ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ኖህ—ኣምላኽ ንዕኡ “ሻምናይ ርእሱ ሓለዎ”

ኖህ—ኣምላኽ ንዕኡ “ሻምናይ ርእሱ ሓለዎ”

ማይ ኣይሂ ኼዕለቕልቕ ከሎ ዅነታት ኖህን ስድራ ቤቱን ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ብኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ። ኵሎም እጕድጕድ ኢሎም ነበሩ። ገጾም በቲ ጭልምልም ዚብል ብዘይቲ ዚበርህ መብራህቲ ይርአ፣ ማይ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ኬንጫዕጭዕ ከሎን ብጐድና ኺጸፍዓ ኸሎን ኪሰምዕዎ ኸለዉ ኣፍጢጦም ይጥምቱ። እቲ ድምጺ መቸም ኣዝዩ ዜፍርህ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ኖህ ነቶም ፍቑራት ስድራ ቤቱ፡ ማለት ነታ እምንቲ ሰበይቱን ነቶም ሰለስተ ድልዱላት ደቁን ንኣንስቶምን ዓይኒ ዓይኖም ኪጥምቶም ከሎ፡ ልቡ ብሞሳ መሊኡ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ኣብቲ ጽንኩር እዋን እቲ፡ እቶም ኣዝዩ ዜፍቅሮም ሰባት ምስኡ ስለ ዝነበሩ፡ ተጸናኒዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤቱ ድሒኖም እዮም። ሽዑ ምስ ስድራ ቤቱ ዀይኑ፡ ኣብቲ ዋዕዋዕ ዚብል ድምጺ ዝነበሮ ዅነታት ምእንቲ ኺሰምዕዎ፡ ዓው ኢሉ ጸሎት ምስጋና ኣቕሪቡ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ።

ኖህ፡ ዓባይ እምነት እያ ነይራቶ። ሳላ እምነቱ ኸኣ እዩ የሆዋ ኣምላኹ፡ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ንኼዕቝቦም እተደረኸ። (እብራውያን 11:7) ኰይኑ ግና፡ እቲ ዝናም ኪዘንም ምስ ጀመረ፡ እምነት ኣየድልዮምን ድዩ ነይሩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ኣጸጋሚ ዅነታት፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ብሓቂ ተድልዮም ነይራ እያ። ንዓና እውን ኣብዚ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ እዋን እዚ፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ተድልየና እያ። ስለዚ፡ ካብ እምነት ኖህ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ንርአ።

“ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን”

“ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን” ከቢድ ዝናም ዘነመ። (ዘፍጥረት 7:4, 11, 12) እቲ ማይ እናለዓለ ኸደ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኖህ፡ የሆዋ ኣምላኽ ብሓንሳእ ንጻድቃን ኣዕቚቡ ንእኩያት ኪቐጽዕ ከም ዚኽእል ክርኢ ኽኢሉ እዩ።

እቲ ማይ ኣይሂ ነቲ ኣብ ማእከል መላእኽቲ እተላዕለ ዕልወት እውን ኣደቀሶ። ሓያሎ መላእኽቲ በቲ ስስዐ ዚንጸባረቐሉ ኣመለኻኽታ ሰይጣን ተጸልዮም፡ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ምእንቲ ኺነብሩ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ “መንበሪኦም” ሓደጉ፡ ድቓላ ዝዀኑ ንጉዓት ሰባት ከኣ ወለዱ። (ይሁዳ 6፣ ዘፍጥረት 6:4) እዚ ዕልወት እዚ ምስ ተፈጸመ፡ ሰይጣን ብሓጐስ ተፈንጪሑ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዕልወት፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኣዝዩ ኽቡር ፍጥረት የሆዋ ዝዀነ ወዲ ሰብ ብዝያዳ ዜሕስር እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ማይ ኣይሂ እናለዓለ ምስ ከደ፡ እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ንስጋዊ ኣካላቶም ቀንጢጦም፡ ናብ መንፈሳዊ ኣካላቶም ንኺምለሱ ተገደዱ፣ ብድሕሪኡ እንደገና ስጋዊ ኣካል ናይ ምልባስ ተኽእሎኦም ስኢኖም እዮም። ንኣንስቶምን ንደቆምን ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ሕብረተ ሰብ በቲ ማይ ኣይሂ ኺጠፍኡ ራሕሪሖምዎም ከዱ።

