መዝሙር 37:1-40

  • ብየሆዋ ዚእመኑ ጽቡቕ ኪረኽቡ እዮም

    • ብእኩያት ኣይትሕረቕ (1)

    • “ብየሆዋ ደስ ይበልካ” (4)

    • “መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ” (5)

    • ‘ትሑታት ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም’ (11)

    • ጻድቕ እንጌራ ኣይስእንን እዩ (25)

    • ጻድቃን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም (29)

ናይ ዳዊት። א [ኣሌፍ] 37  ብእኩያት ኣይትሕረቕ፡*ወይ ብገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ።+   ንሳቶምሲ ኸም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪጽምልዉ፡+ከም ልምሉም ለቕሚ ኪቕምስሉ እዮም። ב [ቤት]   ብየሆዋ ተኣመን፡* ሰናይ ከኣ ግበር፣+ኣብ ምድሪ* ንበር፡ ብተኣማንነት ድማ ተመላለስ።+   ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ይበልካ፣*ንሱ ኸኣ ትምኒት ልብኻ ኺህበካ እዩ። ג [ጊሜል]   መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣*+ኣብኡ ተወከል፡ ንሱ እውን ኬስልጠልካ እዩ።+   ንጽድቅኻ ኸም ወጋሕታ፡ንፍትሕኻ እውን ከም ጸሓይ ቀትሪ ኼብርሆ እዩ። ד [ዳሌጥ]   ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቕ በል፡+ብሃንቀውታ* ተጸበዮ። ተንኰሉ ኺፍጽም ብዚሰልጦ ሰብኣይትሕረቕ።+ ה []   ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ፣+ሓሪቕካ እከይ ኣይትግበር።*   እኩያትሲ ኺጠፍኡ እዮም፣+እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም።+ ו [ዋው] 10  ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣+ኣብቲ ዝነበሩሉ ኽትደልዮም ኢኻ፣ኣብኡ እውን ኣይኪህልዉን እዮም።+ 11  ዓቃላት* ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣+ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።+ ז [ዛይን] 12  እኩይ ንጻድቕ ውዲት ይኣልመሉ፣+ኣስናኑ እውን ይሕርቅመሉ። 13  የሆዋ ግና ይስሕቆ፣ስለምንታይሲ፡ መዓልቱ ኸም እትመጽእ ይፈልጥ እዩ።+ ח [ሔት] 14  እኩያት ንጭቁንን ንድኻን ኬውድቕዎ፡ነቶም ቅኑዕ ዝመገዶም ኪሓርድዎም፡ኣስያፎም ይመልሑ፡ ቀስቶም እውን ይግትሩ። 15  ሰይፎም ግና ንገዛእ ልቦም ኪወግኦ፡+ቀስትታቶም ከኣ ኪስበር እዩ። ט [ጤት] 16  ካብ ናይ ብዙሓት እኩያት ሃብትስ፡ናይ ጻድቕ ሒደት ይበልጽ።+ 17  ቀላጽም እኩያትሲ ኺስበር እዩ፣የሆዋ ግና ንጻድቃን ኪድግፎም እዩ። י [ዮድ] 18  የሆዋ ነቲ እቶም መንቅብ ዘይብሎም ዜሕልፍዎ ይፈልጦ፣*ርስቶም ከኣ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።+ 19  ብግዜ መዓት ኣይኪሓፍሩን እዮም፣ብግዜ ጥሜት ኪጸግቡ እዮም። כ [ካፍ] 20  እኩያት ግና ኪጠፍኡ እዮም፣+ጸላእቲ የሆዋ ድማ ከም ዕሙር መጓሰዪ ኺበርሱ፡ከም ትኪ ኸኣ ኪበንኑ እዮም። ל [ላሜድ] 21  እኩይ ይልቃሕ፡ ኣይመልስን ድማ፣ጻድቕ ግና ለጋስ እዩ* እሞ፡ ይህብ።