ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ቅረቦ

‘እቲ ዘይርአ ባህርዩ፡ ብንጹር ይርአ’

‘እቲ ዘይርአ ባህርዩ፡ ብንጹር ይርአ’

ብኣምላኽ ትኣምን ዲኻ፧ ትኣምን እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ህልውናኡ ዜረጋግጽ መርትዖ ኸተቕርብ ትኽእልዶ፧ ጥበበኛን ሓያልን ፈቃርን ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ፡ ኣብ ከባቢና ብብዝሒ እዩ ዘሎ። እዚ መርትዖ እዚ እንታይ እዩ፧ ክሳዕ ክንደይከ እዩ ዜእምን፧ መልሱ ንኽንረኽቦ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ እተዛረቦ ቓላት ንመርምሮ።

ጳውሎስ፡ “እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ [ባህሪ ኣምላኽ] ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱን፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ፣ ስለዚ፡ ዜመኻንይዎ የብሎምን” በለ። (ሮሜ 1:20) ከምቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ፡ ፈጣሪ ኣብ ፍጥረታቱ ኣሰሩ ገዲፉ እዩ። እስከ እምበኣር፡ ነቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ኣድቂቕና ንመርምሮ።

ጳውሎስ፡ ባህርያት ኣምላኽ፡ “ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ” ኺርአ ኸም ዚኽእል ሓቢሩ ኣሎ። እታ ኣብዚ “ዓለም” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ ንደቂ ሰብ ደኣ እምበር፡ ንምድሪ ኣይተመልክትን እያ። a ስለዚ ጳውሎስ፡ ሰባት ካብ እተፈጥሩሉ እዋን ኣትሒዞም፡ ንባህርያት ፈጣሪ ዜርኢ መርትዖ፡ ካብቲ ንሱ ዝፈጠሮ ነገራት ኪርእይዎ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

እዚ መርትዖ እዚ፡ ኣብ ዙርያና እዩ ዘሎ። ኣብ ተፈጥሮ እተሓብአ ዘይኰነስ፡ “ብንጹር ይርአ እዩ።” ፍጥረት፡ ካብቲ ዝነኣሰ ኽሳዕ እቲ ዝዓበየ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዜደንቕ ባህርያት ከም ዘለዎ እውን ብንጹር ይገልጽ እዩ። እቲ ኣብ ፍጥረት ብንጹር ዚርአ ብምስትውዓል እተነድፈ ንድፊ ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ዚገልጸልናዶ ኣይኰነን፧ እቲ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማያትን እቲ ብርቱዕ ማዕበልን ንሓይሊ ኣምላኽ ዚገልጽዶ ኣይኰነን፧ እቲ ንትንሓግና ባህ ዜብል እተፈላለየ ዓይነት ምግብን እቲ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ዀነ ኽትዓርብ ከላ ዚርአ ጽባቐን ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ከም ዜፍቅሮም ዚገልጽዶ ኣይኰነን፧—መዝሙር 104:24፣ ኢሳይያስ 40:26

እቲ መርትዖ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ንጹር፧ ኣዝዩ ንጹር ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዘይርእይዎን ብኣምላኽ ዘይኣምኑን ሰባት፡ “ዜመኻንይዎ የብሎምን።” ሓደ ምሁር፡ ነዚ ሓሳብ እዚ፡ በዚ ዚስዕብ ምሳሌ ገሊጽዎ ኣሎ፦ ሓደ መራሕ ማኪና ንሓደ፡ “ተመለስ—ናብ ጸጋም ተጠወ” ዚብል ምልክት ዕሽሽ ከም ዝበሎ ጌርና ንሕሰብ። ሓደ ትራፊክ ፖሊስ ምስ ረኣዮ፡ ጠጠው የብሎ እሞ ንኪቕጻዕ ቲኬት ኪጽሕፈሉ ይጅምር። እቲ መራሕ ማኪና፡ ነቲ ምልክት ከም ዘይረኣዮ ኺከራኸር ይፍትን። ይኹን እምበር፡ እቲ ምልክት ብንጹር ስለ ዚርአን እቲ መራሕ ማኪና ኸኣ ናይ ምርኣይ ጸገም ስለ ዘይብሉን እቲ ዘቕረቦ ምኽንያት ተቐባልነት የብሉን። ብዘይካዚ፡ መራሕ ማኪና ብምዃኑ፡ ነቲ ምልክታት እቲ ኺርእዮን ኬቕልበሉን ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ኣብ ፍጥረት ዚርአ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ከኣ ዜረጋግጽ መርትዖ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። እቲ “ምልክት” እቲ ብንጹር እዩ ዚርአ። ምስትውዓል ዘለና ፍጡራት ስለ ዝዀንና፡ ነቲ “ምልክት” እቲ ናይ ምርኣይ ተኽእሎ ኣሎና። “ኣይረኣኽዎን” ኢልና ኸነማኻኒ ኣይንኽእልን ኢና።

ፈጣሪ ኣብ ፍጥረታቱ ኣሰሩ ገዲፉ እዩ

እወ፡ ፍጥረት ብዛዕባ ፈጣሪና ብዙሕ እዩ ዚነግረና። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዝያዳ ኺገልጸልና ዚኽእል መጽሓፍ እውን ኣሎ፡ እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ‘ኣምላኽ ብዛዕባ ምድርናን ብዛዕባ እቶም ዚነብሩላ ሰባትን እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዎ፧’ ንዚብል ኣገዳሲ ሕቶ ይምልሰልና እዩ። መልሱ ምፍላጥና ኸኣ፡ ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። እቲ “ዘይርአ ባህርዩ” ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም “ብንጹር ይርአ” እዩ። ▪

ንነሓሰ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ሮሜ 1-16

a ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ን“ዓለም፡” ሓጢኣት ከም ዝፈጸመት እሞ መድሓኒ ኸም ዜድልያ ገይሩ ተዛሪቡላ ኣሎ። ኣብዚ፡ እታ ቓል ንደቂ ሰብ ደኣ እምበር፡ ንምድሪ ኸም ዘይተመልክት ንጹር እዩ።—ዮሃንስ 1:29፣ 4:42፣ 12:47