ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ነቲ የሱስ ዝመሃሮን ሃዋርያቱ እተቐበልዎን ዓይነት ክርስትና ኢና ጠቢቕና እንስዕብ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ መሰረታዊ እምነታትና ኣሕጽር ኣቢላ ኽትገልጽ እያ።

  1.   . ኣምላኽ። ነቲ ናይ ሓቅን ኵሉ ዚኽእልን ፈጣርን ዝዀነ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ። (መዝሙር 83:18፣ ራእይ 4:11) ንሱ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ሙሴን የሱስን እዩ።—ዘጸኣት 3:6፣ 32:11፣ ዮሃንስ 20:17

  2.   መጽሓፍ ቅዱስ። መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ንሰባት እተጻሕፈ መልእኽቲ ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን ኢና። (ዮሃንስ 17:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) እንኣምኖ ነገራት ኣብተን 66 መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ኣብ “ብሉይ ኪዳን”ን ኣብ “ሓድሽ ኪዳን”ን እተመስረተ እዩ። ፕሮፌሰር ጄሰን ዴቪድ በዱን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚረኽብዎ ነገር ኣቐዲሞም ከይወሰኑ ኣብኡ እምነቶምን ልምድታቶምን ከም ዚሃንጹ” ብልክዕ ገሊጹ ኣሎ። a

     ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ንቕበሎ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣኽረርቲ ግና ኣይኰንናን። ገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ ቛንቋ ስለ እተጻሕፈ፡ ንዅሉ ቓል ብቓሉ ኽንወስዶ ኸም ዘይግባእ ንግንዘብ ኢና።—ራእይ 1:1

  3.   የሱስ። ንትምህርትታትን ኣብነትን የሱስ ክርስቶስ ኢና እንስዕብ፣ የሱስ መድሓኒናን ወዲ ኣምላኽን ስለ ዝዀነ፡ ነኽብሮ ኢና። (ማቴዎስ 20:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:31) ስለዚ፡ ክርስትያናት ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 11:26) ይኹን እምበር፡ የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘይኰነን ሰረተ እምነት ስላሴ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ከም ዘይብሉን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ፈሊጥና ኢና።—ዮሃንስ 14:28

  4.   መንግስቲ ኣምላኽ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ናይ ሓቂ መንግስቲ እምበር፡ ኣብ ልቢ ክርስትያናት ዘላ ነገር ኣይኰነትን። ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ክትክአንን ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኽትፍጽምን እያ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10) ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ስለ ዚገልጽ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ስጕምቲ ኽትወስድ እያ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ማቴዎስ 24:3-14

     የሱስ፡ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ብ1914 ከኣ እዩ ኺገዝእ ጀሚሩ።—ራእይ 11:15

  5.   ድሕነት። በቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ፡ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ድሕነት ይርከብ እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:12) ሰባት፡ ካብዚ መስዋእቲ እዚ ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ብየሱስ ክኣምኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣነባብራኦም ለውጢ ገይሮም ኪጥመቑ እውን ኣለዎም። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ዮሃንስ 3:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20) ሓደ ሰብ ብግብሩ እምነቱ ህያው ምዃና የረጋግጽ እዩ። (ያእቆብ 2:24, 26) ይኹን እምበር፡ ብጻዕርና ዘይኰነስ ብ“ጸጋ ኣምላኽ” ኢና ድሕነት እንረክብ።—ገላትያ 2:16, 21

  6.   ሰማይ። የሆዋ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ከምኡ እውን እሙናት መላእኽቲ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እዮም ዚነብሩ። b (መዝሙር 103:19-21፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:55) ቍጽሮም 144,000 ዝዀነ ሒደት ሰባት ድማ፡ ምስ የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺገዝኡ ናብ ሰማይ ኪኸዱ እዮም።—ዳንኤል 7:27፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:12፣ ራእይ 5:9, 10፣ 14:1, 3

  7.   ምድሪ። ኣምላኽ ንምድሪ፡ ንሰባት ዘለኣለማዊት መንበሪኦም ክትከውን እዩ ፈጢርዋ። (መዝሙር 104:5፣ 115:16፣ መክብብ 1:4) ኣምላኽ ንእዙዛት ሰባት ምሉእ ጥዕናን ገነት ኣብ እትኸውን ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ብምሃብ ኪባርኾም እዩ።—መዝሙር 37:11, 34

  8.   እከይን መከራን። ሓደ መልኣኽ ኣምላኽ ምስ ዓለወ እዩ እዚ ጀሚሩ። (ዮሃንስ 8:44) እዚ ድሕሪ ምዕላዉ “ሰይጣን”ን “ድያብሎስ”ን እተባህለ መልኣኽ፡ ነቶም ናይ መጀመርያ ሰብኣይን ሰበይትን እውን ምስኡ ኺሓብሩ ኣእሚንዎም። እዚ ድማ ንዘርኦም መከራ ኣምጺእሎም እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6፣ ሮሜ 5:12) ነቲ ሰይጣን ዘልዓሎ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ፡ ኣምላኽ እከይን መከራን ኪህሎ ፈቒዱ ኣሎ፣ እዚ ንዘለኣለም ኪቕጽል ግና ኣይፈቅድን እዩ።

