ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜቕርብዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜቕርብዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

 ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚግበር፧

 ሓደ ብውልቂ ዚምህረካ መምህር በብርእሰ ነገር ገይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህረካ እዩ። በቲ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ኣብ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዘሎ ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ፡ በብደረጃኡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዚሕግዘካን ኪምህረካ እዩ። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ነዛ ቪድዮ ርኣያ።

 ነዚ መጽናዕቲ እዚ ክኸፍል የድልየኒ ድዩ፧

 ኣይፋልን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ኢሉ ዝሃቦም መምርሒ እዮም ዚስዕቡ። (ማቴዎስ 10:8) ብተወሳኺ፡ እቲ ንትምህርቲ ዜድሊ ንዋት፡ እንተላይ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ እታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብዘይ ክፍሊት እዩ ዚውሃብ።

 እቲ መጽናዕቲ ኽንደይ እዩ ዚወስድ፧

 ብምሉኡ እቲ ትምህርቲ፡ 60 ትምህርትታት ዝሓቘፈ እዩ። ነቲ ትምህርቲ እትሽፍነሉ ፍጥነት ኣባኻ እዩ ዚምርኰስ። ብዙሓት ተምሃሮ፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ትምህርትታት ይሽፍኑ እዮም።

 ብኸመይ ክጅምር እኽእል፧

  1.  1. ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ፎርም ምላእ። ነቲ ኣብቲ ፎርም እትመልኦ ብሕታዊ ሓበሬታ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንዓኻ ምእንቲ ኺረኽበካ ጥራይ ኢና ኽንጥቀመሉ።

  2.  2. ሓደ መምህር ኪረኽበካ እዩ። እቲ መምህርካ ኣብቲ ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዘሎ ኺገልጸልካ፡ ዘሎካ ዘበለ ሕቶታት ከኣ ኪምልሰልካ እዩ።

  3.  3. ንስኻን መምህርካን ንመጽናዕቲ ዚኸውን መደባት ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ መጽናዕቲ ብኣካል፡ ብተሌፎን፡ ብቪድዮ ኮንፈረንስ፡ ብደብዳበ፡ ወይ ብኢመይል ኪግበር ይከኣል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንውሓት ሓደ መጽናዕቲ ኣስታት ሓደ ሰዓት ኣቢሉ እዩ ዚኸውን፣ ከከም መደብካ ግና ኪሓጽር ወይ ኪነውሕ ይኽእል እዩ።

 ነቲ መጽናዕቲ ቕድም ክፍትኖ እኽእል ድየ፧

 እወ። ከምኡ ንምግባር፡ ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ፎርም ምላእ። ምስ ሓደ መምህር ምስ ተራኸብካ፡ ነቲ መጽናዕቲ ቕድም ክትፍትኖ ኸም እትደሊ ንገሮ። ንሱ ድማ በታ ሰለስተ መእተዊ ትምህርትታት ዝሓዘት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ገይሩ ኺምህረካ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቲ መጽናዕቲ ትፈትዎ እንተ ዄንካ ኽትርኢ ኢኻ።

 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር እንተ ጀሚረ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን እግደድ ድየ፧

 ኣይፋልን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ንፈቱ እኳ እንተ ዀነና፡ ኣባል ሃይማኖትና ኪዀኑ ግና ንማንም ኣይነገድድን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ንምህር፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እምነቱ ኺመርጽ መሰል ከም ዘለዎ ኸኣ ንፈልጥ ኢና።—1 ጴጥሮስ 3:15

 ናይ ርእሰይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀም እኽእልዶ፧

 እወ፡ ዝደለኻዮ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ነቲ ንጹርን ልክዕን መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ንፈትዎ እኳ እንተ ዀንና፡ ብዙሓት ሰባት ግና ዝለመድዎ ትርጉም ኪጥቀሙ ኸም ዚመርጹ ንፈልጥ ኢና።

 ኣብቲ መጽናዕቲ ንኻልኦት ክዕድም እኽእልዶ፧

 እወ። ንብዘለዉ ስድራ ቤትካ ወይ ንዝደለኻዮ ዓርክኻ ኽትዕድም ትኽእል ኢኻ።

 ኣብ ሕሉፍ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጽኒዐ እንተ ነይረ፡ ሕጂ ዳግም ከጽንዕ እኽእልዶ፧

 እወ። እዚ መጽናዕቲ እዚ ንህሉው ኵነታት ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ምምሕያሽ ስለ እተገብረሉ፡ ብዝያዳ ኽትፈትዎ ትኽእል ትኸውን። ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መደባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ትዕይንታዊ ደገፍ ዘለዎን ብዝያዳ ኣሳታፍን ኰይኑ እዩ ተዳልዩ።

 ብዘይ መምህር ዚውሃብ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎኩምዶ፧

 እወ። መብዛሕትኦም ተምሃሮ ብሓገዝ መምህር እንተ ተማህሩ ዝሓሸ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ግና ኣብ ፈለማ ባዕሎም ኬጽንዑ እዮም ዚመርጹ። ኣብዚ ወብሳይትና ዘሎ “ናውቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብሃል ገጽ፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ዚኽእል ብናጻ ዚርከብ ናውትን መወከሲታትን ሒዙ ኣሎ። ገለ ኻብቲ ኺሕግዘካ ዚኽእል ናውቲ እንሆ፦