬርእየካን ልባዊ ጸሎትና እዩ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕሶ ኢኻ።—ምሳሌ 27:11

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር