መዝሙር 9:1-20
ንኣላዪ፣ ብሙት-ላቤን።* ናይ ዳዊት መዝሙር።
א [ኣሌፍ]
9 ኦ የሆዋ፡ ብዅሉ ልበይ ክውድሰካ፡ብዛዕባ ዅሉ ዜደንቕ ግብርታትካ ኽነግር እየ።+
2 ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፡ኦ ልዑል፡ ንስምካ ውዳሰ ኽዝምር* እየ።+
ב [ቤት]
3 ጸላእተይ ምስ ኣድሓርሓሩ፡+ኣብ ቅድሜኻ ኺዕንቀፉን ኪጠፍኡን እዮም።
4 ንስኻስ ንፍትሓዊ ጕዳየይ ትድግፍ፡ብጽድቂ እናፈረድካ ኸኣ ኣብ ዝፋን ትቕመጥ ኢኻ።+
ג [ጊሜል]
5 ንኣህዛብ ገኒሕካዮም፡+ ንእኩያት ከኣ ኣጥፊእካዮም፡ስሞም ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ደምሲስካዮ ኢኻ።
6 ጸላእቲ ንዘለኣለም ጠፊኦም፣ከተማታቶም ተማሕየን፡ኵሉ መዘከርታኦም እውን ኪጠፍእ እዩ።+
ה [ሄ]
7 የሆዋ ግና ንዘለኣለም ኣብ ዝፋን ይቕመጥ፣+ምእንቲ ፍትሒ ድማ ዝፋኑ ኣጽኒዑ ኣሎ።+
8 ንሱ ንዓለም* ብጽድቂ ኺፈርዳ፡+ንኣህዛብ ከኣ ብቕንዕና ኺዳንዮም እዩ።+
ו [ዋው]
9 የሆዋ ንጭቍናት እምባ፡*+ብግዜ ጭንቂ እምባ ይኸውን እዩ።+
10 ስምካ ዚፈልጡ ብኣኻ ኺእመኑ* እዮም፣+ኦ የሆዋ፡ ንዚደልዩኻ ኣይትሓድጎምን ኢኻ።+
ז [ዛይን]
11 ነቲ ኣብ ጽዮን ዚቕመጥ የሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ፣ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ።+
12 እቲ ሕነ ደሞም ዚፈድስ ይዝክሮም፡+ኣውያት እቶም ውጹዓት ከኣ ኣይርስዕን እዩ።+
ח [ሔት]
13 ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየኒ፣ በቶም ዚጸልኡኒ ዚወርደኒ ጸበባ ርአ፣ንስኻ ኻብ ኣፍ ደገታት ሞት ተተንስኣኒ፣+
14 እወ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ጓል ጽዮን ዚንኣድ ተግባራትካ ኽነግር፡+ብግብርታት ድሕነትካ ኸኣ ክሕጐስ ተተንስኣኒ።+
ט [ጤት]
15 ኣህዛብ ናብታ ዝገበርዋ ጕድጓድ ኣትዮም ኣለዉ፣እግሮም ድማ በታ ዝሓብእዋ መርበብ ተታሒዛ ኣላ።+
16 የሆዋ በቲ ዚፍጽሞ ፍርዲ ይፍለጥ እዩ።+
እኩይ ብግብሪ ኣእዳዉ ተፈንጢሩ ኣሎ።+
ሂጋዮን።* (ሴላ)
י [ዮድ]
17 እኩይ ናብ መቓብር* የድሓርሕር፣ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅሎም ኣህዛብ እውን ከምኡ።
18 ድኻ ግና ወትሩ ኣይኪርሳዕን፡+ተስፋ ዓቃል* ከኣ ኣይኪጠፍእን እዩ።+
כ [ካፍ]
19 ኦ የሆዋ፡ ተንስእ! መዋቲ ሰብሲ ኣይስዓር።
ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ።+
20 ኦ የሆዋ፡ ብፍርሂ ውቕዓዮም፣+ኣህዛብሲ መወትቲ ሰባት ጥራይ ምዃኖም ይፍለጡ። (ሴላ)