መዝሙር 9:1-20

  • ዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽ ምንጋር

    • የሆዋ፡ እምባ (9)

    • ስም ኣምላኽ ዚፈልጥ ብእኡ ይእመን (10)

ንኣላዪ፣ ብሙት-ላቤን።* ናይ ዳዊት መዝሙር። א [ኣሌፍ] 9  ኦ የሆዋ፡ ብዅሉ ልበይ ክውድሰካ፡ብዛዕባ ዅሉ ዜደንቕ ግብርታትካ ኽነግር እየ።+   ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፡ኦ ልዑል፡ ንስምካ ውዳሰ ኽዝምር* እየ።+ ב [ቤት]   ጸላእተይ ምስ ኣድሓርሓሩ፡+ኣብ ቅድሜኻ ኺዕንቀፉን ኪጠፍኡን እዮም።   ንስኻስ ንፍትሓዊ ጕዳየይ ትድግፍ፡ብጽድቂ እናፈረድካ ኸኣ ኣብ ዝፋን ትቕመጥ ኢኻ።+ ג [ጊሜል]   ንኣህዛብ ገኒሕካዮም፡+ ንእኩያት ከኣ ኣጥፊእካዮም፡ስሞም ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ደምሲስካዮ ኢኻ።   ጸላእቲ ንዘለኣለም ጠፊኦም፣ከተማታቶም ተማሕየን፡ኵሉ መዘከርታኦም እውን ኪጠፍእ እዩ።+ ה []   የሆዋ ግና ንዘለኣለም ኣብ ዝፋን ይቕመጥ፣+ምእንቲ ፍትሒ ድማ ዝፋኑ ኣጽኒዑ ኣሎ።+   ንሱ ንዓለም* ብጽድቂ ኺፈርዳ፡+ንኣህዛብ ከኣ ብቕንዕና ኺዳንዮም እዩ።+ ו [ዋው]   የሆዋ ንጭቍናት እምባ፡*+ብግዜ ጭንቂ እምባ ይኸውን እዩ።+ 10  ስምካ ዚፈልጡ ብኣኻ ኺእመኑ* እዮም፣+ኦ የሆዋ፡ ንዚደልዩኻ ኣይትሓድጎምን ኢኻ።+ ז [ዛይን] 11  ነቲ ኣብ ጽዮን ዚቕመጥ የሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ፣ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ።+ 12  እቲ ሕነ ደሞም ዚፈድስ ይዝክሮም፡+ኣውያት እቶም ውጹዓት ከኣ ኣይርስዕን እዩ።+ ח [ሔት] 13  ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየኒ፣ በቶም ዚጸልኡኒ ዚወርደኒ ጸበባ ርአ፣ንስኻ ኻብ ኣፍ ደገታት ሞት ተተንስኣኒ፣+ 14  እወ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ጓል ጽዮን ዚንኣድ ተግባራትካ ኽነግር፡+ብግብርታት ድሕነትካ ኸኣ ክሕጐስ ተተንስኣኒ።+ ט [ጤት] 15  ኣህዛብ ናብታ ዝገበርዋ ጕድጓድ ኣትዮም ኣለዉ፣እግሮም ድማ በታ ዝሓብእዋ መርበብ ተታሒዛ ኣላ።+ 16  የሆዋ በቲ ዚፍጽሞ ፍርዲ ይፍለጥ እዩ።+ እኩይ ብግብሪ ኣእዳዉ ተፈንጢሩ ኣሎ።+ ሂጋዮን።* (ሴላ) י [ዮድ] 17  እኩይ ናብ መቓብር* የድሓርሕር፣ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅሎም ኣህዛብ እውን ከምኡ። 18  ድኻ ግና ወትሩ ኣይኪርሳዕን፡+ተስፋ ዓቃል* ከኣ ኣይኪጠፍእን እዩ።+ כ [ካፍ] 19  ኦ የሆዋ፡ ተንስእ! መዋቲ ሰብሲ ኣይስዓር። ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ።+ 20  ኦ የሆዋ፡ ብፍርሂ ውቕዓዮም፣+ኣህዛብሲ መወትቲ ሰባት ጥራይ ምዃኖም ይፍለጡ። (ሴላ)

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኸዝይም።”
ወይ፡ “ንፍርያም ምድሪ።”
ወይ፡ “ውሑስ መዕቈቢ።”
ወይ፡ “ኺውከሉ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ትሑት።”