2 ጢሞቴዎስ 3:1-17

  • ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚህሉ ጽንኩር ግዜ (1-7)

  • ኣብነት ጳውሎስ ጠቢቕካ ስዓብ (8-13)

  • ‘በቲ እተመሃርካዮ ጽናዕ’ (14-17)

    • ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እዩ (16)

3  ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት+ ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ።  ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡  ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡  ጠላማት፡* ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ፡  ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ዚመስሉ፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ኪዀኑ እዮም፣+ ካብዚኣቶም ከኣ ርሓቕ።  ሰላሕ ኢሎም ናብ ቤተ ሰብ ዚኣትዉ፡ ብእተፈላለየ ትምኒታት ዚምርሓ ሓጢኣት ዝመልአን ድኹማት ኣንስቲ ኸኣ ዚማርኹ፡ ካብዚኣቶም ይትንስኡ እዮም።  ንሳተን ድማ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ፡ ግናኸ ናብቲ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ኸቶ ዘይክእላ እየን።  ከምቲ ያኔስን ያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እዚኣቶም እውን ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። እዚኣቶምሲ ኣእምሮኦም እተበላሸወን ብዛዕባ እምነት ዘይብቑዓትን እዮም።  ግናኸ፡ ከምቲ ናይቶም ክልተ ዕሽነት እተገልጸ፡+ ናይ እዚኣቶም ዕሽነት እውን ንዅሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ዕቤት ኣይኪገብሩን እዮም። 10  ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንኣነባብራይ፡+ ንዕላማይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንተጻዋርነተይ ጠቢቕካ ስዒብካ ኢኻ። 11  ነቲ ኣብ ከም ኣንጾክያን+ ኢቆንዩምን+ ልስጥራን+ ዝበጽሓኒ መስጐጕትን መከራን እውን ትፈልጦ ኢኻ። እዚ መስጐጕቲ እዚ ተጻዊረ እየ፣ ጐይታ ድማ ካብዚ ዅሉ ኣናጊፉኒ እዩ።+ 12  እኳ ደኣስ፡ ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም።+ 13  እኩያትን ኣምሰሉታትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።+ 14  ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ።+ 15  ካብ ሕጻንነትካ+ ኣትሒዝካ እውን፡ ነቲ ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንድሕነት ዜለብመካ+ ቕዱሳት ጽሑፋት ትፈልጦ ኢኻ።+ 16  ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ* መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡+ ንምምሃርን+ ንምግናሕን ንምቕናዕን* ብጽድቂ ንምግሳጽን+ ከኣ ዚጠቅም እዩ፣ 17  እዚ ድማ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ እተዳለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣሕሊፎም ዚህቡ።”
ወይ፡ “ብመሪሕነት።”
ወይ፡ “ንምእራምን።”