ኤፌሶን 5:1-33

  • ንጹህ ዘረባን ኣካይዳን (1-5)

  • ከም ደቂ ብርሃን ተመላለሱ (6-14)

  • ብመንፈስ ተመልኡ (15-20)

    • ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ (16)

  • ንሰብኡትን ንኣንስትን እተዋህበ ምኽሪ (21-33)

5  እምበኣር፡ ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ፣+  ከምቲ ክርስቶስ እውን ዘፍቀረና፡*+ ርእሱ ኸኣ ንኣምላኽ ከም ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ ምእንታና* ዘሕለፈ፡+ ብፍቕሪ ተመላለሱ።+  ምንዝርናን* ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ ንቕዱሳት ዚግባእ ስለ ዘይኰነ፡+ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ፣+  ምስጋና እምበር፡+ ዜሕፍር ተግባር ኰነ፡ ዘረባ ዕሽነት ኰነ፡ ወይስ ጽዩፍ ዋዛ፡ ማለት ዘይግባእ ነገራት ኣባኻትኩም ኣይሰማዕ።+  ከመይሲ፡ ኣመንዝራ* ዘበለ፡+ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡+ ንሱ ድማ ኣምላኺ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ትፈልጡን ተስተውዕሉን ኢኹም።+  ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ቓላት ኣየታልልኩም።  እምበኣር፡ መኻፍልቶም ኣይትኹኑ፣  ከመይሲ፡ ሓደ እዋን ጸልማት ኔርኩም ኢኹም፡ ሕጂ ግና ምስ ጐይታ ብዘሎኩም ሓድነት+ ብርሃን ኢኹም።+ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ፣  ፍረ ብርሃንሲ፡ ኵሉ ሰናይን* ጽድቅን ሓቅን እዩ።+ 10  ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ፣+ 11  እንታይነቶም ኣቃልዕዎም ደኣ እምበር፡ ደጊም ኣብቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትካፈሉ።+ 12  እቲ ብሕቡእ ዚገብርዎ ነገርሲ ንምዝራቡ እኳ ዜሕፍር እዩ። 13  እቲ ዚግሃድ ዘበለ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ዚቕላዕ* በቲ ብርሃን ይግሃድ እዩ። 14  ስለዚ እዩ፡ “ኣታ ደቃሲ፡ ንቓሕ እሞ ኻብ ምዉታት ተንስእ፡+ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ”+ ዚብሃል። 15  እምበኣር፡ ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት* ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ 16  ቅንያቱ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።*+ 17  ስለዚ፡ ፍቓድ የሆዋ* እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣስተውዕሉ እምበር፡+ ደጊም ዓያሹ ኣይትኹኑ። 18  ብዘይካዚ፡ ብመንፈስ ተመልኡ እምበር፡ ናብ ዝርጋን* ስለ ዜብጽሕ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ።+ 19  ብልብኹም ንየሆዋ*+ እናዘመርኩምሉን+ እናኣዜምኩምሉን፡+ ብመዝሙርን ብውዳሰ ኣምላኽን ብመንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተዛራረቡ።* 20  ኵሉ ሳዕ ድማ ንኣምላኽናን ኣቦናን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣመስግንዎ።+ 21  ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ ተገዛዝኡ።+ 22  ኣንስቲ ንሰብኡተን ከም ንጐይታ ገይረን ይገዝኣኦም፣+ 23  ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ ዝዀነ፡+ ነዚ ሰብነቱ እዚ እውን ዘድሓኖ፡ ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ።+ 24  ከምቲ እታ ጉባኤ ንክርስቶስ እትግዝኦ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይገዝኣኦም። 25  ኣቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤ ዘፍቀራን ርእሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ዝሃበን፡+ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ፣+ 26  ንሱ በቲ ቓል ገይሩ ብማይ ብምሕጻብ ኣጽርዩ ምእንቲ ኪቕድሳ፡+ 27  ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይብላ፡+ ቅድስትን ብዘይ ኣበርን ክብርቲ ጉባኤ ገይሩ ንርእሱ ምእንቲ ኬቕርባ እዩ ኸምኡ ዝገበረ።+ 28  ሰብኡት እውን ከምኡ፡ ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር፣ 29  ከመይሲ፡ ሰብ ንሰብነቱ* ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን፣ ክርስቶስ እውን ነታ ጉባኤኡ ኸምኡ እዩ ዚገብረላ፣ 30  ምኽንያቱ፡ ኣካላት ሰብነቱ ኢና።+ 31  “ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡* ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ።”+ 32  እዚ ቕዱስ ምስጢር+ እዚ ዓብዪ እዩ። ኣነ ኸኣ ብዛዕባ ክርስቶስን እታ ጉባኤን እዛረብ ኣለኹ።+ 33  ዝዀነ ዀይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣+ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዘፍቀረኩም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ምእንታኹም” ኪኸውን ይኽእል።
ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ወይ፡ “ሕያውነትን።”
ወይ፡ “ዚግናሕ።”
ወይ፡ “ጥበበኛታት።”
ወይ፡ “ግዜ ዓድጉ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ስድነት።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ምስ ገዛእ ርእስኹም ተዛረቡ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ንስጋኡ።”
ወይ፡ “ይነብር።”