ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ መን እዩ፧

የሆዋ መን እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ፈጣሪ ዅሉ ነገራት ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ። (ራእይ 4:11) ከም እኒ ኣብርሃምን ሙሴን ዝኣመሰሉ ነብያት የምልኽዎ ነይሮም እዮም፣ የሱስ እውን የምልኾ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 24:27፣ ዘጸኣት 15:1, 2፣ ዮሃንስ 20:17) የሆዋ ናይ ሓደ ህዝቢ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ “ኵላ ምድሪ” እዩ።—መዝሙር 47:2

 የሆዋ ዚብል ስም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍልይ ዝበለ ስም ኣምላኽ እዩ። (ዘጸኣት 3:15፣ መዝሙር 83:18) እቲ ስም፡ “ምዃን” ካብ ዚብል ግሲ እብራይስጢ ዝመጸ እዩ፣ ገሊኦም ምሁራት ድማ፡ ስም ኣምላኽ፡ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ እዮም ርእይቶ ዚህቡ። እዚ ትርጉም እዚ ምስቲ የሆዋ ኸም ፈጣሪ ዅሉን ፈጻሚ ዕላማኡን ዘለዎ ግደ ኣጸቢቑ ዚሰማማዕ እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያት እቲ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እታ ቐንዲ ባህርዩ ዝዀነት ፍቕሪ ኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ።—ዘጸኣት 34:5-7፣ ሉቃስ 6:35፣ 1 ዮሃንስ 4:8

 እቲ የሆዋ ዚብል ስም፡ ካብተን ቴትራግራማተን ተባሂለን ዚጽውዓ፡ יהוה (የሀወሀ) ዚብላ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ እተተርጐመ እዩ። ብጥንታዊ እብራይስጢ፡ ኣጸዋውዓ መለኮታዊ ስም ከመይ ከም ዝነበረ ብልክዕ ኣይፍለጥን እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ “የሆዋ” ዚብል ኣደማምጻ መለኮታዊ ስም፡ ኣብ ትግርኛ ዀነ ኣብ ካልእ ቋንቋታት ነዊሕ ዝጸንሐ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ዝወጸ፡ ኣብቲ ብ1530 ብዊልያም ቲንደል እተዳለወ ትርጉም እዩ። a

ስም ኣምላኽ ብጥንታዊ እብራይስጢ ኸመይ ይድመጽ ከም ዝነበረ ዘይፍለጥ ስለምንታይ እዩ፧

 ናይ ጥንቲ እብራይስጢ ብጽሑፍ ኪሰፍር ከሎ፡ ተደማጺ እምበር ኣድማጺ ፊደላት ኣይነበሮን። ኣንበብቲ ኸኣ ነቲ ኣድማጺ ብቐሊሉ ባዕሎም ሰዂዖም እዮም ዜንብብዎ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ (“ብሉይ ኪዳን”) ተጻሒፉ ምስ ተወድአ፡ ገሊኦም ኣይሁድ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምድሃዩ ጌጋ ኸም ዝዀነ ጌርካ ዚርኢ ማሪታዊ እምነት ሓዙ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ስም ኣምላኽ ዝሓዘ ጥቕስታት ኬንብብዎ ኸለዉ፡ “ጐይታ” ወይ “ኣምላኽ” ብዚብል ቃላት ተኪኦም የንብብዎ ነበሩ። ዘመን ምስ ሓለፈ ድማ፡ እዚ ማሪታዊ ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ስለ ዘስፋሕፍሐ፡ ጥንታዊ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ተረሲዑ እዩ። b

 ገሊኦም ሰባት እቲ ስም “ያህወህ” ተባሂሉ ይድመጽ ምንባሩ ይኣምኑ እዮም፣ ገሊኦም ከኣ እተፈልየ ኣደማምጻ እዮም ዜቕርቡ። ክፋል ዘሌዋውያን ብግሪኽኛ ዚርከቦ ሓደ ጥቕላል ምዉት ባሕሪ ነቲ መለኮታዊ ስም ያኦ ኢሉ እዩ ኣስፊርዎ። ብዘይካዚ ድማ፡ ቀዳሞት ጸሓፍቲ ግሪኽኛ ያአ፡ ያበ፡ ያኦወ ዚብል ኣደማምጻ ተጠቒሞም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻብዚ ብጥንታዊ እብራይስጢ ዜድምጽዎ ዝነበሩ ልክዕ ኣደማምጻ ኸም ዝዀነ ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። c

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚርከብ ስም ኣምላኽ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ “የሆዋ” ዚብል ስም ዚጥቀማ ትርጉማት፡ ነዚ ስም እዚ ወሲኸናኦ እየን።

 ሓቂ፦ ስም ኣምላኽ ብቴትራግራማተን ዚርከቦ ቓል እብራይስጢ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስታት 7,000 ሳዕ ይርከብ። d መብዛሕትኦም ትርጉማት ግና፡ ንስም ኣምላኽ ብኢደ ወነኖም ኣውጺኦም ብኸም “ጐይታ” ወይ “እግዚኣብሄር” ዝኣመሰለ መዓርጋት ተኪኦምዎ እዮም።

