ዮሃንስ 11:1-57

  • ሞት ኣልኣዛር (1-16)

  • የሱስ ንማርታን ንማርያምን ኣጸናንዐን (17-37)

  • የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ (38-44)

  • ንየሱስ ንምቕታል እተኣልመ ውዲት (45-57)

11  ኣብ ቢታንያ፡ ኣብታ ቝሸት ማርያምን ሓብታ ማርታን፡ ኣልኣዛር ዚብሃል ሰብኣይ ሓሚሙ ነበረ።+  ማርያም፡ እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶን ብጸጕሪ ርእሳ ኣእጋሩ ዝደረዘቶን እያ፣+ እቲ ዝሓመመ ኣልኣዛር ከኣ ሓዋ እዩ።  ሽዑ፡ እተን ኣሓቱ፡ “ጐይታይ፡ እንሆ እቲ እትፈትዎስ፡ ሓሚሙ ኣሎ” ኢለን ናብ የሱስ ለኣኻ።  የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ ግና፡ “እዚ ሕማም እዚ፡ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን” በለ።+  የሱስ ድማ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ።  ኣልኣዛር ምሕማሙ ምስ ሰምዐ ግና፡ ኣብታ ዝነበራ ቦታ ኽልተ መዓልቲ ወዓለ።  ድሕርዚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ደጊም ናብ ይሁዳ ንኺድ” በሎም።  ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “መምህር፡*+ ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡+ መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧” በልዎ።  የሱስ ድማ፡ “ኣብ መዓልትስ 12 ሰዓት ደይኰነን ዘሎ፧+ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዚርኢ፡ ኣይዕንቀፍን እዩ። 10  እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዘይብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ” በሎም። 11  እዚ ምስ ተዛረበ፡ “ኣልኣዛር ዓርክና ደቂሱ ኣሎ፣+ ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ” በሎም። 12  ሽዑ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ” በልዎ። 13  ግናኸ፡ የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ። ንሳቶም ግና ብዛዕባ ድቃስ ዕረፍቲ እተዛረበ መሰሎም። 14  ሽዑ፡ የሱስ ብግልጺ፡ “ኣልኣዛር ሞይቱ፣+ 15  ኣነ ድማ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ኣብኡ ብዘይምንባረይ፡ ብዛዕባኹም እሕጐስ ኣለኹ። ግናኸ፡ ናብኡ ንኺድ” በሎም። 16  ስለዚ፡ እቲ ማንታ ዚብሃል ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቲ፡ “ንሕና እውን ምስኡ ኽንመውትሲ፡ ንኺድ” በሎም።+ 17  የሱስ ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ኣልኣዛር ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦ። 18  ቢታንያ ኻብ የሩሳሌም ኣስታት ሰለስተ ኪሎ ሜተር* ብምንባራ፡ ቀረባ ነበረት። 19  ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ድማ፡ ብዛዕባ ሓወን ኬጸናንዕወን፡ ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ። 20  ማርታ ኸኣ የሱስ ይመጽእ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐት፡ ክትረኽቦ ኸደት፣ ማርያም+ ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት። 21  ሽዑ፡ ማርታ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ። 22  ግናኸ፡ ሕጂ እውን እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ፡ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ እየ” በለቶ። 23  የሱስ ድማ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” በላ። 24  ማርታ ኸኣ፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ” በለቶ።+ 25  የሱስ ድማ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ።+ እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ እንተ ሞተ እኳ፡ ህያው ኪኸውን እዩ፣ 26  ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ኵሉ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪመውትን እዩ።+ ነዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧” በላ። 27  ንሳ ድማ፡ “እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ ኣለኹ” በለቶ። 28  እዚ ምስ በለት፡ ከይዳ ንማርያም ሓብታ ሰላሕ ኢላ፡ “መምህር+ መጺኡ፡ ይጽውዓኪ እውን ኣሎ” ኢላ ጸውዓታ። 29  ንሳ እዚ ምስ ሰምዐት፡ ቀልጢፋ ተንስአት፡ ናብኡ እውን ከደት። 30  የሱስ ኣብታ ማርታ ዝረኸበቶ ቦታ ጸንሐ እምበር፡ ናብታ ቝሸት ገና ኣይኣተወን ነበረ። 31  እቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ማርያም ቀልጢፋ ምትንሳኣን ምውጻኣን ምስ ረኣዩ፡ ናብ መቓብር+ ከይዳ ኣብኡ እትበኪ መሲልዎም ሰዓብዋ። 