ዘፍጥረት 3:1-24

  • ኣጀማምራ ሓጢኣት ሰብ (1-13)

    • ናይ መጀመርታ ሓሶት (4, 5)

  • ፍርዲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዓለውቲ (14-24)

    • ትንቢት ብዛዕባ ዘርኢ እታ ሰበይቲ (15)

    • ካብ ኤደን ተሰጕጉ (23, 24)

3  የሆዋ ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ እንስሳ መሮር፡ ተመን+ ኣዝዩ ጥንቁቕ* ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ኣምላኽሲ፡ ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት* ኣይትብልዑ’ ኢሉዶ እዩ፧” በላ።+  እታ ሰበይቲ ነቲ ተመን፡ “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኣእዋም ንበልዕ ኢና።+  ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና፡+ ኣምላኽ፡ ‘ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ፡ ኣይትተንክይዋ እውን’ ኢሉ” በለቶ።  እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም።+  ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ” በላ።+  እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ንምብልዓ ጥዕምቲ፡ ንኣዒንቲ ኸኣ ደስ እተብል፡ እወ፡ እታ ኦም ንምጥማታ ባህ እተብል ምዃና ረኣየት። ካብ ፍሪኣ ወሲዳ ድማ በልዐት።+ ድሕሪኡ፡ ሰብኣያ ምስኣ ምስ ኰነ እውን፡ ንዕኡ ሃበቶ፣ ንሱ ኸኣ በልዐ።+  ሽዑ፡ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታ፡ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ኣቝጽልቲ በለስ ሰፍዮም ከኣ ተዓጥቁ።+  መዓልቲ ምስ ወልወለ ድማ፡ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ገነት ኪመላለስ ሰምዑ፣ እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይቱን ከኣ ካብ ገጽ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኣእዋም ገነት ተሓብኡ።  የሆዋ ኣምላኽ ድማ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኣበይ ኣለኻ፧” እናበለ ደጋጊሙ ጸውዖ። 10  ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንሱ፡ “ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዐ፣ ጥራየይ ስለ ዝዀንኩ ግና ፈሪሀ ተሓቢአ” በለ። 11  ንሱ ድማ፡ “ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነጊሩካ፧+ ካብታ ኻብኣ ኸይትበልዕ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፧”+ በሎ። 12  እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “እታ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሂባትኒ በሊዐ” በለ። 13  የሆዋ ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “እዚ ዝገበርክዮ እንታይ እዩ፧” በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ተመን ስለ ዘታለለኒ እየ በሊዐ” በለት።+ 14  የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ተመን፡+ “እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳ ዘቤትን ካብ ኵሉ እንስሳ መሮርን ርጉም ኢኻ። ብኸብድኻ ኽትከይድ፡ ኣብ ኵለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሓመድ ክትበልዕ ኢኻ። 15  ኣብ መንጎኻን+ ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን፡+ ኣብ መንጎ ዘርእኻን+ ኣብ መንጎ ዘርኣን+ ጽልኢ እተክል ኣለኹ።+ ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፣+ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ”+ በሎ። 16  ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ጻዕሪ ጥንስኺ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፣ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፣ ንሰብኣይኪ ሃረር ክትብልዮ ኢኺ፡ ንሱ እውን ኪመልከኪ እዩ” በላ። 17  ንኣዳም* ከኣ፡ “ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ፡ ካብታ፡ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ድማ ስለ ዝበላዕካ፡+ ብሰርኻ ምድሪ ርግምቲ ትኹን።+ ኵሉ መዓልትታት ህይወትካ፡ ካብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።+ 18  እሾዅን ተዀርባን ከተብቍለልካ እያ፣ ኣትክልቲ መሮር ድማ ክትበልዕ ኢኻ። 19  ካብኣ ኢኻ ተፈጢርካ እሞ፡+ ናብ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ”+ በሎ። 20  ድሕርዚ፡ ኣዳም ንሰበይቱ፡ ኣደ ዅሉ ህያው ስለ እትኸውን፡ ሄዋን* ኢሉ ሰመያ።+ 21  የሆዋ ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ኪኸድኖም ኢሉ ኻብ ቈርበት ነዊሕ ክዳን ገበረሎም።+ 22  የሆዋ ኣምላኽ ከኣ፡ “እንሆ፡ ሰብ ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ ኣሎ።+ ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት+ ወሲዱ ድማ ከይበልዕ፡ ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር፡—” ኢሉ፡ 23  ስለዚ፡ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ+ ምእንቲ ኪዅስኵሳ፡ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ገነት ኤደን+ ኣውጽኦ። 24  ንሰብ ከኣ ሰጐጎ፣ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መገዲ ንምሕላው ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤደን ኪሩቤልን+ ብልሓ ሃልሃል ዚብል እትሽክርከር ሰይፍን ኣቐመጠ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጐራሕ፣ ተንኰለኛ።”
ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”
ትርጉሙ፡ “ምድራዊ ሰብ፣ ሰብ።”
ትርጉሙ፡ “ህያው።”