ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ኣብ ህይወተይ ዝረኸብክዎ ብሉጽ ሽልማት

ኣብ ህይወተይ ዝረኸብክዎ ብሉጽ ሽልማት
  • ዓመተ ልደት 1967

  • መበቈል ሃገር ፊንላንድ

  • ታሪኽ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ተኒስ

ሕሉፍ ህይወተይ

 ኣብቲ ጸጥታ ዝሰፈኖ ልሙዕ ወሰናስን ከተማ ታምፐሬ፡ ፊንላንድ እየ ዓብየ። ስድራ ቤተይ ክንድቲ ሃይማኖተኛታት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ትምህርትን ስነ ስርዓትን ግና ይፈትዉ ነይሮም እዮም። ኣደይ ጀርመናዊት እያ፣ ንእሽቶ ኸለኹ ኸኣ፡ ሓሓሊፈ ናብቲ እንዳ ኣቦሓጎይ ዚነብሩሉ ምዕራብ ጀርመን እኸይድ ነይረ።

 ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ስፖርት እፈቱ ነይረ እየ። ብቝልዕነተይ ኵሉ ዓይነት ስፖርት እጻወት ነይረ እየ፣ ወዲ 14 ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ ግና፡ ኣብ ተኒስ ከተኵር ወሲነ። ወዲ 16 ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ፡ ኣብ መዓልቲ ኽልተ ወይ ሰለስተ ሳዕ ልምምድ እገብር ነይረ፡—ክልተ ናይ ፕሮፈሽናል ልምምድ እገብር እሞ፡ ምሸት ባዕለይ እለማመድ ነይረ። እቲ ጸወታ እተፈላለየ መዳያት ስለ ዝነበሮ ይምስጠኒ ነይሩ፣ ጸወታ ተኒስ ብኣእምሮኣውን ብኣካላውን መዳይ ንርእሰይ ዝፍትነሉ እዩ ነይሩ። ምስ ኣዕሩኸይ ግዜ ምሕላፍን ሓሓሊፈ ቢራ ምስታይን እፈቱ ነይረ እየ። ይኹን እምበር፡ ናይ ሓሽሽ ወይ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ጸገም ኣይነበረንን። ህይወተይ ኣብ ተኒስ ዘተኰረ እዩ ነይሩ፣ ንዕኡ እየ ቐዳምነት ዝህብ ነይረ።

 ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ዙር ግጥም ኤ.ቲ.ፒ. ኽጻወት ጀመርኩ። a ሓያሎ ዙር ምስ ሰዓርኩ፡ ሃገራዊ ተፈላጥነት ረኸብኩ። ወዲ 22 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ፡ ኣብ ዓለም ሓደ ኻብቶም ብሉጻት 50 ተጻዋታይ ኰንኩ።

 ንሓያሎ ዓመታት፡ ፕሮፈሽናል ተኒስ እናተጻወትኩ ኣብ ብዘላ ዓለም እዘውር ነይረ። ማራኺ ቦታታት ርእየ እየ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ዓለም ከም ዓመጻን ምውሳድ ሓሽሽን ኣከባብያዊ ጕዳያትን ዝኣመሰለ ብዙሕ ጸገማት ከም ዘሎ ኽፈልጥ ክኢለ እየ። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ ገሊኡ ኸተማታት ኣብ ዚርከብ ገሊኡ ቦታታት ብዙሕ ገበን ስለ ዘሎ፡ ናብኡ ኸይንኸይድ ተነጊሩና ነይሩ። እዚ ዅሉ ይርብሸኒ ነይሩ እዩ። ዝፈትዎ ስራሕ እሰርሕ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣማስያኡ ውሽጠይ ባዶ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ሽዑ፡ ዓርከይ ዝነበረት ሳና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ሃይማኖተኛ ዀይና ምስ ረኣኽዋ ኣስሒቑኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ንመጽናዕታ ግና ኣይተቓወምክዋን። ብ1990 ከኣ ተመርዓና፣ ንዓመታኡ ድማ ንሳ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠምቀት። ኣነ ግና፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ እኣምን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ገዛእ ርእሰይ ከም ሃይማኖተኛ ገይረ ርእየ ኣይፈልጥን እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጀርመናዊት ዝዀነት ዓባየይ ብዙሕ ሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ከም ዝነበረት ትዝ በለኒ፣ ብዛዕባ ጸሎት እውን ምሂራትኒ ነይራ እያ።

