ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዛንታ ኖህን ማይ ኣይህን ጽውጽዋይ ጥራይ ድዩ፧

ዛንታ ኖህን ማይ ኣይህን ጽውጽዋይ ጥራይ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ማይ ኣይሂ ብሓቂ ዘጋጠመ ፍጻመ እዩ። ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ንምጥፋእ ኢሉ ዘምጸኦ ድማ እዩ፣ ንቕኑዓት ሰባትን ንእንስሳታትን ንምድሓን ግና ንኖህ መርከብ ኪሰርሕ ነጊርዎ እዩ። (ዘፍጥረት 6:11-20) እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብቲ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” ቕዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ስለ እንረኽቦ፡ ማይ ኣይሂ ብሓቂ ኸም ዘጋጠመ ኽንኣምን ንኽእል ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

 ሓቂዶ ፈጠራ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኖህ ብሓቂ ዝነበረ ሰብ ከም ዝዀነ፡ ማይ ኣይሂ ድማ ብሓቂ ዘጋጠመ ፍጻመ እምበር ፈጠራ ወይ ጽውጽዋይ ከም ዘይነበረ ይገልጽ እዩ።

  •   ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኖህ ብሓቂ ዝነበረ ሰብ ከም ዝዀነ ይኣምኑ ነይሮም። ንኣብነት፡ እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ክኢላታት ጸሓፍቲ ታሪኽን ዝነበሩ እዝራን ሉቃስን፡ ንኖህ ኣብ ቍጽሪ ወለዶታት ህዝቢ እስራኤል ኣእትዮምዎ እዮም። (1 ዜና መዋእል 1:4፣ ሉቃስ 3:36) እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝነበሩ ማቴዎስን ሉቃስን ድማ፡ የሱስ ብዛዕባ ኖህን ማይ ኣይህን ከም እተዛረበ መዝጊቦም ኣለዉ።—ማቴዎስ 24:37-39፣ ሉቃስ 17:26, 27

     ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነብዪ ህዝቅኤልን ሃዋርያ ጳውሎስን ንኖህ ከም ኣብነት እምነትን ጽድቅን ገይሮም ጠቒሶምዎ እዮም። (ህዝቅኤል 14:14, 20፣ እብራውያን 11:7) እዞም ጸሓፍቲ እዚኦም ንሓደ ኣብ ጽውጽዋይ ጥራይ ዚርከብ ሰብ፡ ኪስዓብ ከም ዚግብኦ ኣብነት ገይሮም ምጠቐስዎዶ ነይሮም፧ እምበኣር፡ ኖህን ካልኦት ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ኪስዓቡ ኸም ዚግብኦም ኣብነት ጌርካ እተጠቕሱ ምኽንያት፡ ብሓቂ ዝነበሩ ሰባት ስለ ዝዀኑ እዮም።—እብራውያን 12:1፣ ያእቆብ 5:17

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዝርዝር ሓበሬታ ይህብ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ከም ጽውጽዋያት ብዛዕባ ዘይተፈልጠ ግዜ ኣይኰነን ዜዘንቱ። የግዳስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ምስ ማይ ኣይሂ ዚተኣሳሰር ፍጻመታት ዘጋጠመሉ ዓመትን ወርሕን መዓልትን ይጠቕሶ እዩ። (ዘፍጥረት 7:11፣ 8:4, 13, 14) ብዘይካዚ፡ ዓቐን እታ ኖህ ዝሰርሓ መርከብ ይህብ እዩ። (ዘፍጥረት 6:15) እዚ ዝርዝር ሓበሬታ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንማይ ኣይሂ ብሓቂ ኸም ዘጋጠመ ፍጻመ እምበር፡ ከም ፈጠራ ገይሩ ኸም ዘይገልጾ የርኢ።

 ስለምንታይ ማይ ኣይሂ ዘኒሙ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ በዚሑ’ ኸም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 6:5) ኣስዒቡ ኸኣ ምድሪ ብዓመጻን ብምንዝርናን መሊኣ ብምንባራ፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተበላሽያ ነበረት” ይብል።—ዘፍጥረት 6:11፣ ይሁዳ 6, 7

