ኢሳይያስ 42:1-25

  • ጊልያ ኣምላኽን ተልእኾኡን (1-9)

    • ‘ስመይ የሆዋ እዩ’ (8)

  • ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ውዳሰ (10-17)

  • እስራኤል ዕዉራትን ጸማማትን ኰይኖም (18-25)

42  እንሆ፡ ዝድግፎ ጊልያይ!+ ዝሰምሮ*+ ሕሩየይ!+ መንፈሰይ ኣብኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፣+ንኣህዛብ ፍትሒ ኼምጽኣሎም እዩ።+   ኣይኪጭድርን፡ ወይ ድምጹ ዓው ኣይኬብልን እዩ፣ድምጹ እውን ኣብ ጐደና ኣይኬስምዕን እዩ።+   ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣይኬጥፍእን እዩ።+ ብተኣማንነት ፍትሒ ኼምጽእ እዩ።+   ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ኣይኪሓምቕን ወይ ኣይኪጭፍለቕን እዩ፣+ደሴታት ከኣ ሕጉ* ይጽበያ እየን።   እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ፡እቲ ፈጣሪ ሰማያትን እቲ ንዓታቶም ዝገተሮም ዓብይን፡+እቲ ንምድርን ንፍርያታን ዝዘርግሐ፡+እቲ ኣብኣ ንዘሎ ህዝቢ ትንፋስ፡+ኣብኣ ንዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሃበ ኸምዚ ይብል፦+   “ኣነ የሆዋ ብጽድቂ ጸዊዐካ ኣለኹ፣ብኢድካ ሒዘካ ኣለኹ። ክሕልወካ እየ፣ ኪዳን ህዝብን+ብርሃን ኣህዛብን ከም እትኸውን ገይረ ኽህበካ እየ።+   ኣዒንቲ ዕዉራት ምእንቲ ኽትከፍት፡+ንእሱራት ካብ ቤት ማሕቡስ፡ነቶም ኣብ ጸልማት ዚቕመጡ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ።+   ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ፣ክብረይ ንኻልእ፡*ውዳሰይ እውን ንቕሩጽ ምስልታት ኣይህብን እየ።+   እንሆ፡ እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ፣ሕጂ፡ ሓድሽ ነገር እነግረኩም ኣለኹ። ከይተቐልቀለ፡ ብዛዕባኡ ኸስምዓኩም እየ።”+ 10  ኣቱም ናብ ባሕሪ እትወርዱን ንዕኡ እትመልእዎ ዘበልኩም ኵላትኩምን፡ኣትን ደሴታትን ኣቱም ነበርተንን፡+ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር፡+ውዳሰኡ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምሩሉ።+ 11  በረኻን ከተማታቱን፡+ቄዳር+ ዚነብረሉ ሰፈራት፡ ድምጾም ዓው የብሉ። ነበርቲ ኸውሒ እልል ይበሉ፣ካብ ርእሲ ኣኽራን ይጨድሩ። 12  ንየሆዋ ኽብሪ ይሃብዎ፣ውዳሰኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ።+ 13  የሆዋ ኸም ጅግና ኺወጽእ እዩ።+ ከም ተዋጋኢ ቕንኣቱ ኼነቓቕሕ እዩ።+ ኪጭድር፡ እወ፡ ጭድርታ ውግእ ኪጭድር እዩ፣ካብ ጸላእቱ ኸም ዚብርትዕ ኬርኢ እዩ።+ 14  “ነዊሕ ግዜ ስቕ ኢለ እየ። ኣጽቂጠን ርእሰይ ገቲአን እየ። ትወልድ ከም ዘላ ሰበይቲ፡ብሓንሳእ ክግዕርን ክልህልህን ክንኣኽን እየ። 15  ንኣኽራንን ንዅርባታትን ከባድሞ፡ንዅሉ ኣትክልቶም ድማ ከንቅጾ እየ። ንኣፍላግ ናብ ደሴታት* ክቕይሮ፡ሻምብቆ ንዘለዎ ራህያታት ማይ ከኣ ከንቅጾ እየ።+ 16  ንዕዉራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽመርሖም፡+ንዘይፈልጥወን መገድታት ድማ ከርግጾም እየ።+ ኣብ ቅድሚኦም ንዘሎ ጸልማት ናብ ብርሃን ክቕይሮ፡+ንድንጉር ከኣ ናብ ጐልጐል ክልውጦ እየ።+ እዚ ኽገብረሎም፡ ኣይክሓድጎምን እውን እየ።” 17  እቶም ብጽሩብ ምስልታት ዚእመኑ፡*እቶም ንፍሱስ ምስልታት፡ “ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም” ዚብሉ፡ኪምለሱን ኪሓፍሩን እዮም።+ 18  ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፣ኣቱም ዕዉራት፡ ጠምቱን ርኣዩን።+ 19  ብዘይካ ጊልያይሲ፡ መን እዩ ዕዉር፧ ከምቲ ዝለኣኽክዎ ልኡኽ ጸማም ዝዀነኸ መን እዩ፧ ከምቲ ዓስቡ ዝሃብክዎ ዕዉር ዝዀነ፡ከም ጊልያ የሆዋ ዕዉር ዝዀነ መን እዩ፧+ 20  ብዙሕ ነገር ትርኢ፡ ግናኸ ኣይትሕሉን። ኣእዛንካ ትኸፍት፡ ግናኸ ኣይትሰምዕን።+ 21  የሆዋ ምእንቲ ጽድቁ ኢሉ፡ንሕጉ* ኼዕብዮን ኬኽብሮን ባህ ኢልዎ ኣሎ። 22  እዚ ግና እተዘምተን እተዘረፈን ህዝቢ እዩ፣+ኵላቶም ኣብ ጐዳጕዲ ተፈንጢሮም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተሓቢኦም።+ ዜናግፎም ዘይብሎም ተዘሚቶም፣+“ምለሶም!” ዚብል ዘይብሎም ድማ ተዘሪፎም። 23  ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል መን እዩ፧ ንዚመጽእ ግዜ ዜቕልቦን ዚሰምዖንከ መን እዩ፧ 24  ያእቆብ ንዘረፋ፡እስራኤል ድማ ንዘመተ ኣሕሊፉ ዝሃበ መን እዩ፧ እቲ ዝበደልናዮ የሆዋ ደይኰነን፧ ንሳቶም ብመገድታቱ ምምልላስ ኣበዩ፣ሕጉ* ኸኣ ኣይተኣዘዙን።+ 25  ስለዚ፡ ኵራን ቍጥዓኡንነድሪ ውግእን ከዓወሉ።+ እዚ ኣብ ዙርያኡ ንዘሎ ዅሉ እኳ እንተ በልዖ፡ ኣየስተብሃለን።+ ዋላ እኳ እንተ ኣባርዖ፡ ኣብ ልቡ ኣየሕደሮን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ እትሰምሮ።”
ወይ፡ “ትምህርቱ።”
ወይ፡ “ክብረይ ምስ ካልእ ኣይማቐሎን።”
ወይ፡ “ገማግም ባሕሪ።”
ወይ፡ “ዚውከሉ።”
ወይ፡ “ንትምህርቱ።”
ወይ፡ “ትምህርቱ።”