ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንጭንቀት ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ንጭንቀት ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

 ንጭንቀትካ ኽትዋጽኣሉ እትኽእል ጽቡቕ ሜላ ምርካብ፡ ንስምዒትካ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ!

 ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

 ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ርአ፦

 ጀኒፈር ዜሐጕሳ ነገር የልቦን። በብመዓልቱ ኻብ ባዶ ተበጊሳ ብብኽያት ትንኽነኽ። ካብ ሰብ ትርሕቕ፡ ምግቢ ድማ ዳርጋ ኣይትበልዕን። ክትድቅስ ኰነ ኸተተኵር ኣይትኽእልን እያ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ‘እንታይ እዩ ዜጋጥመኒ ዘሎ፧ ናብ ናይ ቀደም ጥዕናይ እምለስ ደዀን እኸውን፧’ ኢላ ትሓስብ።

 ማርክ ንፉዕ ተምሃራይ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና ትምህርቲ ጸሊኡ፣ ብሰሪ እዚ ድማ ነጥቡ ኣንቈልቊሉ። ነቲ ቐደም ዚፈትዎ ዝነበረ ስፖርት ዚኸውን ጕልበት እውን የብሉን። ኣዕሩኹ በቲ ዘጋጠመ ነገር ተደናጊሮም። ወለዱ ኸኣ ተጨኒቖም እዮም ዘለዉ። ‘እዚ ግዜያዊ ነገር ድዩ ወይስ ገለ ጸገም ኣሎ፧’ ኢሎም ድማ ኪሓስቡ ጀሚሮም።

 ንስኻኸ መብዛሕትኡ እዋን ከም ጀኒፈር ወይ ከም ማርክ ይስምዓካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ክልተ ኣማራጺታት ክትፍትኖ ትኽእል ኢኻ፦

  1.   ባዕልኻ ኽትዋጽኣሉ ኽትጽዕር

  2.   ምስ እትኣምኖ ዓብዪ ሰብ ክትዘራረበሉ

 ኣማራጺ ሀ ጽቡቕ መፍትሒ ኺመስለካ ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ ድማ ምስ ካልእ ሰብ ክትዛረብ ኣብ ዘይትደልየሉ እዋን። ኰይኑ ግና፡ ጥበባዊ ምርጫ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ። ሓዲኦም እንተ ወደቐስ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ። እቲ ዜተንስኦ ዘይብሉ ምስ ዚወድቕ ግና እንታይ እዩ ዚኸውን፧” ይብል።—መክብብ 4:9, 10

 ብምሳሌ ንምብራህ፦ ብዙሕ ገበን ኣብ ዜጋጥመሉ ኸባቢ ኼድካ መገዲ ጠፊኡካ ንበል። ግዜኡ ምሸት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዕጸፊ ዘይትፈልጦ ሰብ የጋጥመካ። እንታይ ምገበርካ፧ ዝገበርካ ጌርካ ባዕልኻ ኻብቲ ኸባቢ ኽትወጽእ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ክትኣምኖ ኻብ እትኽእል ሰብ ሓገዝ እንተ ትሓትትዶ ኣይምሓሸን፧

 ጭንቀት እውን ልክዕ ከምቲ ሓደገኛ ኸባቢ እዩ። እቲ ዚስምዓካ ሕማቕ ስምዒት ግዜያዊ ኪኸውንን ብኡብኡ ኺሓልፍን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንነዊሕ እዋን ብጭንቀት ትወሓጥ እንተ ዄንካ፡ ሓገዝ ክትሓትት ኣሎካ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘ንርእሱ ዚፈሊ፡ ንዅሉ ግብራዊ ጥበብ ይነጽጎ።’—ምሳሌ 18:1

 ኣማራጺ ለ ምስዓብ ማለት ምስ ወላዲኻ ወይ ምስ እትኣምኖ ዓብዪ ሰብ ምዝርራብ፡ ጠቓሚ እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ህይወቱ ንዘጋጠሞ ሕማቕ ስምዒታት ብዓወት ናይ ዝሰገሮ ሰብ ተመክሮ ኢኻ እትሰምዕ።

 ይኹን እምበር፡ ‘ወለደይ ግን እኮ ፈጺሙ ኣይርድኦምን እዩ’ ትብል ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ርግጸኛ ዲኻ፧ ምናልባት ወለድኻ መንእሰያት ከለዉ ዘጋጠሞም ነገራት ምስቲ ንዓኻ ዜጋጥመካ ይፈላለ ይኸውን፣ ስምዒታቶም ግና ካብ ናትካ ዘይፍለ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጽቡቕ መፍትሒ ድማ ኪህልዎም ይኽእል እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጥበብ ኣብ ሽማግለታት ዚርከብ፡ ኣእምሮ እውን ምስ ነዊሕ ዕድመ ዚመጽእ ደይኰነን፧”—እዮብ 12:12