32  ማርያም ድማ ናብታ የሱስ ዝነበራ ቦታ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። 33  ሽዑ፡ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድ እውን ኪበኽዩ ኸለዉ ምስ ረኣየ፡ ብውሽጡ* እህህ በለ፡ ተረበሸ ኸኣ። 34  “ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧” ድማ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንዓ እሞ ርአ” በልዎ። 35  የሱስ ነብዐ።+ 36  ሽዑ፡ ኣይሁድ፡ “ርኣዩ፡ ክንደይ ይፈትዎ ነይሩ!” በሉ። 37  ገሊኣቶም ግና፡ “እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ፡+ ነዚ እውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን ነይሩ፧” በሉ። 38  ሽዑ፡ የሱስ ከም ብሓድሽ ብውሽጡ እህህ በለ፡ ናብቲ መቓብር እውን መጸ። እቲ መቓብር ከኣ ብእምኒ እተዓጽወ በዓቲ ነበረ። 39  የሱስ ድማ፡ “ነዚ እምኒ ኣልግስዎ” በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ጨንዩ ኪኸውን ኣለዎ” በለቶ። 40  የሱስ ድማ፡ “እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምረኣኺዶ ኣይበልኩኽን፧” በላ።+ 41  ሽዑ፡ ነቲ እምኒ ኣልገስዎ። የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ፡+ “ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣለኹ። 42  እዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓንስ፡ ፈሊጠ ኣለኹ” በለ።+ 43  እዚ ምስ በለ፡ “ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።+ 44  እቲ ሞይቱ ዝነበረ ኸኣ፡ ኣእጋሩን ኣእዳዉን ብመግነዝ ተገኒዙ፡ ገጹ እውን ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም። 45  ሽዑ፡ ናብ ማርያም ዝመጹን ነቲ ንሱ ዝገበሮ ዝረኣዩን ብዙሓት ካብ ኣይሁድ፡ ብእኡ ኣመኑ፣+ 46  ገሊኣቶም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። 47  ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ብዙሕ ትእምርትታት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧+ 48  ከምዚ እንተ ሓዲግናዮ፡ ኵላቶም ብእኡ ኺኣምኑ እዮም፣ ሮማውያን መጺኦም ድማ ቦታናን* ህዝብናን ኪወስዱ እዮም” በሉ። 49  ሓደ ኻባታቶም፡ ቀያፋ+ ዚብሃል በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ግና፡ “ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣ 50  ብዘሎ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእሲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚጠቕመኩም ኣይትሓስቡን ኢኹም” በሎም። 51  ግናኸ፡ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ስለ ዝነበረ፡ የሱስ ምእንቲ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ደኣ እዩ ተነብዩ እምበር፡ እዝስ ካብ ርእሱ ኣይኰነን ኢልዎ፣ 52  ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽ እውን ናብ ሓደ ምእንቲ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ ምእንቲ እቲ ህዝቢ እቲ ጥራይ ኣይኰነን። 53   ስለዚ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኣትሒዞም፡ ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ። 54  በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሱስ ካብኡ ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ በረኻ ዘሎ ሃገር፡ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ እምበር፡+ ድሕርዚ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ብግህዶ ኣይተመላለሰን፣ ኣብኡ ኸኣ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸንሐ። 55  ፋስጋ+ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ፣ ብዙሓት ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ኬንጽሁ፡ ካብ ገጠር ናብ የሩሳሌም ደየቡ። 56  ሽዑ፡ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ፣ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ከኣ፡ “እንታይ ይመስለኩም፧ ናብዚ በዓል እዚ ደዀን ኣይመጽእን፧” ተባሃሃሉ። 57   ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ግና፡ ንየሱስ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ዝፈለጠ እንተሎ፡ ኪሕብር ኣዚዞም ነበሩ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ረቢ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣስታት 15 ስታድያ።” ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ብመንፈሱ።”
ማለት፡ ቤተ መቕደስ።