ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ስሒር ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ድዩ፧

ስሒር ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ድዩ፧

 እንታይ ይመስለካ፧

  •   ካብ ሆሮስኮፕ፡ ካብ ሰሌዳ ዊጃ፡ ወይ ካብ ሳይክያተኛ ምኽሪ ምድላይ እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧

  •   ዛንታታት ስሒር ኣብ መንጎ ሰናይን ክፉእን ዚግበር ምሳልያዊ ቓልሲ ዜመልክት ምሳልያዊ ዛንታታት ጥራይ ድዩ ወይስ ካልእ ትርጕም ኣለዎ፧

 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መናፍስታዊ ተግባራት ስለምንታይ ከም ዚማርኽን ስለምንታይ ክትጥንቀቕ ከም ዘሎካን ክትገልጽ እያ።

 ዚማርኽ ስለምንታይ እዩ፧

 ኢንዱስትሪ መዘናግዒ ብዙሕ መኽሰብ ምእንቲ ኺረክብ፡ ብቐንዱ ስሒራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ጸወታታት ቪድዮን መጻሕፍትን ብብዝሒ የፍሪ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሓያሎ መንእሰያት ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብትን ኣጋንንትን ቫምፓየራትን ጠንቈልትን ተገዳስነት ኣሕዲሮም ኣለዉ። ስለምንታይ፧ ገለ ኻብቲ ምኽንያታት እዚ ዚስዕብ እዩ፦

  •   ህንጥዮት፦ መንፈሳውያን ፍጡራት ብሓቂ እንተ ኣልዮም ኪፈልጡ ዘለዎም ድሌት

  •   ሻቕሎት፦ ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጡ ዘለዎም ድሌት

  •   ርክብ፦ ምስ ዚሞቱ ሰቦም ኪዛራረቡ ዚገብርዎ ፈተነ

 እዚ ምኽንያታት እዚ ጌጋ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ መጻኢ ኽትፈልጥ ምህንጣይ ወይ ንዝሞቱ ሰብካ ምንፋቕ ባህርያዊ እዩ። እዚ ግና ሓደገኛ ኪኸውን ስለ ዚኽእል ክትጥንቀቐሉ ኣሎካ።

 ክትጥንቀቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን መናፍስታዊ ተግባራት መጠንቀቕታ ይህበና እዩ። ንኣብነት፡ ከምዚ ይብል፦

 “ዚጥንቍል፡ ወይ ስሒር ዚገብር፡ ወይ ፋል ዚደሊ፡ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ስራይ ዚገብር፡ ወይ ንጠያቒ መናፍስቲ ዚሓትት፡ ወይ ጠንቋሊ፡ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ዘበለ ዅሉስ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ።”—ዘዳግም 18:10-12

 መጽሓፍ ቅዱስ ንመናፍስታዊ ተግባራት ኣበርቲዑ ዚዅንኖ ስለምንታይ እዩ፧

  •   መናፍስታዊ ተግባራት ምስ ኣጋንንቲ ርክብ ክትፈጥር እዩ ዜተባብዕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም መላእኽቲ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝዓለዉን ጸላእቱ ኸም ዝዀኑን ይምህረና እዩ። (ዘፍጥረት 6:2፣ ይሁዳ 6) እዞም ኣጋንንቲ ዚብሃሉ እኩያት መላእኽቲ ብጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ስሒር ዚገብሩን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ኣቢሎም ንሰባት የስሕቱ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ምክፋል፡ ጸላእቲ ኣምላኽ እዩ ዚገብረና።

  •   መናፍስታዊ ተግባራት፡ ‘ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጡ ይኽእሉ’ ዚብል ናይ ሓሶት እምነት እዩ ዜስፋሕፍሕ። ይኹን እምበር፡ “ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ ካብ ቀደም ከኣ፡ ገና ዘይተገብረ እነግር እየ” ኺብል ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ።—ኢሳይያስ 46:10፣ ያእቆብ 4:13, 14

  •   መናፍስታዊ ተግባራት፡ ምዉታት ምስ ህያዋን ኪዛራረቡ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ናይ ሓሶት እምነት እዩ ዜስፋሕፍሕ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም፣ . . . ኣብቲ እትኸዶ መቓብርሲ ዕዮ ዀነ፡ ውጥን ኰነ፡ ፍልጠት ኰነ፡ ወይ ጥበብ የልቦን” እዩ ዚብለና።—መክብብ 9:5, 10

 በዚ ምኽንያታት እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ መናፍስትነት ካብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ተግባራት ይርሕቁ እዮም። ዞምቢታትን ቫምፓየራትን ካልእ ልዕለ ባህርያዊ ነገራትን ዜርኢ መዘናግዒ የወግዱ እዮም። ማርያ ዝስማ ጐርዞ፡ “ምስ መናፍስታዊ ተግባራት ዚተሓሓዝ ክፋል ዘለዎ እንተ ዀይኑ፡ ክርእዮ የብለይን” ትብል። a

ከምቲ ሓደ ገበነኛ ኻልእ ሰብ ከም ዝዀነ መሲሉ ኼታልለካ ዚፍትን፡ ኣጋንንቲ እውን ነቶም ዝሞቱ ሰብካ መሲሎም ኬታልሉኻ ይፍትኑ እዮም

 ክትገብሮ እትኽእል

  •   ምስ ስሒር ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ተግባራት ወይ መዘናግዒ ብምውጋድ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ጽሩይ ሕልና” ኺህልወካ ጽዓር።—ግብሪ ሃዋርያት 24:16

  •   ምስ ስሒር ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገራት እንተ ኣልዩካ፡ ኣወግዶ። ግብሪ ሃዋርያት 19:19, 20 ኣንብብ እሞ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ እዚ እንታይ ሰናይ ኣብነት ከም ዝሓደጉ ኣስተብህል።

 ኣስተውዕል፦ ምስ ስሒር ዚተሓሓዝ ተግባራትን መዘናግዕን ምስ እተወግድ፡ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኸም ዝዀንካ ኢኻ እተረጋግጽ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንልቡ ኸተሐጕሶ ኢኻ።—ምሳሌ 27:11

a ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኵሉ ጽውጽዋያዊ ዛንታታት ብቐጥታ መናፍስታዊ ተግባራት የስፋሕፍሕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ተደሪኾም ንዝዀነ ይኹን መናፍስታዊ ተግባራት ወይ ነዚ ዜስፋሕፍሕ መዘናግዒ የወግዱ እዮም።—2 ቈረንቶስ 6:17፣ እብራውያን 5:14