ዘፍጥረት 9:1-29

  • ንዅሎም ደቂ ሰብ እተዋህበ ትእዛዝ (1-7)

    • ሕጊ ብዛዕባ ደም (4-6)

  • ኪዳን ቀስተ ደበና (8-17)

  • ትንቢት ብዛዕባ ዘርኢ ኖህ (18-29)

9  ኣምላኽ ከኣ ንኖህን ንደቁን ባረኾም፡ ከምዚ ድማ በሎም፦ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ።+  ኵሉ ህያው ፍጡር ምድርን ኵሉ በራሪ ፍጡር ሰማያትን ኣብ ምድሪ ዚንቀሳቐስ ዘበለ ዅሉን ኵሉ ዓሳ ባሕርን ድማ ብኣኻትኩም ይፍራህን ይሸበርን። ኣብ ኢድኩም ተዋሂቦም እዮም።+  ዚንቀሳቐስ እንስሳ ዘበለ ዅሉ ህያው፡ ምግቢ ይኹንኩም።+ ከምቲ ለምለም ኣትክልቲ ዝሃብኩኹም፡ ኵላቶም እህበኩም ኣለኹ።+  ግናኸ፡ ስጋ ምስ ህይወቱ፡* ማለት ምስ ደሙ፡+ ኣይትብልዑ።+  ብዘይካዚ፡ ነቲ ህይወትኩም ዝዀነ ደምኩም* ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ህያው ፍጡር ክደልዮ እየ፣ ሓዉ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ህይወት ሰብ ካብ ኢድ ሰብ ክደልያ እየ።+  ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡+ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።+  ንስኻትኩም ከኣ ፍረዩን ተባዝሑን፡ ኣብ ምድሪ ድማ ሰስኑን ተባዝሑን።”+  ኣምላኽ ከኣ ንኖህ፡ ንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ በሎም፦  “እንሆ ኸኣ፡ ምሳኻትኩም፡ ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹም ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ።+ 10  ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡርን* ምስ ኣዕዋፍን ምስ እንስሳታትን ምስ ኵሎም እቶም ምሳኻትኩም ዘለዉ ህያዋን ፍጡራት ምድርን ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ዅሉ ህያው ፍጡር ምድርን እውን ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ።+ 11  እወ፡ ምሳኻትኩም ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ፦ ድሕሪ ደጊም ስጋ* ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይኪጠፍእን እዩ፣ ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ እውን መሊሱ ኣይኪኸውንን እዩ።”+ 12  ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ ከምዚ በለ፦ “ምልክት እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡርን፡* ንውሉድ ወለዶ ዝገብሮ ኺዳን እዚ እዩ። 13  ቀስተ ደበናይ ኣብ ደበና አንብር ኣለኹ፣ ንሱ ድማ ምልክት እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ኪኸውን እዩ። 14  ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸደባኑ ኸለኹ፡ ኣብቲ ደበና፡ ቀስተ ደበና ብርግጽ ኪርአ እዩ። 15  ነቲ ምሳኻትኩምን ምስ ኵሉ ዓይነት ህያው ፍጡር ዘበለን* ዝገበርክዎ ኺዳነይ ከኣ ብርግጽ ክዝክር እየ፣ ንዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ እውን ደጊም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ።+ 16  ቀስተ ደበና ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ኸኣ ብርግጽ ክርእዮ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ዓይነት ህያው ፍጡር ዘበለን* እተገብረ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እውን ክዝክሮ እየ።” 17  ኣምላኽ ከኣ መሊሱ ንኖህ፡ “ምልክት እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ስጋን ዘቘምክዎ ኺዳን እዚ እዩ” በሎ።+ 18  እቶም ካብ መርከብ ዝወጹ ደቂ ኖህ ከኣ፡ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም።+ ካም ድማ ኣቦ ከነኣን ኰነ።+ 19  እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እዮም፣ ካብዚኣቶም ከኣ ኵሎም ህዝቢ ምድሪ መጹ፡ ተበተኑ እውን።+ 20  ኖህ ድማ ሓረስታይ ኪኸውን ጀመረ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ተኸለ። 21  ካብ ወይኒ ምስ ሰተየ ኸኣ ሰኸረ፡ ኣብ ውሽጢ ድንኳኑ ድማ ጥራዩ ዀነ። 22  ካም ኣቦ ከነኣን ከኣ ዕርቃን ኣቦኡ ርእዩ፡ ናብ ግዳም ወጺኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም። 23  ሴምን ያፌትን ድማ ክዳን ወሰዱ እሞ ኣብ መንኵቦም ገይሮም ንድሕሪት ከይዶም፡ ዕርቃን ኣቦኦም ከደኑ። ገጾም ብምምላሶም፡ ዕርቃን ኣቦኦም ኣይረኣዩን። 24  ኖህ ካብ ስኽራን ወይኑ ምስ ተበራበረ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገበሮ ፈለጠ። 25  ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ከነኣን ርጉም ይኹን።+ ንኣሕዋቱ ባርያ ባሮት ይኹን።”+ 26  ከምዚ እውን በለ፦ “የሆዋ፡ ኣምላኽ ሴም ይወደስ፡ከነኣን ድማ ባርያ ሴም* ይኹን።+ 27  ኣምላኽ ንያፌት የስፍሓሉ፡ ኣብ ድንኳናት ሴም ከኣ ይንበር።ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን።” 28  ኖህ ከኣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ 350 ዓመት ነበረ።+ 29  ኵሉ ዕድመ ኖህ 950 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ደም ነፍስኹም።”
ወይ፡ “ነፍስን።”
ወይ፡ “ህያው።”
ወይ፡ “ነፍስን።”
ወይ፡ “ምስ ህያው ነፍሲ ዘበለ ዅሉ ስጋን።”
ወይ፡ “ህያው ነፍሲ ዘበለ ዅሉ ስጋን።”
ቃ.ቃ.፡ “ባርያኡ።”