ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ መዘናግዒ ኢንዱስትሪ ንመናፍስታዊ ኣርእስትታትን ገጸ ባህርያትን ብመሳጢ መገዲ ዜቕርቦ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ሓደጋታት ክንነቕሓሉ ኣሎና

ገበር | ልዕለ ባህርያዊ ምርኢት እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መናፍስትነት እንታይ ይምህር፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መናፍስትነት እንታይ ይምህር፧

ብዙሓት ሰባት ምስ ልዕለ ባህርያዊ ምርኢት ወይ መናፍስትነት ምትሕሓዝ ንዘለዎ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ሽጣራ ወይ ፍርያት ናይቶም ክኢላታት ደረስቲ ኢንዱስትሪ ፊልም ከም ዝዀነ ገይሮም ብምርኣይ ዚጠራጠሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ብዛዕባ መናፍስትነት ንጹር መጠንቀቕታ እዩ ዚህብ። ንኣብነት፡ ዘዳግም 18:10-13 ኸምዚ ትብል፦ “ዚጥንቍል፡ ወይ ስሒር ዚገብር፡ ወይ ፋል ዚደሊ፡ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ስራይ ዚገብር፡ ወይ ንጠያቒ መናፍስቲ ዚሓትት፡ ወይ ጠንቋሊ፡ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ ኣባኻ ኣይረኸብ።” ስለምንታይ፧ እታ ጥቕሲ ቐጺላ፡ “እዚ ነገር እዚ ዚገብር ዘበለ ዅሉስ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣ . . . ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ መንቅብ ዘይብልካ ኹን” ትብል።

መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዓይነት መናፍስትነት ብጽኑዕ ዚዅንኖ ስለምንታይ እዩ፧

መበቈሉ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ቕድሚ ምድኳኑ ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጡራት ወይ መላእኽቲ ኸም ዝፈጠረ ይነግረና እዩ። (እዮብ 38:4, 7፣ ራእይ 5:11) ነፍሲ ወከፎም ከኣ ቅኑዕን ጌጋን ፈልዮም ኪመርጹ ዜኽእሎም ናይ ምምራጽ ናጽነት ተዋሂብዎም እዩ። ገለ ኻባታቶም ኣንጻር ኣምላኽ ኪዓልዉ መረጹ፣ ሰማያዊ ቦታኦም ሓዲጎም ድማ ሽግር ንኼምጽኡ ናብ ምድሪ መጹ። ከም ውጽኢቱ፡ ምድሪ “ብዓመጻ መልአት።”—ዘፍጥረት 6:2-5, 11፣ ይሁዳ 6

እዞም እኩያት መላእኽቲ ዓብዪ ጽልዋ ብምሕዳር ንሚልዮናት ሰባት የስሕቱ ኸም ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ራእይ 12:9) ነቲ ደቂ ሰብ ብተፈጥሮኦም ብዛዕባ መጻኢ ንምፍላጥ ዘለዎም ህንጥዩነት እውን ይምዝምዝዎ እዮም።—1 ሳሙኤል 28:5, 7፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1

ርግጽ እዩ፡ ገሊኡ ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ንሰባት ዚሕግዝ ይመስል እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:14) ከም ሓቂ ግና፡ እዞም እኩያት መላእኽቲ፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ምእንቲ ኸይፈልጡ ንኣእምሮኦም ኬዕውርዎ እዮም ዚፍትኑ ዘለዉ።—2 ቈረንቶስ 4:4

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እምበኣር፡ ምስ እኩያት መናፍስቲ ርክብ ምግባር ጕድኣት ዘይብሉ ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪዀኑ ዚደለዩ ግናኸ “ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ዚጥቀሙ ዝነበሩ ብዛዕባ እዚ ተግባራት እዚ እቲ ሓቂ ምስ ተማህሩ፡ ብዙሕ ገንዘባዊ ኽሳራ ዜምጽኣሎም ክነሱ ‘መጻሕፍቶም ኣኪቦም ዘንደድዎ።’—ግብሪ ሃዋርያት 19:19ባይንግተን።

“ኰተቴ ኣዋልድ ኣብ ስራይ ዘለወን እምነት እናዓበየ ምኻዱ፡ በተን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ተለቪዥን፡ ኣብ ፊልምታት ከምኡ ድማ ኣብ መጻሕፍቲ ዚንጸባረቓ ዘለዋ ጽቡቓትን ዚማርኻን ጠንቈልቲ እተጸልወ ኪኸውን ይኽእል እዩ።” —ጋልኣፕ ዩዝ ሰርቨይ፡ 2014

ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እውን ምስ መናፍስትነት ምትሕሓዝ ካብ ዘለዎ ንጥፈታትን መዘናግዒታትን ኪርሕቁ ወሲኖም እዮም። ንኣብነት፡ ማሪያ * ጓል 12 ዓመት ከላ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዜጋጥም ገሊኡ ፍጻመታት ወይ ሓደጋታት ክትንበ እትኽእል እያ ትመስል ነይራ። ንመማህርታ ናይ ጥንቈላ ካርታታት ተንብበለን ነበረት፣ እተነበየቶ ምስ ተፈጸመ ኸኣ ብጥንቈላ ኽትማረኽ ጀመረት።

ማሪያ፡ ንሰባት ምእንቲ ኽትሕግዝ ኣምላኽ ውህበት ዝሃባ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ ነይሩ። ከምዚ ብምባል ከኣ ትእመን፦ “ገለ ነገር ግና ይርብሸኒ ነይሩ። ነቲ ካርታታት ንኻልኦት ሰባት እየ ዘንብበሎም ነይረ። ብዛዕባ መጻእየይ ክፈልጥ እደሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንገዛእ ርእሰይ ከንብበላ ኣይክእልን እየ ነይረ።”

ማሪያ ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ስለ ዝነበራ ናብ ኣምላኽ ጸለየት፣ ድሕሪ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ረኸብዋ ኸኣ ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ማሪያ እቲ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለታ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸበቶ ኸም ዘይኰነ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተማህረት። ብዘይካዚ፡ እቶም ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ኪምስርቱ ዚደልዩ፡ ምስ መናፍስትነት ምትሕሓዝ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ኬወግዱ ኸም ዘለዎም ተማህረት። (1 ቈረንቶስ 10:21) እሞኸ እንታይ እያ ገይራ፧ ማሪያ ንዅሉ እቲ ምስ ጥንቈላ ዚተሓሓዝ መጻሕፍትን ሓንጀመንጅን ደርበየቶ። ሎሚ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህረቶ ርጡብ ሓቅታት ንኻልኦት ተካፍሎም ኣላ።

ሚካኤል ኰተቴ ኸሎ፡ ልዕለ ባህርያዊ ገጸ ባህርያት ዘለዎ ልቢ ወለዳዊ መጻሕፍቲ ምንባብ ኣዝዩ ይፈቱ ነበረ። “ሓሳባዊ ዓለማት ብዛዕባ ዝዳህሰሱ መሳቶይ ዝዀኑ ጀጋኑ ምንባብ ባህ ይብለኒ ነይሩ” ኸኣ ይብል። ቀስ ብቐስ፡ ስሒርን ሰይጣናዊ ጽንብላትን ዝትሕዝቶኡ መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ልማድ ኣጥረየ። “እቲ ዝነበረኒ ህንጥዩነት፡ ብዛዕባ እዚ ነገራት ንዚገልጽ መጻሕፍቲ ኸንብብን ፊልምታት ክርእን ከም ዝደሊ ገይሩኒ” ብምባል ድማ ይእመን።

ይኹን እምበር፡ ሚካኤል መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ዜንብቦ ዝነበረ ተጠንቂቑ ኺምርምሮ ኸም ዜድልዮ ተረድአ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ንዅሉ እቲ ምስ መናፍስትነት ዚተሓሓዝ ነገራት ጒሒፈዮ። ከመይሲ፡ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ እየ ተማሂረ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:31፡ ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ’ እዩ ዚብል። ስለዚ፡ ‘ነዚ ጽሑፍ እዚ ምንባበይ ምስ ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ዚጻረር ነገር ከም ዝሓብር ድዩ ዚገብረኒ፧’ ኢለ ንርእሰይ እሓትታ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ አወግዶ እየ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ከም መብራህቲ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ንመናፍስትነት ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ ገይሩ ዜቃልዕ ፍሉይ ብርሃን እዩ። (መዝሙር 119:105) እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ጽልዋ እኩያት መናፍስቲ ናጻ ዝዀነት ዓለም ከም እትመጽእ ዚገልጽ ዜደንቕ ተስፋ እውን ሒዙ ኣሎ። እዚ ድማ ንደቂ ሰብ ብዙሕ ጥቕሚ ኼምጽኣሎም እዩ። ንኣብነት፡ መዝሙር 37:10, 11 ኸምዚ ትብል፦ “ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣ ኣብቲ ዝነበሩሉ ኽትደልዮም ኢኻ፣ ኣብኡ እውን ኣይኪህልዉን እዮም። ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።