የሆዋ ኻብ ግዜ ሄኖክ ኣትሒዙ፡ ማለት ዳርጋ ሸውዓተ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ንዘይብሎም እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 5:24፣ ይሁዳ 14, 15) ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ሰባት እናኸፍኡ ጥራይ እዮም ዚኸዱ ነይሮም፣ ንምድሪ የበላሽውዋ፡ ብዓመጽ ከኣ ይመልእዋ ነበሩ። ብማይ ኣይሂ ኸኣ ጠፍኡ። እሞኸ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን በዚ ተሓጒሶም ድዮም፧

ኣይፋሎምን! እቲ መሓሪ ኣምላኾም እውን እንተ ዀነ ኣይተሓጐሰን። (ህዝቅኤል 33:11) የሆዋ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ንምድሓን፡ እቲ ኺግበር ዘለዎ ነገራት ገይሩ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ንሄኖክ መጠንቀቕታ ኺህብ መዚዝዎ ነበረ፣ ንኖህ ድማ መርከብ ኪሰርሕ ኣዚዝዎ ነበረ። ኖህን ስድራ ቤቱን፡ ሰባት ብግልጺ እናረኣይዎም፡ ነታ ዓባይ መርከብ ንኺሰርሕዋ ሓያሎ ዓመታት እዩ ወሲዱሎም። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” ዀይኑ ኼገልግል መምርሒ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ኖህ እውን ከምቲ ሄኖክ ቅድሚኡ ዚገብሮ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዝወረደ ፍርዲ ንሰባት ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። ንሳቶም ግና እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ የሱስ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ይርኢ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ምድሪ ምስ መጸ ብዛዕባ እቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት፡ “ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን” በለ።—ማቴዎስ 24:39

ኖህን ስድራ ቤቱን፡ ኣብተን የሆዋ ንማዕጾ እታ መርከብ ድሕሪ ምዕጻዉ ዝነበራ ኣርብዓ መዓልቲ፡ ከመይ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ኽትግምቶ ፈትን። እቲ ኸቢድ ዝናም ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ መዓልቲ መዓልቲ ኺወቅዕ ከሎ፡ ሸሞንቲኦም ብተደጋጋሚ ዚዓይዎ ዕዮ ነይርዎም ኪኸውን ኣለዎም። እዚ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምትሕልላይ፡ ቤቶም ምእላይ፡ ነቶም ምስኦም ተዓጽዮም ዝነበሩ እንስሳታት ዜድልዮም ነገራት ምሃብ የጠቓልል። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግና፡ እታ ዓባይ መርከብ ብሃንደበት ከተንቀጥቅጥን ክትንቀሳቐስን ጀመረት። ኣብ ልዕሊ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዝነበረ ማይ ድማ ጸምበለል በለት፡ “ካብ ምድሪ ኸኣ ንላዕሊ ኽብ በለት።” (ዘፍጥረት 7:17) እዝስ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ፡ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ዚገልጽ ዜደንቕ መርኣያዶ ኣይኰነን፧

ኖህ ምስ ስድራ ቤቱ ብምድሓኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ዝጠፍኡ ሰባት ንኼጠንቅቕዎም የሆዋ ብምሕረቱ ተደሪኹ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ስለ እተጠቕመሎም ኣመስጊኑ ኪኸውን ኣለዎ። ንሱን ስድራ ቤቱን ነቶም ሰባት ንምጥንቃቕ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕርን ድኻምን ከንቱ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ሰባት ፈጺሙ ግዲ ኣይነበሮምን። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኖህ ቅድሚ እቲ ማይ ኣይሂ ብህይወት ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ደቆምን ነይሮምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ግናኸ፡ ብዘይካ እቶም ሸውዓተ ኣባላት ስድራ ቤቱ፡ ዝሰምዖ ሰብ ኣይነበረን። (ዘፍጥረት 5:30) እቶም ሸሞንተ ነፍሲ ብሓባር ኣብታ መርከብ ምስ ደሓኑ ግና፡ ነቶም ሰባት ምእንቲ ኺድሕኑ ኣቐዲሞም ብዙሕ ግዜ ኣጥፊኦም መጠንቀቕታ ኺህብዎም ብምጽናሖም ተጸናኒዖም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ፍሉጥ እዩ።