 ግጉይ ርድኢት፦ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ሓደ ፍሉይ ስም ኣየድልዮን እዩ።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ ባዕሉ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስሙ ኣሽሓት ግዜ ኺጥቀሙሉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ። ንኣምለኽቱ ድማ ስሙ ኺጥቀሙ መምርሒ ሂብዎም እዩ። (ኢሳይያስ 42:8፣ ዮኤል 2:32፣ ሚልክያስ 3:16፣ ሮሜ 10:13) ወረግ፡ ኣምላኽ ነቶም ሰባት ንስም ኣምላኽ ከም ዚርስዕዎ ዚገብሩ ናይ ሓሶት ነብያት እውን ኰኒንዎም እዩ።—ኤርምያስ 23:27

 ግጉይ ርድኢት፦ ንልምዲ ኣይሁድ ብምስዓብ፡ ስም ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪውገድ ኣለዎ።

 ሓቂ፦ ሓቂ እዩ፡ ገሊኦም ኣይሁዳውያን ጸሓፍቲ ንመለኮታዊ ስም ኬድምጽዎ ኣይደለዩን። ይኹን እምበር፡ ካብ ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱሶም ኣየውጽእዎን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ካብ ትእዛዛቱ ንዜርሕቐና ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ልምድታት ክንስዕብ ኣይደልየናን እዩ።—ማቴዎስ 15:1-3

 ግጉይ ርድኢት፦ እቲ መለኮታዊ ስም ብእብራይስጢ ብልክዕ ብኸመይ ከም ዚድመጽ ስለ ዘይፍለጥ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪህሉ የብሉን።

 ሓቂ፦ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ኣምላኽ እተፈላለየ ቛንቋታት ዚዛረቡ ሰባት ኵሎም ንስሙ ብሓደ ዓይነት መገዲ ኼድምጽዎ ኸም ዚደልዮም ዚእምት እዩ። ይኹን እምበር፡ ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ በበይኑ ቛንቋታት ዚጥቀሙ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንእተፈላለየ ናይ ተጸውዖ ስማት ብእተላለየ መገዲ የድምጽዎ ኸም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ የመልክት እዩ።

 ንኣብነት፡ ነቲ መስፍን እስራኤላውያን ዝነበረ እያሱ ንርአ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቛንቋ እብራይስጢ ዚዛረቡ ክርስትያናት፡ ነቲ ስም የሆሹዓ ኢሎም የድምጽዎ፡ እቶም ግሪኽኛ ዚዛረቡ ኸኣ፡ የሱስ ኢሎም የድምጽዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ እያሱ ዚብል ናይ እብራይስጢ ስም ብግሪኽኛ ኺትርጐም ከሎ ኸመይ ከም ዚጽሓፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡልና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ቋንቋኦም ልሙድ ዝነበረ ኣደማምጻ ይጥቀሙ ምንባሮም ይሕብረና።—ግብሪ ሃዋርያት 7:45፣ እብራውያን 4:8

 ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ምትርጓም እውን ተመሳሳሊ ስርዓት ይዓዪ እዩ። ልክዕ ኣደማምጻ ኻብ ምሕራይ ንላዕሊ ኣዝዩ ዜገድስ ድማ፡ ንስም ኣምላኽ ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ግቡእ ቦታኡ ምምላሱ እዩ።

a ቲንደል ኣብተን ዝተርጐመን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ “የሆዋ” (Iehouah) ዚብል ኣደማምጻ ተጠቒሙሉ እዩ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ቋንቋ እንግሊዝኛ እናተቐየረ ኸደ፣ ፊደላት መለኮታዊ ስም ድማ ምስ ዘመኑ ተቐየረ። ንኣብነት፡ ብ1612 ሄንሪ ኤይንስወርዝ ኣብ ብምሉኡ እቲ ንሱ ዝተርጐሞ ትርጉም መጽሓፍ መዝሙር፡ “የሆቫ” (Iehovah) ዚብል ኣደማምጻ እዩ ተጠቒሙ። ብ1639 ነቲ ትርጉም ኪኽልሶ ኸሎ ድማ፡ “ጀሆቫ” (Jehovah) ዚብል ኣደማምጻ ተጠቒሙ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ብ1901 እቶም ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን ዘዳለዉ ተርጐምቲ፡ ኣብቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ጽሑፍ እብራይስጢ እተረኽበሉ ቦታ፡ “ጀሆቫ” (Jehovah) ዚብል ኣደማምጻ እዮም ተጠቒሞም።

b ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ ካልኣይ ጥራዝ፡ ሕታም 14፡ ገጽ 883-884፡ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “እቲ ምርኮ ምስ ኣብቅዐ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ እቲ ያህወህ ዚብል ስም ፍሉይ ኣኽብሮት ኪውሃቦ ጀመረ፡ በቲ ኣዶናይ ወይ ኤሎሂም ዚብል ቃላት ናይ ምትካእ ልምዲ ድማ ጀመረ።”

c ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ኣሰዃዅዓ መለኮታዊ ስም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ” ዘርእስቱ መመላእታ ጽሑፍ ሀ4 ርአ።

d ቲኦሎጂካል ለክሲኮን ኦፍ ዘ ኦልድ ተስታመንት፡ ጥራዝ 2፡ ገጽ 523-524 ርአ።