ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ካልእ ቋንቋ እትምሃር ስለምንታይ ኢኻ፧

ካልእ ቋንቋ እትምሃር ስለምንታይ ኢኻ፧

 ካልእ ቋንቋ ምምሃር፡ ትሑትን ርእሱ ዚቐጽዕን ሰብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ዚፍትነካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ እትገብሮ ጻዕሪ ግና ዓስቢ ዘለዎ ድዩ፧ ብዙሓት መንእሰያት፡ ‘እወ’ ኢሎም እዮም ዚምልሱ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መንእሰያት ካልእ ቋንቋ ዚምሃሩሉ ምኽንያት ክትገልጽ እያ።

 ካልእ ቋንቋ እትምሃር ስለምንታይ ኢኻ፧

 ብዙሓት ካልእ ቋንቋ ዚምሃሩሉ ምኽንያት፡ ግድን ኪምሃርዎ ዘለዎም ክፍሊ ትምህርቶም ስለ ዝዀነ እዩ። ገሊኦም ግና ካልእ ዚድርኾም ምኽንያት ኣለዎም። ንኣብነት፦

  •   ኣና ዝስማ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር መንእሰይ፡ ነቲ ኣዲኣ ዝዓበየትሉ ቛንቋ ዝዀነ ላቲቭያኛ ኽትምሃሮ ወሰነት። “ስድራ ቤትና ናብ ላቲቭያ ኺገሹ ይሓስቡ ኣለዉ፣ ናብኡ ምስ ከድና፡ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣዝማደይ ክረዳዳእ እደሊ እየ” በለት።

  •   ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀነት ጂና ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣገልግሎታ ምእንቲ ኸተስፍሕ፡ ቋንቋ ምልክት ኣመሪካ ተማሂራ ናብ በሊዝ ገዓዘት። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ጽሙማን፡ ኪረዳድእዎም ዚኽእሉ ሒደት ሰባት ጥራይ ዚፈልጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሰባት ብቛንቋኦም መጽሓፍ ቅዱስ ክምህር ኢለ ቛንቋ ምልክት ኣመሪካ ኸም እተመሃርኩ ምስ ፈለጡ፡ ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ።”

 ትፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን” ከም ዚእወጅ ተነብዩ እዩ። (ራእይ 14:6) ከም ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ኢሎም ካልእ ቋንቋ ተማሂሮም እዮም።

 እንታይ ብድሆታት ኣለዎ፧

 ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ቀሊል ኣይኰነን። ኮሪና ዝስማ ጐርዞ፡ “ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ማለት ሓድሽ ቃላት ምምሃር ጥራይ መሲሉኒ ነይሩ፣ ይኹን እምበር፡ ሓድሽ ባህልን ሓድሽ ኣተሓሳስባን ምምሃር እውን ዜጠቓልል እዩ። ብሓቂ ግዜ ዚወስድ እዩ” በለት።

 ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር፡ ትሕትና እውን ይሓትት እዩ። ጄምስ ዚብሃል ስጳንኛ እተማህረ መንእሰይ፡ “ብዙሕ ጌጋታት ስለ እትፍጽም፡ ከመይ ጌርካ ንጌጋታትካ ስሒቕካ ኸም እትሓልፎ ኽትምሃር ኣሎካ። ምኽንያቱ ምግጋይ፡ ክፍሊ እቲ ትምህርቲ እዩ” ይብል።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ንዕንቅፋታትን ነቲ ሓሓሊፍካ እትፍጽሞ ዜሕፍር ጌጋታትን ክትዋጽኣሉ እንተ ኽኢልካ፡ ካልእ ቋንቋ ኣብ ምምሃር ክትዕወት ትኽእል ኢኻ።

 ምኽሪ፦ ካልኦት ቀዲሞምኻ ቕልጡፍ ዕቤት እንተ ገይሮም፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ” ይብል።—ገላትያ 6:4

 እንታይ ዓስቢ ኣለዎ፧

 ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኦሊቭያ ዝስማ ጐርዞ፡ “ሓድሽ ቋንቋ ምስ እትምሃር፡ ፍቕርኻ ተግፍሕን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ተጥርን ኢኻ” ትብል።

 ሜሪ እትብሃል መንእሰይ ከኣ፡ ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ንርእሰ ተኣማንነታ ዜዕብየላ ዀይኑ ረኺባቶ እያ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ዜዅርዓኒ ነገር ዳርጋ ገይረ ኣይፈልጥን እየ፣ ሕጂ ግና ቋንቋ እምሃር ስለ ዘለኹ፡ ሓዳስ ቃል ብዝፈለጥኩ መጠን ኣዝየ እየ ዝሕጐስ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ጽቡቕ ከም ዚስምዓኒ ኸኣ እዩ ዚገብር።”

 እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ጂና፡ ንሰባት ብቛንቋ ምልክት ገይራ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃራ፡ ኣብ ኣገልግሎታ ዝያዳ ሓጐስ ከም እትረክብ ገይርዋ እዩ። “ንሰባት ብቛንቋኦም ከዘራርቦም ምስ ጀመርኩ ኣብ ገጾም ዚንበብ ሓጐስ፡ እቲ ዝበለጸ ዓስቢ እዩ” በለት።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ካልእ ቋንቋ ምምሃር፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከተጥርን ርእሰ ተኣማንነትካ ኸተዕብን ኪሕግዘካ፡ ንኣገልግሎትካ ድማ ትርጉም ኪውስኸሉ ይኽእል እዩ። “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ንዝመጹ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከተካፍሎም እትኽእለሉ ቐንዲ መገዲ እውን እዩ።—ራእይ 7:9