ዘፍጥረት 50:1-26

  • ዮሴፍ ንያእቆብ ኣብ ከነኣን ቀበሮ (1-14)

  • ዮሴፍ ይቕረታኡ ኣረጋገጸሎም (15-21)

  • ናይ መወዳእታ መዓልታትን ሞትን ዮሴፍ (22-26)

    • ዮሴፍ ብዛዕባ ኣዕጽምቱ ዝሃቦ ትእዛዝ (25)

50  ሽዑ፡ ዮሴፍ ኣብ ኣቦኡ ወዲቑ፡+ ኣብ ልዕሊኡ በኸየ፡ ሰዓሞ ድማ።  ድሕርዚ፡ ዮሴፍ ንገላዉኡ፡ ነቶም ሓካይም፡ ንኣቦኡ ኺለኽይዎ ኣዘዞም።+ እቶም ሓካይም ከኣ ንእስራኤል ለኸይዎ፣  ምሉእ መዓልትታት ምልካይ ከምኡ ነበረ እሞ፡ ምሉእ 40 መዓልቲ ወሰዱ። ግብጻውያን ድማ 70 መዓልቲ በኸዩሉ።  መዓልትታት ሓዘን ምስ ሓለፋ ኸኣ፡ ዮሴፍ ንሰበ ስልጣን ቤተ መንግስቲ ፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ንፈርኦን እዚ መልእኽቲ እዚ ንገሩለይ፦  ‘ኣቦይ፡ “እንሆ፡ ኣነ እመውት ኣለኹ።+ ኣብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝዀዓትክዋ+ መቓብረይ ቅበረኒ”+ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ።+ ሕጂ ኸኣ፡ ደዪበ ንኣቦይ ቀቢረ ኽምለስ፡ በጃኻ ፍቐደለይ።’”  ፈርኦን ድማ፡ “ደይብ እሞ ከምቲ ዘምሓለካ፡+ ንኣቦኻ ቕበሮ” ኢሉ መለሰ።  ዮሴፍ ከኣ ንኣቦኡ ኪቐብሮ ደየበ፣ ኵሎም ገላዉ ፈርኦንን ዓበይቲ+ ቤተ መንግስቱን ኵሎም ዓበይቲ ምድሪ ግብጽን እውን ምስኡ ደየቡ።  ኵሎም ቤተ ሰብ ዮሴፍን ኣሕዋቱን ቤተ ሰብ ኣቦኡን ድማ ደየቡ።+ ቈልዑኦምን ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ጥራይ ኣብ ምድሪ ጎሼን ሓደጉ።  ሰረገላታትን+ ፈረሰኛታትን እውን ምስኡ ደየቡ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ጭፍራ ኸኣ ነበረ። 10  ናብታ ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከኣ መጹ፣ ኣብኣ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕን መሪርን መልቀስ ኣልቀሱ፣ ንሱ ኸኣ ንኣቦኡ ሸውዓተ መዓልቲ ሓዘነሉ። 11  እቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ከነኣናውያን ድማ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ እተገብረ ሓዘን ረኣዩ እሞ፡ “እዚ ዓብዪ ሓዘን ግብጻውያን እዩ” በሉ። ስለዚ፡ ስማ ኣቤል-ሚስራይም* ተባህለ፣ ንሳ ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ ዘላ እያ። 12  ደቁ ድማ ከምቲ ዝኣዘዞም ገበሩሉ።+ 13  ደቁ ናብ ምድሪ ከነኣን ጾይሮም፡ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፡ ኣብታ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ ኣብርሃም ካብ ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ርስቲ መቓብር ክትከውን ዝዓደጋ ግራት ቀበርዎ።+ 14  ዮሴፍ ንኣቦኡ ምስ ቀበሮ፡ ንሱ ምስ ኣሕዋቱን ምስ ኵሎም እቶም ንኣቦኡ ኪቐብሩ ምስኡ ዝደየቡን ናብ ግብጺ ተመልሰ። 15  ኣሕዋት ዮሴፍ ኣቦኦም ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ “ዮሴፍ ይጸልኣና ይኸውን፡ ስለቲ ዝገበርናዮ ዅሉ ኽፉእ ከኣ ይፈድየና ይኸውን” በሉ።+ 16  ንዮሴፍ ድማ ከምዚ ኢሎም ለኣኹሉ፦ “ኣቦኻ ቕድሚ ሞቱ፡ ከምዚ ኢሉ ኣዘዘ፦ 17  ‘ንዮሴፍ፡ “እልምነካ ኣለኹ፡ ኣበሳ ኣሕዋትካን ንዓኻ ብምጕዳእ ዝገበርዎ ሓጢኣትን በጃኻ ሕደገሎም” በልዎ።’ ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ኣበሳ ገላዉ ኣምላኽ ኣቦኻ ሕደገሎም።” ዮሴፍ ከኣ ምስ ተዛረብዎ በኸየ። 18  እቶም ኣሕዋቱ ድማ መጺኦም ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ እሞ፡ “እነና፡ ንሕና ባሮትካ ኢና” በልዎ።+ 19  ዮሴፍ ከኣ፡ “ኣይትፍርሁ። ኣነዶ ኣብ ቦታ ኣምላኽ እየ፧ 20  ንስኻትኩም ክትጐድኡኒ እኳ እንተ ሓሰብኩም፡+ ኣምላኽ ግና ከምዚ ሎሚ ዚገብሮ ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ ንጽቡቕ እዩ ሓሲብዎ።+ 21  ሕጂ ኸኣ ኣይትፍርሁ። ኣነ ንዓኻትኩምን ንቘልዑኹምን ክምግበኩም እየ” በሎም።+ በዚ ኸምዚ፡ ኣጸናንዖም፡ ልቦም ድማ ኣቕሰነሎም። 22  ዮሴፍ ከኣ፡ ንሱ ምስ ቤተ ሰብ ኣቦኡ ኣብ ግብጺ ተቐመጠ። ዮሴፍ ድማ 110 ዓመት ነበረ። 23  ዮሴፍ ከኣ ንደቂ ኤፍሬም+ ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶ፡ ከምኡ ድማ ንደቂ ማኪር+ ወዲ ምናሴ ረኣየ። ንሳቶም ኣብ ኣብራኽ ዮሴፍ ተወልዱ።* 24  ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “ኣነ እመውት ኣለኹ፣ ኣምላኽ ግና ብርግጽ ቈላሕታኡ ኺገብረልኩም እዩ፣+ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ብርግጽ ኬደይበኩም እዩ” በሎም።+ 25  ዮሴፍ ድማ ንደቂ እስራኤል፡ “ኣምላኽ ብርግጽ ቈላሕታኡ ኺገብረልኩም እዩ። ንኣዕጽምተይ ከኣ ካብዚ ኣደይብዎ” ኢሉ ኣምሓሎም።+ 26  ዮሴፍ ድማ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኰነ፡ ሞተ፣ ኣልከይዎ እውን፣+ ኣብ ሳጹን ተገይሩ ኸኣ ኣብ ግብጺ ተነብረ።

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ሓዘን ግብጻውያን።”
ማለት፡ ከም ደቂ ተራእዩን ፍሉይ ሞገስ ተዋህቦምን።