 ሓደ መዓልቲ፡ ኣነን ሳናን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ክንበጽሖም ከለና፡ እቲ ካሪ ዝስሙ ሰብኣይ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚገልጽ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየኒ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት ስለምንታይ ከም ዝኸፍአ ክርዳእ ስለ ዝኸኣልኩ፡ እዚ መሲጡኒ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዛዕባ ሃይማኖት ብዙሕ ኣይተዛራረብናን። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ግና፡ ምስ ካሪ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክዛራረብ ጀመርኩ፣ ኵሉ እቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ እውን ይውሓጠለይ ነይሩ እዩ። ብስራሕ ትሑዝን ብዙሕ ዝገይሽን ብምንባረይ፡ ብስሩዕ ክንራኸብ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና፣ ካሪ ግና ተስፋ ኣይቈረጸን። ነቲ ኣብ መጽናዕቲ ዘበገስክዎ ሕቶታት ብደብዳበ ይምልሰለይ ነይሩ። ኵሉ እቲ ብዛዕባ ህይወት ዚልዓል ዓሚቝ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜእምን ምላሽ እረኽበሉ ነይረ። በብቝሩብ ድማ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ኪርኣየኒ ጀሚሩ፣ እዚ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ንዕላማ ኣምላኽ እትፍጽሞ ምዃና እዩ። እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ምፍላጠይን ንሱ እንታይ ከም ዝገበረልና ምርኣየይን፡ ዓሚቝ ጦብላሕታ ኣሕዲሩለይ እዩ። (መዝሙር 83:18) ልዕሊ ዅሉ ዝመሰጠኒ ነገር ከኣ እቲ ኣምላኽ መስዋእታዊ በጃ ንምድላው ዝገበሮ ነገር እዩ፣ እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ስቕ ኢሉ ተክኒካዊ ስርዓት ንምስዓብ ወይ ሕጋዊ ወግዓውነት ንምልባስ እተገብረ ዘይኰነስ፡ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 3:16) ብዘይካዚ ድማ፡ ዓርኪ ኣምላኽ ንምዃንን ሰላም ኣብ ዝሰፈና ገነት ንዘለኣለም ንምንባርን ኣጋጣሚ ኸም ዘሎኒ ፈለጥኩ። (ያእቆብ 4:8) ስለዚ፡ “ከመይ ገይረ እየ ምስጋናይ ከርኢ ዘሎኒ፧” ኢለ ገዛእ ርእሰይ ክሓትት ጀመርኩ።

 ብዛዕባ ህይወተይ ነዊሕ ሓሰብኩ። ብምሃብ ዝዓበየ ሓጐስ ከም ዚርከብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂረ ነይረ እየ፣ ስለዚ፡ ብዛዕባ እምነተይ ንኻልኦት ንምንጋር ድሌት ሓደረኒ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ፕሮፈሽናል ኣትለት ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ግጥማት ንምስታፍ ኣብ ዓመት ኣስታት 200 መዓልቲ ኻብ ቤተይ ርሒቐ እየ ዘሕልፎ ነይረ። ህይወት ስድራ ቤትና ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስልጠናይን ኣብ ልምምደይን ኣብ ስራሐይን ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ።

 ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ኢለ ነዚ ጽቡቕ ተስፋ ዘለዎ ስፖርት ምሕዳገይ፡ ንብዙሓት ዚርድኦም ውሳነ ዘይምዃኑ እፈልጥ ነይረ እየ። ንየሆዋ ብዝያዳ ኽፈልጦን ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብን እተኸፍተለይ ኣጋጣሚ ግና፡ ብጸወታ ተኒስ ካብ ዝረኽቦ ዝዀነ ሽልማት ንላዕሊ ስለ ዝዀነ፡ ውሳነ ምግባር ቀሊል እዩ ነይሩ። ሰባት ንዚብልዎ እዝኒ ኽህብ ኣይደለኹን፣ እዚ ናተይ ውሳነ እዩ ነይሩ። ንኸምዚ ዝበለ ጸቕጢ ብፍላይ ክጻወር ዝሓገዘትኒ ጥቕሲ ኸኣ፡ መዝሙር 118:6 እያ ነይራ፣ ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋ ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧”

