ዮሃንስ 14:1-31

  • የሱስ፡ ናብ ኣቦ እንቐርበሉ ሓደ በይኑ መገዲ (1-14)

    • “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” (6)

  • የሱስ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚውሃብ ኣተስፈወ (15-31)

    • “ካባይ ኣቦ ይዓቢ” (28)

14  “ልብኹም ኣይረበሽ።+ ብኣምላኽ እመኑ፡+ ብኣይ እውን እመኑ።  ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ። እንተ ዘይህሉስ፡ ምነገርኩኹም ነይረ፣ ቦታ ኸዳልወልኩምሲ እኸይድ ኣለኹ።+  ከይደ ቦታ ዘዳልወልኩም ካብ ኰንኩ፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩም እውን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ተመሊሰ ኽመጽእን ናባይ ክወስደኩምን እየ።+  እቲ ዝኸዶ እውን፡ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም።”  ቶማስ+ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና። ነቲ መገዲ ኸመይ ጌርና ኽንፈልጦ ንኽእል፧” በሎ።  የሱስ ከኣ፡ “መገድን+ ሓቅን+ ህይወትን ኣነ እየ።+ ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።+  ንዓይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ንኣቦይ እውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ትፈልጥዎ ኢኹም፡ ርኢኹምዎ እውን ኣለኹም” በሎ።+  ፊልጶስ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንኣቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና” በሎ።  የሱስ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ፊልጶስ፡ ክንድዚ ዚኣክል ግዜ ምሳኻትኩም ከለኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፧ እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ።+ ከመይ ኢልካኸ፡ ‘ንኣቦ ኣርእየና’ ትብል ኣለኻ፧ 10  ኣነ ምስ ኣቦይ ሓድነት ከም ዘሎኒ፡ ኣቦ እውን ምሳይ ሓድነት ከም ዘለዎ ኣይትኣምንን ዲኻ፧+ እቲ ምሳይ ሓድነት ዘለዎ ኣቦ ደኣ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እቲ ንዓኻትኩም ዝነግረኩም፡ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ።+ 11  ኣነ ምስ ኣቦ ሓድነት ከም ዘሎኒ፡ ኣቦ እውን ምሳይ ሓድነት ከም ዘለዎ እመኑኒ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እመኑ።+ 12  ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ስለ ዘለኹ፡+ እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ ንሱ እውን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ኪገብር እዩ፣ ካብዚ ዚዓቢ ግብርታት እውን ኪገብር እዩ።+ 13  ኣቦ ብወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኽገብረልኩም እየ።+ 14  ብስመይ ገለ እንተ ለሚንኩም፡ ክገብሮ እየ። 15  “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ክትሕልዉ ኢኹም።+ 16  ኣነ ኸኣ ንኣቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚኸውን ካልእ ሓጋዚ* ኺህበኩም እዩ፣+ 17  እዚ ኸኣ እቲ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ብምዃና፡+ ክትቅበሎ ዘይትኽእል መንፈስ ሓቂ እዩ።+ ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ስለ ዚሓድርን ኣባኻትኩም ስለ ዘሎን፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። 18  ኣብ ሓዘን* ኣይክሓድገኩምን እየ። ክመጸኩም እየ።+ 19  ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ፣ ንስኻትኩም ግና፡ ኣነ ህያው ስለ ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩም እውን ህያዋን ስለ እትዀኑ፡ ክትርእዩኒ ኢኹም።+ 20  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣነ ምስ ኣቦይ ሓድነት ከም ዘሎኒ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ ሓድነት ከም ዘሎኩም፡ ኣነ እውን ምሳኻትኩም ሓድነት ከም ዘሎኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።+ 21  እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። እቲ ዜፍቅረኒ ድማ፡ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፣ ኣነ ኸኣ አፍቅሮ፡ ርእሰይ እውን እገልጸሉ እየ።” 22  እቲ ኣስቆሮታዊ ዘይኰነ ይሁዳ+ ድማ፡ “ጐይታይ፡ እንታይ ስለ ዝዀነ ኢኻ ርእስኻ ንዓለም ዘይኰነስ፡ ንዓና ኽትገልጽ ዝሓሰብካ፧” በሎ። 23  የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፣+ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ እዩ፣ ናብኡ እውን ክንመጽእ፡ ምስኡ ኸኣ ክንነብር ኢና።+ 24  እቲ ዘየፍቅረኒ፡ ቃለይ ኣይሕሉን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ቃል ከኣ፡ ናይቲ ዘለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።+ 25  “ገና ምሳኻትኩም ከለኹ፡ እዚ ነጊረኩም ኣለኹ። 26  እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ ሓጋዚ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ እውን ኬዘክረኩም እዩ።+ 27  ሰላም እሓድገልኩም፡ ሰላመይ እውን እህበኩም ኣለኹ።+ ከምቲ ዓለም እትህቦ ገይረ ኣይኰነን ዝህበኩም። ልብኹም ኣይረበሽ፡ ኣይፍራህ ከኣ። 28  ‘ኣነ ክኸይድ፡ ናባኻትኩም እውን ክምለስ እየ’ ኸም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም ኣለኹም። ካባይ ኣቦ ይዓቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦ ብምኻደይ ምተሓጐስኩም ኔርኩም።+ 29  ሕጂ ድማ፡ ምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ነጊረኩም ኣለኹ።+ 30  ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ+ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይክዛረብን እየ። ንሱ ኣባይ ዋላ ሓንቲ ስልጣን የብሉን።*+ 31  ግናኸ፡ ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ እውን ከም ዝገብር፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ከምኡ እገብር ኣለኹ።+ ተንስኡ፡ ካብዚ ንኺድ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መጸናንዒ።”
ወይ፡ “ዘኽታማት ኴንኩም።”
ወይ፡ “ጽልዋ የብሉን።”