ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ምትሕንፋጽ እምነት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ምትሕንፋጽ እምነት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

 ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን፡ ምስ ኣባላት ኵለን ሃይማኖታት ብዛዕባ እምነት ምምይያጥ የሐጕሰና እዩ። ይኹን እምበር፡ ካልእ እምነት ምስ ዘለዎም ሰባት ሓቢርና ኸነምልኽ ኢልና፡ እምነት ኣይንሓናፍጽን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት “ፍጹም ሓድነት” ከም ዘለዎም እዩ ዚገልጽ፣ እዚ ሓድነት እዚ ኸኣ ሕደ እምነት ዘሎካ ኣብ ምዃን እተመስረተ እዩ። (ኤፌሶን 4:16፣ 1 ቈረንቶስ 1:10፣ ፊልጲ 2:2) እዚ ድማ በቲ ኸም ፍቕርን ድንጋጽን ይቕረ ምባልን ዝኣመሰለ ባህርያት ምስምማዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ። ሃይማኖታዊ እምነታትና ኣብ ልክዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ፣ ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ እምነትና ኸንቱ ምዀነት ነይራ።—ሮሜ 10:2, 3

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካልእ እምነት ምስ ዘለዎም ሰባት ሓቢርካ ምምላኽ ምስ ኣብ ዘይመጣጠን ኣርዑት ምጽማድ እዩ ዜመሳስሎ፣ እዚ ኸኣ ንእምነት ሓደ ክርስትያን ዚጐድእ እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:14-17) ስለዚ ድማ እዩ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እምነት ኪሓናፍጹ ዘይፈቐደሎም። (ማቴዎስ 12:30፣ ዮሃንስ 14:6) ብተመሳሳሊ፡ እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ፡ ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ምስቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ ህዝቢ ሓቢሮም ከየምልኹ ዚኽልክል እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 34:11-14) እሙናት እስራኤላውያን፡ ካልእ እምነት ምስ ዘለዎም ሰባት ሃይማኖታዊ ኺዳን ከም ዚምስርቱ ኺገብር ንዚኽእል ዝነበረ ዝቐረበሎም ሓገዝ ነጺጎምዎ እዮም።—እዝራ 4:1-3

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካልእ እምነት ምስ ዘለዎም ሰባት ይዛራረቡ ድዮም፧

 እወ። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ንኣተሓሳስባን ንእምነትን “መብዛሕትኦም” ሰባት ክንርዳእ ንደሊ ኢና። (1 ቈረንቶስ 9:19-22) ክንዛራረብ ከለና ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንኻልእ ሰብ ‘ብዙሕ ኣኽብሮት’ ከነርኢ ኸም ዘሎና ዚገልጽ ምኽሪ ኽንትግብሮ ልባዊ ጻዕሪ ንገብር ኢና።—1 ጴጥሮስ 3:15