1 ቈረንቶስ 15:1-58

  • ትንሳኤ ክርስቶስ (1-11)

  • ትንሳኤ መሰረት እምነት (12-19)

  • ትንሳኤ የሱስ ውሕስነት ይኸውን (20-34)

  • ስጋዊ ኣካል፡ መንፈሳዊ ኣካል (35-49)

  • ዘይሙማትን ዘይምሕላፍን (50-57)

  • ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ይሃሉኹም (58)

15  ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ዘበሰርኩኹምን+ እተቐበልኩምዎን ቌምኩምሉ ዘለኹምን ብስራት አዘኻኽረኩም ኣለኹ።  ነቲ ዘበሰርኩኹም ኣጽኒዕኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹም እውን፡ ብእኡ ትድሕኑ ኣለኹም፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ንኸንቱ ኢኹም ኣሚንኩም።  እቲ እተቐበልክዎስ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣመሓላሊፈልኩም እየ፣ ማለት ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞይቱ እዩ፣+  ተቐቢሩ ኸኣ እዩ፣+ ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ድማ፡+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ+ ተንሲኡ እዩ፣+  ንኬፋ፡*+ ደሓር እውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእይዎም።+  ድሕሪኡ፡ ካብ 500 ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእይዎም፣+ መብዛሕትኦም ክሳዕ ሎሚ ኣለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ሞይቶም* ኣለዉ።  ድሕሪኡ፡ ንያእቆብ፡+ ድሕሪኡ ኸኣ ንዅሎም ሃዋርያት ተራእይዎም።+  ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንዓይ፡+ ከም ንቝላዕ ተራእዩኒ።  ኣነስ ካብ ኵሎም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፣ ንጉባኤ ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ ኸኣ፡ ሃዋርያ ኽብሃል ብቑዕ ኣይኰንኩን።+ 10  ብጸጋ ኣምላኽ ግና ከምዚ ዀይነዮ ዘለኹ ዀይነ ኣለኹ። እቲ ንዓይ እተዋህበ ጸጋኡ ድማ ከንቱ ኣይኰነን፣ እኳ ደኣስ፡ ሓለፋ ዅላቶም ጽዒረ እየ፣ ግናኸ፡ እቲ ምሳይ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። 11  እምበኣር፡ ኣነ ዀንኩ ንሳቶም፡ ከምዚ ጌርና ኢና እንሰብኽ፡ ከምዚ ጌርኩም ከኣ ኢኹም እትኣምኑ። 12  ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡+ ከመይ ኢሎም እዮም ገለ ኻባኻትኩም፡ ‘ትንሳኤ ምዉታት የልቦን’ ዚብሉ ዘለዉ፧ 13  ትንሳኤ ምዉታት ዘየልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ እውን ኣይተንስአን። 14  ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ስብከትና ኸንቱ እዩ፣ እምነትኩም እውን ከንቱ እያ። 15  ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ዘየተንስኦ ክርስቶስ ከም ዘተንስኦ ስለ ዝመስከርና፡+ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና።+ 16  ከመይሲ፡ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖም፡ ክርስቶስ እውን ኣይተንስአን። 17  ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ ድማ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፣ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣለኹም።+ 18  እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ኣልይዎም ዝሞቱ* እውን ጠፊኦም እዮም።+ 19  ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ጌርና፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና። 20  ሕጂ ግና፡ ክርስቶስ በዅሪ እቶም ዝሞቱ* ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ።+ 21  ከመይሲ፡ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡+ ትንሳኤ ምዉታት እውን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ።+ 22  ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡+ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም።+ 23  ግናኸ፡ ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ እዩ፦ ክርስቶስ ከም በዅሪ፣+ ደሓር ከኣ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ፡ ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን።+ 24  ቀጺሉ፡ ንዅሉ መንግስትን ንዅሉ ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ ነታ መንግስቲ ንኣምላኹን ንኣቦኡን ምስ ኣረከባ፡ መወዳእታ ይኸውን።+ 25  ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ ንዅሎም ጸላእቲ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብረሉ፡ ኪነግስ ይግብኦ እዩ።+ 26  እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ።+ 27  ከመይሲ፡ ኣምላኽ “ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዚእዎ እዩ።”+ ‘ኵሉ ተገዚእዎ’ ኺብል ከሎ ግና፡+ እዚ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኸም ዘየጠቓልል ርዱእ እዩ።+ 28  ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽ ንዅሉ፡ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡+ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዘኦ ኺግዛእ እዩ።+ 29  እንተ ዘይኰነስ፡ እቶም ምእንቲ ኺሞቱ ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧+ ብሱሩ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖምሲ፡ ስለምንታይ ደኣ ኸምኡ ኪዀኑ ኢሎም ዚጥመቑ፧ 30  ስለምንታይከ ዅሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ እንኸውን፧+ 31  መዓልቲ መዓልቲ ምስ ሞት እጓነፍ እየ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ድማ ከምቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ብኣኻትኩም ዘሎኒ ፍስሃ፡ እተረጋገጸ እዩ። 