 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ገሊኦም ስፖንሰራት ንዓመታት ፕሮፈሽናል ተኒስ ከይተጨነቕኩ ክጻወት ዘኽእለኒ ብዙሕ ገንዘብ ዚርከበሉ ውዕል ኣቕሪቦምለይ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ወሳነይ ገይረ ነይረ እየ፣ ስለዚ፡ ነቲ ዝቐረበለይ ነጺገዮ፣ ድሕሪኡ እውን ኣብ ዙር ግጥም ኤ.ቲ.ፒ. ምጽዋት ሓዲገዮ። ድሕርዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጸልኩ፣ ብ2 ሓምለ 1994 ድማ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 ብዛዕባ ኣምላኽ ከም ዝሓስብ ዝገበረኒ፡ ኣባይ ዝወረደ ዜሕዝን ነገር ኣይኰነን። ‘ሓቂ ንምርካብ አናዲ ነይረ’ እውን ክብል ኣይክእልን እየ። ህይወተይ ጽቡቕ ዝነበረ ይመስለኒ ነይሩ፣ እዚ ጐዲሉኒ ዝብሎ እውን ዘይብለይ ይመስለኒ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ብሃንደበት ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ረኺበ፣ ህይወት ዝዓመቘ ትርጉም ከም ዘለዎ ተገንዚበ፣ ህይወተይ ከኣ ካብቲ ዝሓሰብክዎ ንላዕሊ ተመሓይሹ። ስድራ ቤትና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ድልዳለን ሓድነትን ረኺባ ኣላ። ሰለስተ ደቀይ፡ ከም ስፖርተኛ ዘይኰነስ፡ ከም ክርስትያን ኣሰረይ ብምስዓቦም እውን ሕጉስ እየ።

 ጸወታ ተኒስ ክሳዕ ሕጂ እፈቱ እየ። ንብዙሕ ዓመታት ምስ ተኒስ እተተሓሓዘ ንጥፈታት እናሰራሕኩ፡ ንኣብነት ኣሰልጣኒ ወይ ኣመሓዳሪ ማእከል ተኒስ ብምዃን እየ ንመነባብሮይ ዜድልየኒ ዘማልእ። ኰይኑ ግና፡ ህይወተይ ኣብ ስፖርት ዘተኰረ ኣይኰነን። ቀደም፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ተኒስ ወይ ጐብለል ንምዃን፡ ኣብ ሰሙን ብዙሕ ሰዓታት ኣብ ልምምድ አሕልፍ ነይረ። ሕጂ ግና፡ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ብምዃነይ፡ ግዜይ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ንህይወተይ ዝቐየረ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጡን ኪትግብርዎን ኣብ ምሕጋዝ ብምውዓለይ ሕጉስ እየ። ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎኒ ርክብን ንስብከት እቲ ብዛዕባ ብሩህ መጻኢ ዘሎኒ ተስፋን ቀዳምነት ብምሃበይ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሓጐስ እረክብ እየ።—1 ጢሞቴዎስ 6:19

a ኤ.ቲ.ፒ. ኣሕጽሮት ኣሶሴሽን ኦቭ ተኒስ ፕሮፈሽናልስ (ማሕበር ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ተኒስ) እዩ። እዚ ድማ ንዙር ግጥም ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ተኒስ ደቂ ተባዕትዮ ዚውድብ ኣመሓዳሪ ኣካል እዩ። ዙር ግጥም ኤ.ቲ.ፒ. ነጥብታት ዚትሓዘሉ እተወሰነ ፕሮፈሽናል ግጥማትን ንተዓወትቲ ዚኸውን ሽልማትን ኣለዎ። ሓደ ተጻዋታይ ኣብ ዓለም ዘለዎ ደረጃ፡ በቲ ኣብቲ ዙር ግጥማት ዚረኽቦ ድምር ነጥቢ እዩ ዚውሰን።