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ንወላዲኻ ወይ ንእትኣምኖ ዓብዪ ሰብ ናይ ልብኻ ኣውጺእካ እንተ ተዛሪብካ፡ ጽቡቕ ምኽሪ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ጭንቀት፡ ኣብ ሓደገኛ ኸባቢ ምስ ምጥፋእ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። መውጽኢ ኽትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ሓገዝ ክትረክብ ጽዓር

 ሕክምና ዜድልዮ ጸገም እንተ ዀይኑኸ፧

 ወግሐ ጸብሐ ትጭነቕ እንተ ዄንካ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ዜድልዮ ዓይነት ጭንቀት ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ክትሕከሞ ኣሎካ።

 ኣብ መንእሰያት ዚርአ ሕክምና ዜድልዮ ጭንቀት፡ ምስ እዋን ብጽሕና ተተሓሒዙ ዚመጽእ ንቡር ናይ ጠባይ ምቅይያር ኪመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣመና ሓያልን ንነዊሕ እዋን ዚቕጽልን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቲ ዚስምዓካ ጓሂ ኽቱርን ቀጻልን እንተ ዀይኑ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ምእንቲ ኽትረክብ ንምንታይ ምስ ወለድኻ ዘይትዘራረበሉ፧

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ።”—ማቴዎስ 9:12

 ጭንቀትካ ሕክምና ዜድልዮ ዓይነት እንተ ዀይኑ፡ ዜሕፍር የብልካን። ኣብ መንእሰያት ዜጋጥም ተርእዮ እዩ፣ ክትሕከሞ ድማ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሓቂ ፈተውትኻ፡ ኣትሒቶም ኣይርእዩኻን እዮም።

 ምኽሪ፦ ዓቕሊ ይሃሉኻ። ካብ ጭንቀት ምሕዋይ፡ ግዜ የድልዮ እዩ፣ ሓድሓደ መዓልቲ ጽቡቕ፡ ሓድሓደ መዓልቲ ኸኣ ሕማቕ ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። a

 ንኺሕሸካ ኺሕግዘካ ዚኽእል መደብ

 ጭንቀትካ ሕክምና ዜድልዮ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ነቲ ዚስምዓካ ዘየቋርጽ ጓሂ ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣዘውቲርካ ኣካላዊ ምውስዋስ ምግባርን ሃናጺ ምግቢ ምብላዕን እኹል ድቃስ ምድቃስን ንስምዒትካ ኼህድኦ ይኽእል እዩ። (መክብብ 4:6፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:8) ብዘይካዚ፡ ስምዒታትካን ሸቶታትካን ድኽመታትካን ዓወታትካን እትጽሕፈሉ መዝገብ ኪህልወካ ሓጋዚ እዩ።

 እቲ ዚስምዓካ ጭንቀት፡ ሕክምና ዜድልዮ ወይ ድማ ምስ ግዜ ዚሓልፍ ሕማቕ ስምዒት ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ብዘየገድስ ግና፡ ሓገዝ ካልኦት ሰባት ብምቕባልን ክትሓዊ ዚሕግዘካ ስጕምቲ ብምውሳድን ንጭንቀትካ ኽትዋጽኣሉ ኸም እትኽእል ኣይትረስዕ።

 ኪሕግዘካ ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

  •  “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ኸኣ የድሕኖም።”—መዝሙር 34:18

  •  “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ኪወድቕ ከቶ ኣይሓድጎን እዩ።”—መዝሙር 55:22

  •  “ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡ ‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 41:13

  •  “ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ።”—ማቴዎስ 6:34

  •  ‘ልማኖኹም ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹም ኪሕልዎ እዩ።’—ፊልጲ 4:6, 7

a ርእስኻ ናይ ምቕታል ሓሳብ ዚመጸካ እንተ ዀይኑ፡ ውዓል ሕደር ከይበልካ ንእትኣምኖ ዓብዪ ሰብ ኪሕግዘካ ሕተቶ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነተን ኣብ ናይ ሚያዝያ 2014 ሕታም ንቕሑ! ኣብ ትሕቲ “ስለምንታይ እየ ብህይወት ዝነብር፧” ዚብል ኣርእስቲ ዝወጻ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ርአ።