ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መስዋእቲ የሱስ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

መስዋእቲ የሱስ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መስዋእቲ የሱስ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዜድሕነሉ መገዲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ፡ ከም ዋጋ በጃ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (ኤፌሶን 1:7፣ 1 ጴጥሮስ 1:18, 19) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ የሱስ፡ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ከም ዝመጸ እተዛረበ።—ማቴዎስ 20:28

“ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

 እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝነበረ ኣዳም ኪፍጠር ከሎ ፍጹም፡ ማለት ብዘይ ሓጢኣት እዩ ነይሩ። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እኳ እንተ ነበሮ፡ ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዞ ነቲ ተስፋኡ ኣጥፍኦ። (ዘፍጥረት 3:17-19) ውሉዳት ምስ ወለደ ኸኣ፡ ሓጢኣት ኣውረሶም። (ሮሜ 5:12) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዳም ንገዛእ ርእሱን ንደቁን ናብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ከም ‘ዝሸጠ’ ዚገልጽ። (ሮሜ 7:14) ደቂ ኣዳም ፍጹማት ስለ ዘይኰኑ፡ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ነቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ነገር ዋጋ በጃ ኸፊሉ ኺመልሶ ዚኽእል የልቦን።—መዝሙር 49:7, 8

 ኣምላኽ፡ ዘርኢ ኣዳም መዋጽኦ ኣብ ዘይብሉ ዅነታት ከም ዝኣተዉ ምስ ረኣየ፡ ራሕርሓሎም። (ዮሃንስ 3:16) ይኹን እምበር፡ ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዘለዎ መለክዒ ፍትሒ፡ ብዘይ ብቑዕ መሰረት ንሓጢኣቶም ስቕ ኢሉ ዕሽሽ ኪብሎ ወይ መመኽነይታ ኬቕርበሉ ኣይግባእን እዩ። (መዝሙር 89:14፣ ሮሜ 3:23-26) ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ስለ ዜፍቅሮም፡ ሓጢኣቶም ይቕረ ኺብሃለሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጠሪሱ ሓጢኣቶም ኪውገድ ዜኽእል ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ነገር ገበረ። (ሮሜ 5:6-8) እቲ ሕጋዊ መሰረት ድማ በጃ እዩ።

እቲ በጃ ብኸመይ እዩ ዚዓዪ፧

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “በጃ” እትብል ቃል ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ነገራት ተጠቓልል፦

  1.   ክፍሊት እዩ።—ዘሁልቍ 3:46, 47

  2.   ብጀዋ ወይ ሓርነት የምጽእ እዩ።—ዘጸኣት 21:30

  3.   ምስ ዋጋ እቲ ዚኽፈል ነገር ይመዓራረ እዩ። a

 እዚ ነጥብታት እዚ፡ ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ብኸመይ ከም ዚውዕል እስከ ንርአ።

  1.   ክፍሊት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናት ‘ብዋጋ ኸም እተዓደጉ’ ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:20፣ 7:23) እቲ ዋጋ፡ ደም የሱስ እዩ፣ የሱስ ድማ ብእኡ ኣቢሉ፡ ‘ካብ ብዘሎ ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲጉ እዩ።’—ራእይ 5:8, 9

  2.   ብጀዋ። መስዋእቲ የሱስ ካብ ሓጢኣት ‘ይብጀወና’ እዩ።—1 ቈረንቶስ 1:30፣ ቈሎሴ 1:14፣ እብራውያን 9:15

  3.   ተመዓራራዪ። መስዋእቲ የሱስ ምስቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ይመዓራረ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:21, 22, 45, 46) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብ [ ኣዳም] ብዙሓት ሓጥኣን ዝዀኑ፡ ከምኡ ድማ ብተኣዛዝነት እቲ ሓደ [የሱስ ክርስቶስ]፡ ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም” ይብል። (ሮሜ 5:19) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሳላ ሞት ሓደ ሰብ ብኸመይ ንብዙሓት ሓጥኣን በጃ ኸም እተኸፍለ እያ እትገልጽ። እወ፡ መስዋእቲ የሱስ ንዅሎም እቶም ካብቲ የሱስ ዝኸፈሎ ንምጥቃም ኣገዳሲ ስጕምቲ ዚወስዱ ሰባት ዚኸውን “ተመዓራራዪ በጃ” እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6

a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን “በጃ” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ በዅሪ ቓላት፡ ንዚኽፈል ዋጋ ወይ ነገር እየን ዜመልክታ። ንኣብነት፡ እታ ካፋር እትብል ናይ እብራይስጢ ግሲ፡ ምኽዳን ወይ ምሽፋን ማለት እያ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ንሓጢኣት ምኽዳን ወይ ምሽፋን እያ እተመልክት። (መዝሙር 65:3) እታ ምስኣ እትዛመድ ኮፈር እትብል ስም ከኣ፡ ነቲ ንሓጢኣት ንምኽዳን ወይ ንምኽሓስ ዚኽፈል ዋጋ እያ እተመልክት። (ዘጸኣት 21:30) ብተመሳሳሊ፡ እታ ሊትሮን እትብል መብዛሕትኡ እዋን “በጃ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ዋጋ በጃ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። (ማቴዎስ 20:28ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ስፒች፡ ብሪቻርድ ፍራንሲስ ወይ ማውዝ) ጸሓፍቲ ግሪኽኛ ነታ ቓል እቲኣ፡ ንእሱራት ውግእ ወይ ንባርያ ናጻ ንምውጻእ ንዚኽፈል ዋጋ ንምምልካት ይጥቀሙላ እዮም።