ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መንግስቲ ኣምላኽ ብየሆዋ ዝቘመት ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። “መንግስቲ ኣምላኽ” ካብ ሰማይ ኰይና ስለ እትገዝእ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንግስተ ሰማያት” እውን ተባሂላ ኣላ። (ማርቆስ 1:14, 15፣ ማቴዎስ 4:17) እዛ መንግስቲ እዚኣ ብብዙሕ ነገራት ምስ ሰብኣውያን መንግስትታት ትመሳሰል እኳ እንተ ዀነት፡ ብዅሉ መገዲ ግና ካባታተን ዝበለጸት እያ።

  •   ገዛእቲ። ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ሸይምዎን ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ገዛኢ ዚበልጽ ስልጣን ሂብዎን እዩ። (ማቴዎስ 28:18) የሱስ ትውክልቲ ዚግበሮን ደንጋጺ መራሒ ምዃኑን ስለ ዘርኣየ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ንጽቡቕ ጥራይ እዩ ዚጥቀመሉ። (ማቴዎስ 4:23፣ ማርቆስ 1:40, 41፣ 6:31-34፣ ሉቃስ 7:11-17) የሱስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ፡ ምስኡ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ‘ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚነግሱ’ ሰባት መሪጹ እዩ።—ራእይ 5:9, 10

  •   ንውሓት። መንግስቲ ኣምላኽ ከምተን ተራእየን ዝጠፍኣ ሰብኣውያን መንግስትታት ስለ ዘይኰነት፡ ‘ከቶ ዘይትጠፍእ’ እያ።—ዳንኤል 2:44

  •   ተገዛእቲ። ነቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ብቕዓት ዜማልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ መበቈሉ ወይ እተወልደሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

  •   ሕግታት። ሕግታት (ወይ ትእዛዛት) መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሕማቕ ባህርይ ጥራይ ኣይኰነትን እትኽልክል። የግዳስ፡ ተገዛእታ ዝለዓለ ስነ ምግባራዊ ባህርይ ከም ዚህልዎም እያ እትገብር። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ። እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’” (ማቴዎስ 22:37-39) ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንኣምላኽን ንብጻዮምን ዜፍቅሩ እንተ ዀይኖም፡ ንኻልኦት ሰባት ዚጠቅም ነገራት ኪገብሩ ይድረኹ እዮም።

  •   ትምህርቲ። መንግስቲ ኣምላኽ ንተገዛእታ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓት ተቕውም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ነቲ ስርዓታት ከም ዚትግብርዎ እውን ትምህሮም እያ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

  •   ተልእኾ። መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ኣፍ ተገዛእታ እናመንዝዐት ነቶም ገዛእታ ኣይተሀብትምን እያ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ማለት እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኸም ዚነብሩ ዚገልጽ መብጽዓ ኸም ዚፍጸም እያ እትገብር።—ኢሳይያስ 35:1, 5, 6፣ ማቴዎስ 6:10፣ ራእይ 21:1-4