32  ከም ካልኦት ሰባት* ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡+ እንታይ ይጠቕመኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖምሲ፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን።”+ 33  ኣይትታለሉ። ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ* የበላሽዎ እዩ።+ 34  ገሊኦም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንጽድቂ ንቕሑ፡ ብሓጢኣት እውን ኣይትመላለሱ። ከሕፍረኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። 35  ሓደ ግና፡ “ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ኣካልከ እዮም ዚመጹ፧” ይብል ይኸውን።+ 36  ኣታ ዓሻ፡ እቲ እትዘርኦ ኸይሞተ ህያው ኣይከውንን እዩ። 37  እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ዘርኢ ጥራይ እምበር፡ እቲ ኣካል ዚኸውን ኣይኰንካን እትዘርእ፣ 38  ኣምላኽ ግና ከም ዝደለዮ ገይሩ እዩ ኣካል ዚህቦ፣ ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢ እውን ኣኣካሉ ይህቦ። 39  ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ ኸብቲ በይኑ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳ እውን በይኑ እዩ እምበር፡ ኵሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። 40  ሰማያውያን ኣካላት ድማ ኣለዉ፡+ ምድራውያን ኣካላት ከኣ ኣለዉ፣+ ግናኸ፡ ክብሪ እቶም ሰማያውያን ኣካላት በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያን ኣካላት እውን በይኑ እዩ። 41  ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡+ ክብሪ ኸዋኽብቲ እውን በይኑ እዩ፣ እኳ ደኣ፡ ብኽብርስ ኰዀብ ካብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ። 42  ትንሳኤ ምዉታት እውን ከምኡ እዩ። ብዚሓልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሓልፍ ይትንስእ።+ 43  ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ።+ ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ።+ 44  ስጋዊ ኣካል ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ኣካል ይትንስእ። ስጋዊ ኣካል ካብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ኣካል እውን ኣሎ። 45  ስለዚ፡ “እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ፍጡር* ኰነ” ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።+ እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም፡ ህያው ዚገብር መንፈስ ኰይኑ እዩ።+ 46  ግናኸ፡ ቅድም እቲ ስጋዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፣ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። 47  እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ፡ ካብ ሓመድ እተገብረ እዩ፣+ እቲ ኻልኣይ ሰብ ካብ ሰማይ እዩ።+ 48  ከምቲ ኻብ ሓመድ እተገብረ፡ እቶም ካብ ሓመድ እተገብሩ እውን ከምኡ እዮም፣ ከምቲ ሰማያዊ ድማ፡ እቶም ሰማያውያን እውን ከምኡ እዮም።+ 49  ከምቲ ምስሊ እቲ ኻብ ሓመድ እተገብረ ዝለበስና፡+ ምስሊ እቲ ሰማያዊ እውን ክንለብስ ኢና።+ 50  ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይክእል፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሓልፍ ኪወርስ ከም ዘይክእል፡ እዚ እብለኩም ኣለኹ። 51  እንሆ፡ ቅዱስ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፦ ኵላትና ኽንልወጥ ኢና እምበር፡ ኵላትና ኣይክንመውትን* ኢና፣+ 52  እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ኣብ እትንፍሓሉ እዋን፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና። እታ መለኸትሲ ኽትንፋሕ እያ፡+ ምዉታት ድማ ብዘይሓልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕና እውን ክንልወጥ ኢና። 53   ከመይሲ፡ እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ፣+ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ ይግብኦ እዩ።+ 54  እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲ እውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ኸምዚ ዚብል ጽሑፍ ኪፍጸም እዩ፦ “ሞት ንዘለኣለም ተዋሒጡ።”+ 55  “ኣታ ሞት፡ ዓወትካ ኣበይ ኣሎ፧ ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧”+ 56  መንደፍ ሞትሲ ሓጢኣት እዩ፣+ ሓይሊ ሓጢኣት ከኣ ሕጊ እዩ።*+ 57   ግናኸ፡ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዓወት ዝሃበና ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ!+ 58  ስለዚ፡ ፍቑራት ኣሕዋተየ፡ ጽኑዓት፡+ ዘይትነቓነቑ ኹኑ፣ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም ከኣ፡+ ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ይሃሉኹም።+

እግረ ጽሑፍ

ጴጥሮስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ቃ.ቃ.፡ “ደቂሶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝደቀሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝደቀሱ።”
ወይ፡ “ብኣረኣእያ ሰብ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ስነ ምግባር።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣይክንድቅስን።”
ወይ፡ “ንሓጢኣት ሓይሊ ዚህቦ ኸኣ ሕጊ እዩ።”