የሆዋ ኻብ ግዜ ኖህ ኣትሒዙ ኣይተለወጠን። (ሚልክያስ 3:6) የሱስ ክርስቶስ፡ ግዜና ልክዕ ከምቲ “ብዘመን ኖህ” ዝነበረ ኸም ዚኸውን ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:37) ብርቱዕ ዕግርግር ኣብ ዘለዎ እዋን ንነብር ከም ዘሎና ንጹር እዩ፣ እዚ ብልሹው ስርዓት ዓለም ምስ ጠፍአ ኸኣ ኪድምደም እዩ። ሎሚ እውን ህዝቢ ኣምላኽ ንዅሎም ዚሰምዑ ሰባት ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ የብጽሑሎም ኣለዉ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምላሽ ትህበሉ ዲኻ፧ ነቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ሓቂ ድሮ ተቐቢልካዮ እንተ ዄንካ፡ ንኻልኦት ክትነግሮም ዲኻ፧ ኖህን ስድራ ቤቱን ንዅላትና ኣብነት ገዲፎምልና እዮም።

“ብማይ ዝደሓናላ”

እታ መርከብ ኣብቲ ቡሕቡሕ ዚብል ዝነበረ ውቅያኖስ እናተደፍአት ክትከይድ ከላ፡ እቲ ገዘፍቲ ኣጕናድ እታ መርከብ ዓጠጠጥ ኪብል ከሎ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ይሰምዕዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እሞኸ፡ ኖህ ብብርታዐ እቲ ማዕበል ወይ ብዓቕሚ እታ መርከብ ተጨኒቑ ደዀን ይኸውን፧ ኣይፋሉን። ተጠራጠርቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኬበግሱ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኖህ ግና ተጠራጣሪ ኣይነበረን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኖህ ብእምነት መርከብ ሰርሐ’ ይብል። (እብራውያን 11:7) ኖህ ኣብ ምንታይ እዩ እምነት ነይርዎ፧ የሆዋ ንኖህን ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ከም ዜድሕኖም፡ ኪዳን ኣትዩ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 6:18, 19) እቲ ንዩኒቨርስን ንምድርን ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገራትን ዝፈጠረ ኣምላኽሲ፡ ነታ መርከብ ከም ዘይትጕዳእ ኪገብር ኣይክእልንዶ፧ ብርግጽ ይኽእል እዩ! ኖህ፡ የሆዋ ቓሉ ኸም ዚሕሉ እምነት ነበሮ። ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸኣ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ‘ብማይ ድሒኖም’ እዮም።—1 ጴጥሮስ 3:20

ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ሓለፈ፡ እቲ ዝናም ኣቋረጸ። ብመሰረት እቲ ሎሚ እንጠቀመሉ ዓውደ ኣዋርሕ፡ እቲ እዋን እቲ ታሕሳስ 2370 ቅ.ክ. ኣቢሉ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ስድራ ቤት፡ ገና ኸቢድ ዕዮ ነበሮም። እታ ህያዋን ፍጥረታት ዝሓዘት መርከብ ንበይና ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣኽራን እውን ከይተረፈ ዝጐልበበ ዓለምለኻዊ ባሕሪ ጸምበለል ትብል ነበረት። (ዘፍጥረት 7:19, 20) ነተን ኣብቲ መርከብ ዝነበራ እንስሳ ኽትምግብ፡ ንጽህናአንን ጥዕናአንን ድማ ከም ዚሕሎ ኽትገብር ከቢድ ዕዮ ዚሓትት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኖህ ምስ ደቁ፡ ማለት ምስ ሴምን ካምን ያፌትን ኰይኑ ነቲ ኸቢድ ዕዮ እቲ ኺውድቦ ኸሎ ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። እቲ ንዅለን እተን እንስሳ ዘገዳም ምእዙዛት ኰይነን ናብቲ መርከብ ከም ዝኣትዋ ዝገበረ ኣምላኽ፡ ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ እውን ከም ዝሓለወን ፍሉጥ እዩ። a