+ 22  እቶም ዝባረኾም ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣እቶም ዝረገሞም ግና ኪጠፍኡ እዮም።+ מ [ሜም] 23  የሆዋ ብመገዲ ሰብ ባህ ምስ ዚብሎ+ንስጕምትታቱ ይመርሐን።*+ 24  የሆዋ ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፡+እንተ ወደቐ እኳ፡ ኣይድርበን።+ נ [ኑን] 25  ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን።+ 26  ወትሩ ብናጻ የለቅሕ፣+ዘርኡ ድማ ይባረኹ። ס [ሳሜኽ] 27  ካብ ክፉእ ርሓቕ፡ ሰናይ ከኣ ግበር፣+ንዘለኣለም ድማ ክትነብር ኢኻ። 28  የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ፣ንእሙናቱ ኸኣ ኣይኪሓድጎምን እዩ።+ ע [ዓይን] ንሳቶም ወትሩ ኺሕለዉ እዮም፣+ዘርኢ እኩያት ግና ኪጠፍኡ እዮም።+ 29  ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡+ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።+ פ [] 30  ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የካፍል፣*ልሳኑ ድማ ብዛዕባ ፍትሒ ይዛረብ።+ 31  ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣+ስጕምትታቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ።+ צ [ጻዴ] 32  ኪቐትሎ ኢሉስ፡እኩይ ንጻድቕ ይጸናተዎ። 33  የሆዋ ግና ኣብ ኢዱ ኣይኪሓድጎን፡+ኪፍረድ ከሎ እውን ኣይኪዅንኖን እዩ።+ ק [ቆፍ] 34  ብየሆዋ ተስፋ ግበር፡ መገዱ እውን ስዓብ፣ንሱ ኸኣ ንምድሪ ኽትርስተያ ልዕል ኬብለካ እዩ። እኩያት ኪጠፍኡ ኸለዉ+ ኽትርኢ ኢኻ።+ ר [ሬሽ] 35  ንጨካን፡ ንእኩይኣብ ቦታኣ ኸም ዝለምዐት ኦም ኣስፋሕፊሑ ርእየዮ።+ 36  ብሃንደበት ግና ሓሊፉ ኸይዱ፣+እንተ ደለኽዎ ድማ፡ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን።+ ש [ሺን] 37  መንቅብ ንዘይብሉ* ኣስተብህለሉ፡ንቕኑዕ+ ከኣ ርኣዮ፡መጻኢ እቲ ሰብ እትስ ሰላም ኪኸውን እዩ።+ 38  ኵሎም ኣበስቲ ግና ኪጠፍኡ እዮም፣መጻኢ እኩያት ድማ ኪቝረጽ እዩ።+ ת [ታው] 39  ድሕነት ጻድቃን ካብ የሆዋ እዩ፣+ንሱ ብግዜ ጭንቂ ዕርዶም እዩ።+ 40  የሆዋ ኺረድኦምን ኬናግፎምን እዩ።+ ኣብኡ ስለ እተማዕቈቡ፡ካብ እኩያት ኬናግፎምን ኬድሕኖምን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣይትናደድ።”
ወይ፡ “ተወከል።”
ወይ፡ “ኣብታ ምድሪ።”
ወይ፡ “ኣዚኻ ተሓጐስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ናብ የሆዋ ኣንከባልሎ።”
ወይ፡ “ብትዕግስቲ።”
ወይ፡ “ናብ ክፉእ ጥራይ እዩ ኺመርሕ ዚኽእል እሞ፡ ኣይትሕረቕ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ትሑታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ንመዓልትታት እቶም መንቅብ ዘይብሎም ይፈልጠን።”
ወይ፡ “ሞገስ የርኢ።”
ወይ፡ “የጽንዐን።”
ወይ፡ “ጥበብ ብትሕቲ መልሓሱ ይዛረብ።”
ወይ፡ “ንጽህናኡ ንዚሕሉ።”