2 ጢሞቴዎስ 3:1-17
3 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት+ ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ።
2 ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡
3 ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡
4 ጠላማት፡* ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ፡
5 ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ዚመስሉ፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ኪዀኑ እዮም፣+ ካብዚኣቶም ከኣ ርሓቕ።
6 ሰላሕ ኢሎም ናብ ቤተ ሰብ ዚኣትዉ፡ ብእተፈላለየ ትምኒታት ዚምርሓ ሓጢኣት ዝመልአን ድኹማት ኣንስቲ ኸኣ ዚማርኹ፡ ካብዚኣቶም ይትንስኡ እዮም።
7 ንሳተን ድማ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ፡ ግናኸ ናብቲ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ኸቶ ዘይክእላ እየን።
8 ከምቲ ያኔስን ያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እዚኣቶም እውን ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። እዚኣቶምሲ ኣእምሮኦም እተበላሸወን ብዛዕባ እምነት ዘይብቑዓትን እዮም።
9 ግናኸ፡ ከምቲ ናይቶም ክልተ ዕሽነት እተገልጸ፡+ ናይ እዚኣቶም ዕሽነት እውን ንዅሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ዕቤት ኣይኪገብሩን እዮም።
10 ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንኣነባብራይ፡+ ንዕላማይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንተጻዋርነተይ ጠቢቕካ ስዒብካ ኢኻ።
11 ነቲ ኣብ ከም ኣንጾክያን+ ኢቆንዩምን+ ልስጥራን+ ዝበጽሓኒ መስጐጕትን መከራን እውን ትፈልጦ ኢኻ። እዚ መስጐጕቲ እዚ ተጻዊረ እየ፣ ጐይታ ድማ ካብዚ ዅሉ ኣናጊፉኒ እዩ።+
12 እኳ ደኣስ፡ ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም።+
13 እኩያትን ኣምሰሉታትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።+
14 ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ።+
15 ካብ ሕጻንነትካ+ ኣትሒዝካ እውን፡ ነቲ ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንድሕነት ዜለብመካ+ ቕዱሳት ጽሑፋት ትፈልጦ ኢኻ።+
16 ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ* መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡+ ንምምሃርን+ ንምግናሕን ንምቕናዕን* ብጽድቂ ንምግሳጽን+ ከኣ ዚጠቅም እዩ፣
17 እዚ ድማ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ እተዳለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።