ኖህ ብጥንቃቐ መዝገብ ፍጻመታት ይሕዝ ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። እቲ መዝገብ እቲ፡ እቲ ዝናም መዓስ ከም ዝጀመረን መዓስ ከም ዘቋረጸን ዚነግር እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ማይ ንምድሪ፡ 150 መዓልቲ ጐልቢብዋ ኸም ዝጸንሐ እውን ይገልጽ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ማይ ኪጐድል ጀመረ። ኣብ ሓንቲ ኣገዳሲት መዓልቲ፡ እታ መርከብ፡ ኣብቲ ሎሚ ቱርኪ ዚብሃል ሃገር ዚርከብ “ኣኽራን ኣራራት” ዓረፈት። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ሚያዝያ 2369 ቅ.ክ. ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ፡ 73 መዓልቲ ጸኒሑ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ጫፍ ኣኽራን ኪርአ ጀመረ። ሰለስተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ኣብ መስከረም፡ ኖህ ንገሊኡ ኽፋል ናሕሲ እታ መርከብ ኬልግሶ ወሰነ። እቲ ዕዮ ኸቢድ እኳ እንተ ነበረ፡ ሳላ ኸምኡ ዝገበረ ብርሃንን ንጹህ ኣየርን ኪርከብ ተኻኢሉ እዩ። ኖህ ኣቐድም ኣቢሉ እውን፡ እቲ ኣከባቢ ድሓንን ንኽትነብረሉ ዚምሽእን እንተ ዀይኑ ንኺፈልጥ ፈተነ ገይሩ ነይሩ እዩ። መጀመርታ ኳዅ ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ንእተወሰነ ግዜ ንየው ነጀው ይመላለስ ነበረ፣ ምናልባት ጸጸኒሑ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ እናዓለበ፡ ይነፍር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ድማ ርግቢ ሰደደ፡ እታ ርግቢ እተዕርፈላ ስፍራ ኽሳዕ እትረክብ ናብ ኖህ ትምለስ ነበረት።—ዘፍጥረት 7:24–8:13

ኖህ ኣብቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ይመርሕ ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን

ኖህ ብዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት የተኵር ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እታ ስድራ ቤት ንኽትጽልን ብዛዕባ እቲ ዜዕቍብ ሰማያዊ ኣቦኣ ንኽትዘራረብን ኣዘውቲራ ትእከብ ከም ዝነበረት ፍሉጥ እዩ። ኖህ ኣገዳሲ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ፡ ወትሩ ኣብ የሆዋ ይውከል ነበረ። ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምጽናሑ፡ እታ ምድሪ ኸም ‘ዝነቐጸት’ ምስ ረኣየ እውን ከይተረፈ፡ ንማዕጾ እታ መርከብ ከፊቱ ኸም ዝወጹ ኣይገበረን። (ዘፍጥረት 8:14) ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ የሆዋ ቓል ክሳዕ ዝመጾ ተጸብዩ እዩ።

ሎሚ እውን ርእስታት ስድራ ቤት ካብቲ እሙን ዝነበረ ኖህ ብዙሕ ነገራት ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ኖህ እሩምን ጻዕራምን ዕጉስን ንዅሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ ዝነበሩ ዜዕቍብን ሰብ እዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኣብ ኵሉ ነገራት ብቐዳምነት ፍቓድ የሆዋ ኣብ ግምት የእቱ ነበረ። ኣብዚ መዳያት እዚ ንእምነት ኖህ ንቐድሓ እንተ ዄንና፡ ንዅሎም እቶም እነፍቅሮም ሰባት በረኸት ከነምጽኣሎም ኢና።

“ካብ መርከብ ውጹ”

ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንኖህ፡ “ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን፡ ኣንስቲ ደቅኻ ኸኣ ምሳኻ፡ ካብ መርከብ ውጹ” ብምባል ኣዘዞ። እታ ስድራ ቤት ተኣዚዛ ወጸት፡ ኵሎም እንስሳታት ከኣ ሰዓብዎም። ኣወጻጽኣኦምከ ኸመይ እዩ ነይሩ፧ ህዱድ እናበሉ ድዮም ወጺኦም፧ ኣይፋሎምን። እቲ ጸብጻብ፡ “በብዓሌቶም ካብ መርከብ ወጹ” ይብለና። (ዘፍጥረት 8:15-19) ኖህን ስድራ ቤቱን ካብ መርከብ ምስ ወጹ፡ ነቲ ኻብ ኣኽራን ዚነፍስ ዝነበረ ንጹህ ኣየር እናስተንፈሱ፡ ካብ ከበሳታት ኣራራት ኣማዕድዮም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ ጽርይቲ ምድሪ እዮም ዚርእዩ ነይሮም። ዓመጽ ኣይነበረን፡ ከመይሲ፡ እቶም ንጉዓት ሰባትን እቶም ዓለወኛታት መላእኽትን እቲ እኩይ ሕብረተ ሰብ ብምሉኡን ጠፊኦም እዮም። b ወዲ ሰብ፡ ከም ብሓድሽ ናብራኡ ኺጅምር ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ።

ኖህ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብኣምልኾ ጀመረ። መሰውኢ ሰርሐ፡ ንገለ ኻብተን ኣምላኽ ከም ንጹሃት ዚቘጽረን—“ሸሾብዓተ” ገይሮም ናብ መርከብ ኣእትዮምወን ዝነበሩ—እንስሳታት ንየሆዋ “ዚሐርር መስዋእቲ” ገይሩ ኣቕረበን። (ዘፍጥረት 7:2፣ 8:20) እዚ ኣምልኾ እዚ ንየሆዋ ኣሐጒስዎ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ “እግዚኣብሄር ድማ እዚ ጥዑም መኣዛ ኣጨነወ” ብዚብል ዜጸናንዕ ቃላት ይምልሳ። ኣምላኽ፡ ወዲ ሰብ ንዓለም ብዓመጽ ኪመልኣ ኸሎ ኣዝዩ ጕህዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ፍቓዱ ኺገብሩ ዝቘረጹ እሙናት ስድራ ቤት ኬምልኽዎ ኸለዉ ምስ ረኣየ ግና፡ ኣዝዩ ባህ በሎ። የሆዋ ንዓታቶም ፍጹማት ኪዀኑ ኣይጽበዮምን እዩ ነይሩ። እታ ጥቕሲ ቐጺላ፡ “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ” ትብል። (ዘፍጥረት 8:21) የሆዋ ንደቂ ሰብ ብትዕግስቲ ዚርሕርሓሎም ምዃኑ ብኸመይ ከም ዝገለጸ ቐጺልና ንርአ።

ኣዳምን ሄዋንን ምስ ዓለዉ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ስለ ዝረገማ፡ ማሕረስ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዀይኑ ነበረ። ድሕሪ ማይ ኣይሂ ግና፡ ኣምላኽ ነቲ መርገም ኣልዓሎ። ንኖህ ስም ዘውጽኣሉ ኣቦኡ ላሜክ እዩ፣ እቲ ስም እቲ፡ “ዕረፍቲ” ወይ “መጸናንዒ” ዚብል ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ላሜክ፡ ወዱ ንደቂ ሰብ ካብቲ መርገም እቲ ኣውጺኡ ናብ ዕረፍቲ ኸም ዚመርሖም ተንብዩ ነበረ። ኖህ እቲ ትንቢት እቲ ኺፍጸም ከሎን ምድሪ ምስ ተሓርሰት ፍሪኣ ኽትህብ ከላን ከም ዚርኢ ምስ ፈለጠ ፍሽኽ ኢሉ ኪኸውን ኣለዎ። ኖህ ቀልጢፉ ኺሓርስ እንተ ጀመረ እምበኣር ኣየገርምን እዩ።—ዘፍጥረት 3:17, 18፣ 5:28, 29፣ 9:20

