ዮሃንስ 16:1-33

  • ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪቕተሉ ይኽእሉ (1-4ሀ)

  • መንፈስ ቅዱስ ዚገብሮ ነገር (4ለ-16)

  • ጓሂ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ሓጐስ ኪልወጥ እዩ (17-24)

  • የሱስ ንዓለም ሰዓራ (25-33)

16  “ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ እተዛረብኩኹም።  ካብ ምኵራቦም ኬውጽኡኹም እዮም።+ አረ ዚቐትለኩም ዘበለስ+ ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ሰዓት ክትመጽእ እያ።  ንኣቦን ንዓይን ስለ ዘይፈለጡና፡ እዚ ኺገብሩ እዮም።+  ግናኸ፡ እዚ ዚገብሩላ ሰዓት ምስ ኣኸለት፡ ኣነ ኸም ዝነገርኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ፡ እዚ ተዛረብኩኹም።+ “ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ፡ እዚ ኣብ መጀመርታ ኣይነገርኩኹምን።  ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣለኹ፣+ ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ‘ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧’ ኢሉ ኣይሓተተንን።  እዚ ስለ እተዛረብኩኹም ግና፡ ልብኹም ብጓሂ መሊኡ ኣሎ።+  ግናኸ፡ ሓቂ እነግረኩም ኣለኹ፣ ምኻደይ ንጥቕምኹም እዩ። እንተ ዘይከይደስ፡ እቲ ሓጋዚ+ ናባኻትኩም ኣይኪመጽእን እዩ፣ እንተ ኸይደ ግና፡ ንዕኡ ኽሰድደልኩም እየ።  ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ፦  ፈለማ፡ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ፡+ ብዛዕባ ሓጢኣት፣+ 10  ቀጺሉ፡ ኣነ ናብ ኣቦ እኸይድ ስለ ዘለኹን ደጊም ስለ ዘይትርእዩንን፡ ብዛዕባ ጽድቂ፣ 11  ድሕሪኡ፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ፡ ብዛዕባ ፍርዲ።+ 12  “ገና ብዙሕ ዝነግረኩም ኣሎኒ፣ ግናኸ፡ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 13  እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡+ ንሱ* ዚሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ናብ ኵሉ ሓቂ ኺመርሓኩም፡ ነቲ ዚመጽእ እውን ኪነግረኩም እዩ።+ 14  ንሱ ኻባይ ተቐቢሉ፡ ንዓኻትኩም ስለ ዚነግረኩም፡+ ንዓይ ኬኽብረኒ እዩ።+ 15  እቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ዅሉ፡ ናተይ እዩ።+ ስለዚ እየ ኻባይ ተቐቢሉ፡ ንዓኻትኩም ከም ዚነግረኩም እተዛረብኩ። 16  ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፣+ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም።” 17  ሽዑ፡ ገለ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ “እዚ፡ ‘ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፣ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም’ ድማ ‘ናብ ኣቦ እኸይድ ስለ ዘለኹ’ ዝበለናስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧” ተባሃሃሉ። 18  ስለዚ፡ “‘ቍሩብ ግዜ’ ኺብል ከሎስ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ኣይፈለጥናን” ይብሉ ነበሩ። 19  የሱስ ከኣ ኪሓትትዎ ይደልዩ ኸም ዝነበሩ ፈሊጡ ኸምዚ በሎም፦ “‘ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፣ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም’ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትተሓታተቱ ኣለኹም፧ 20  ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ከተልቅሱን ኢኹም፡ ዓለም ግና ክትሕጐስ እያ፣ ንስኻትኩም ክትጕህዩ ኢኹም፡ ጓሂኹም ግና ናብ ሓጐስ ኪልወጥ እዩ።+ 21  ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ግዜኣ ስለ ዝኣኸለ ትጕሂ እያ፣ ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሓጒሳ ነቲ ጸበባኣ ኣይትዝክሮን እያ። 22  እምበኣር፡ ንስኻትኩም እውን ሕጂ ጓሂ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፣ ልብኹም እውን ኪሕጐስ እዩ፣+ ሓጐስኩም ድማ ካባኻትኩም ዚወስዶ የልቦን። 23  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓንቲ እኳ ኣይክትሓትቱንን ኢኹም። ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንኣቦ ብስመይ+ ዝለመንኩምዎ ዘበለ+ ኺህበኩም እዩ። 24  ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ለምኑ እሞ ኽትረኽቡ ኢኹም። 25  “እዚ ብምሳሌታት ተዛረብኩኹም። ብዛዕባ ኣቦ ብግልጺ ዝነግረላ እምበር፡ ደጊም ብምሳሌታት ዘይዛረበላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ። 26  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፣ እዚ ኽብል ከለኹ፡ ኣነ ብዛዕባኹም ንኣቦ ኽልምኖ ማለተይ ኣይኰነን። 27  ከመይሲ፡ ንስኻትኩም ንዓይ ስለ ዝፈቶኹምንን+ ወኪል ኣምላኽ ኰይነ ኸም ዝመጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን፡+ ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ። 28  ወኪል ኣቦ ዀይነ መጺአ ናብ ዓለም መጺአ ኣለኹ። ንዓለም ሓዲገ ድማ፡ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣለኹ።”+ 29  ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ሕጂ ብግልጺ ትዛረብ ኣለኻ፡ ብምሳሌታት ከኣ ኣይትዛረብን ኣለኻ። 30  ኵሉ ኸም እትፈልጥን ሓደ እኳ ኺሓትተካ ኸም ዘየድልየካን፡ ሕጂ ፈሊጥና። በዚ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ ንኣምን ኢና” በልዎ። 31  የሱስ ከኣ፡ “ሕጂዶ ኣሚንኩም፧ 32  እንሆ፡ ኵላትኩም ነናብ ቤትኩም ፋሕ እትብሉላ፡ ንበይነይ እውን እትሓድጉኒ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡+ መጺኣ እኳ ኣላ። ግናኸ፡ ኣቦይ ምሳይ ስለ ዝዀነ፡ በይነይ ኣይኰንኩን።+ 33  ብኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እየ እዚ ዝነገርኩኹም።+ ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ኢሉ መለሰሎም።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ፍ. 13ን 14ን “ንሱ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ፍ. 7 “ሓጋዚ” ተባሂሉ ዘሎ እዩ ዜመልክት። የሱስ ነቲ ብርእሱ ዘይሓስብ ሓይሊ (ብግሪኽኛ ጾታ ኣልቦ) ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ከም ሰብ ገይሩ “ሓጋዚ” (ብግሪኽኛ ተባዕታይ ጾታ) ብምባል ተዛሪቡሉ ኣሎ።