  9.   ሞት። ዝሞቱ ሰባት ህልውናኦም የቋርጽ እዩ። (መዝሙር 146:4፣ መክብብ 9:5, 10) ኣብ ገሃነም እሳት ኣይሳቐዩን እዮም።

     ኣምላኽ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት ኬተንስኦም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቶም ድሕሪ ትንሳኤ እውን መገድታት ኣምላኽ ምቕባል ዚኣብዩ ግና ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም፣ ትንሳኤ ኣይክህልዎምን እዩ።—ራእይ 20:14, 15

  10.   ስድራ ቤት። ነቲ ኣምላኽ ኣብ ፈለማ ንሰብኣይን ሰበይቲ ብሓደ ጠሚሩ ዘቘሞ ስርዓት ሓዳር ኢና ጠቢቕና እንስዕብ፣ ናብ ፍትሕ ዜብጽሕ ምኽንያት ከኣ ምንዝርና ጥራይ ምዃኑ ኢና እንኣምን። (ማቴዎስ 19:4-9) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ፡ ኣብ ስድራ ቤት ሓጐስ ንምርካብ ከም ዚሕግዝ ንኣምን ኢና።—ኤፌሶን 5:22–6:1

  11.   ኣምልኾና። ኣብ ኣምልኾና መስቀል ኰነ ኻልእ ምስልታት ኣይንጥምን ኢና። (ዘዳግም 4:15-19፣ 1 ዮሃንስ 5:21) ቀንዲ ኽፍሊ ኣምልኾና እዚ ዚስዕብ እዩ፦

  12.   ውድብና። በብጉባኤታት እተወደብና ኢና፣ ነዘን ጉባኤታት እዚአን ከኣ፡ ኣካል ሽማግለታት እዮም ዚሕልውወን። ኰይኑ ግና፡ እቶም ሽማግለታት ጕጅለ ኻህናት ኣይኰኑን፡ ደሞዝ እውን ኣይክፈሎምን እዩ። (ማቴዎስ 10:8፣ 23:8) ዕሽር ኣይንኸፍልን ኢና፡ ኣብ ኣኼባታትና ድማ እናዞርና ገንዘብ ኣይንእክብን ኢና። (2 ቈረንቶስ 9:7) ኵሉ ንጥፈታትና ብፍታው ብዚግበር ወፈያታት እዩ ዚምወል።

     ኣመሓዳሪ ኣካል ተባሂሉ ዚፍለጥ፡ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ብዜገልግሉ ብሱላት ክርስትያናት ዝቘመ ንእሽቶ ጕጅለ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር የመሓድሮም እዩ።—ማቴዎስ 24:45

  13.   ሓድነትና። ኣብ እንኣምኖ ነገራት ዓለምለኻዊ ሓድነት ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 1:10) ኣብ መንጎና ማሕበራዊ፡ ዓሌታዊ፡ ቀቢላዊ ኽፍፍል ከይህሉ ኣበርቲዕና ንጽዕር ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ያእቆብ 2:4) ሓድነትና ንብሕታዊ ምርጫና የኽብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ምስቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተሰማሚዑ ውሳነታት ይገብር እዩ።—ሮሜ 14:1-4፣ እብራውያን 5:14

  14.   ኣካይዳና። ኣብ ዅሉ መዳይ ህይወትና ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኸነርኢ ንጽዕር ኢና። (ዮሃንስ 13:34, 35) ኣምላኽ ዘይፈትዎ ነገራት ኣይንገብርን ኢና፣ ንኣብነት፡ ምምሕልላፍ ደም ኣይቕበልን ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ ገላትያ 5:19-21) ሰላማውያን ኢና፣ ኣብ ውግእ ድማ ኣይሳተፍን ኢና። (ማቴዎስ 5:9፣ ኢሳይያስ 2:4) ነቲ ኣብ እነብረሉ ዓዲ ዘሎ መንግስትን ነቲ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዘይጋጮ ሕግታቱን ነኽብር ኢና።—ማቴዎስ 22:21፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29

  15.   ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ። የሱስ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’” ኢሉ ኣዚዙ እዩ። ክርስትያናት፡ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን” እውን ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 22:39፣ ዮሃንስ 17:16) ስለዚ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ከይኣተናን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ከይሓበርናን፡ ‘ንዅሉ ሰናይ ክንገብር’ ንጽዕር ኢና። (ገላትያ 6:10፣ 2 ቈረንቶስ 6:14) ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኻልኦት ንዚገብርዎ ውሳነ ድማ ነኽብረሎም ኢና።—ሮሜ 14:12

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ከም ዚኣምኑ ተወሳኺ ሕቶታት እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ወብ ሳይትና ብዛዕባና ኸተንብብንሓደ ኻብ ኣብያተ ጽሕፈትና ኽትውከስ፡ ወይ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባ ኽትእከብ ወይ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ

a ትሩዝ ኢን ትራንዝሌሽን፡ ኣብ ገጽ 165 ርአ።

b እኩያት መላእኽቲ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ይነብሩ እኳ እንተ ሃለዉ፡ ካብ ሰማይ ግና ተሰጒጎም እዮም።—ራእይ 12:7-9