ኖህን ስድራ ቤቱን ካብታ መርከብ ናብ ጽርይቲ ምድሪ ወጹ

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንዅሎም ዘርኢ ኖህ፡ ኣብ ህይወቶም ዚምርሑሉ ንጹር ሕግታት ሃቦም። ገለ ኻብኡ፡ ካብ ቅትለትን ደምን ኪሕለዉ ኸም ዘለዎም ዚሕብር እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ዅሉ ህይወት ድሕሪ ደጊም ብማይ ከም ዘየጥፍኦ ብምምብጻዕ፡ ምስ ወዲ ሰብ ኪዳን ኣተወ። ቃሉ ኺፍጽም ምዃኑ ዚሕብር ምልክት እውን ሂቡ እዩ። እዚ ምልክት እዚ ኸኣ እቲ ወዲ ሰብ ንመጀመርታ ግዜ ዝረኣዮ ግርማውን ባህርያውን ተርእዮ ዝዀነ ቐስተ ደመና እዩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኸኣ ይርአ ኣሎ። ቀስተ ደመና ኽንርኢ ኸለና፡ ብዛዕባ እቲ ፍቕራዊ መብጽዓ የሆዋ ዜዘኻኽረና ብምዃኑ ንጸናናዕ ኢና።—ዘፍጥረት 9:1-17

ዛንታ ኖህ፡ ልቢ ወለድ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ኣብቲ ቐስተ ደመና መብቅዐ ነይሩ። ኖህ ግና ልቢ ወለድ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቂ ሰብ እዩ ነይሩ፡ ብዘይጸገም እውን ኣይኰነን ዚነብር ነይሩ። ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ነዊሕ ዕድመ እዩ ነይርዎም። እቲ እሙን ሰብ ዝነበረ ኖህ እውን ብድሕሪኡ 350 ዓመት ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ ዘመናት እቲ ብዙሕ ዜጕሂ ነገራት ኣጋጢምዎ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምስ ሰኸረ፡ ዓብዪ ጌጋ ፈጺሙ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ እቲ ወዲ ወዱ ዝነበረ ከነኣን ምስኡ ዝገደደ ሓጢኣት ኪፍጽም ክኢሉ እዩ። እቲ ሓጢኣት ንስድራ ቤት ከነኣን ከቢድ ሳዕቤን ኣምጽኣላ። ኖህ ነዊሕ ዓመታት ብምጽናሑ፡ ደቂ ደቁ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ኪወድቁ ኸለዉ ርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ብግዜ ኒምሮድ ዝነበሩ ሰባት ኣምልኾ ጣኦትን ዓመጽን ኪፍጽሙ ኸለዉ ርእዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብኣወንታዊ መዳይ እውን፡ ወዱ ሴም ንስድራ ቤቱ ጽቡቕ ኣብነት ኪሰርዓሎም ከሎ ርእዩ እዩ።—ዘፍጥረት 9:21-28፣ 10:8-11፣ 11:1-11

ንሕና እውን ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ከም ኖህ እሙናት ክንከውን ኣሎና። ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዕሽሽ እኳ እንተ በልዎ፡ አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ንዕኡ ኻብ ምግልጋል እኳ እንተ ኣቋረጹ፡ ከም ኖህ እሙናት ኴንና ኽንቅጽል ኣሎና። የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት እነርእዮ ጽንዓትና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ።”—ማቴዎስ 24:13

a ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ንስርዓት ንዋመ ተጠቒሙ፡ ነተን እንስሳታት ብእተወሰነ ደረጃ ኸም ዝፈዝዛ ብምግባር፡ ሸውሃተን ከም ዚንኪ ገይርዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይገልጹ። ነዚ ሜላ እዚ ይጠቐም ኣይጠቐም ብዘየገድስ፡ ንዅሎም እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ነፍሳት ከም ዚድሕኑ ብምግባር ቃሉ ኸም ዝሓለወ እተረጋገጸ እዩ።

b ኣሰር ገነት ኤድን ብማይ ኣይሂ ተደምሲሱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ተፈጺሙ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ እቶም ኣብ መእተዊ ገነት ኤድን ዚሕልዉ ዚነበሩ ኪሩቤል ናብ ሰማይ ተመሊሶም ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ 1600 ዓመት ዝጸንሐ ዕዮኦም ከኣ ተዛዘመ።—ዘፍጥረት 3:22-24