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብዛሕትኡ እዚ ጸገም እዚ በቶም ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ኢሎም ሰማይ ሓዲጎም ዝመጹ እኩያት መላእኽቲ ዝሰዓበ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። እዞም መላእኽቲ እዚኦም ዝወለድዎም ነፊሊም ድማ ንደቂ ሰብ እዚ ዘይብሃል ጕድኣትን ስቓይን ኣስዒቦም እዮም። (ዘፍጥረት 6:1, 2, 4) ኣምላኽ ከኣ ንእኩያት ሰባት ካብ ምድሪ ኣጥፊኡ፡ ቅኑዓት ሰባት ካብ ሕማቕ ጽልዋ ሓራ ዀይኖም ሓድሽ ህይወት ኪጅምሩ ወሰነ።—ዘፍጥረት 6:6, 7, 17

 ሰባት ማይ ኣይሂ ኸም ዚመጽእ ይፈልጡዶ ነይሮም፧

 እወ። ኣምላኽ ንኖህ እንታይ ከም ዜጋጥም ሓቢርዎ፡ ህይወት ስድራ ቤቱን እንስሳታትን ንምድሓን ድማ መርከብ ኪሰርሕ ኣዚዝዎ እዩ። (ዘፍጥረት 6:13, 14፣ 7:1-4) ኖህ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት እኳ እንተ ኣጠንቀቖም፡ ንመጠንቀቕታኡ ዕሽሽ እዮም ኢሎምዎ። (2 ጴጥሮስ 2:5) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን” ይብል።—ማቴዎስ 24:37-39

 መርከብ ኖህ ከመይ ትመስል ነይራ፧

 እታ መርከብ ቅኑዕ ርቡዕ ኩርናዕ ዝቕርጻ ዓባይ ሳንዱቕ ኰይና፡ 133 ሜተር ዝምንዋሓ፡ 22 ሜተር ዝምግፋሓ፡ 13 ሜተር ድማ ዝቝመታ እያ ነይራ። a እታ መርከብ፡ ዕንዲዳ ኻብ ዜውጽእ ዕንጨይቲ እያ ተሰሪሓ፣ ብውሽጣን ብደጊኣን ከኣ ብቕጥራን እተለቕለቐት እያ ነይራ። ሰለስተ ባይታ ወይ ክልተ ደርቢ፡ ከምኡ ድማ ብርክት ዝበለ ኽፍልታት ነይርዋ እዩ። ብሓደ ጐድኒ እታ መርከብ ማዕጾ ነይሩ እዩ፣ ኣብ ላዕለዋይ ሸነኻ መሳዅቲ ነይርዋ ኪኸውን ኣለዎዩ። ማይ ምእንቲ ኺፈስስ፡ ኣብ ማእከሉ ብርኽ ኢሉ ቕንን ዝበለ ናሕሲ ዝነበራ እዩ ዚመስል።—ዘፍጥረት 6:14-16

 ኖህ መርከብ ኪሃንጽ ክንደይ ግዜ ወሲዱሉ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኖህ ነታ መርከብ ንምህናጽ ክንደይ ዓመት ከም ዝወሰደሉ ኣይሕብርን እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደሉ እዩ ዚመስል። ኖህ በዅሪ ወዱ ኺውለድ ከሎ ልዕሊ 500 ዓመት ገይሩ ነይሩ፣ ማይ ኣይሂ ኺወርድ ከሎ ድማ ወዲ 600 ዓመት ኰይኑ ነይሩ። bዘፍጥረት 5:32፣ 7:6

 ኣምላኽ ንኖህ መርከብ ኪሰርሕ ኪነግሮ ኸሎ፡ ደቂ ኖህ እኹላት ሰባት ኰይኖምን ሓዳር መስሪቶምን ነይሮም እዮም፣ እዚ ኸኣ ናይ 50 ወይ 60 ዓመት ግዜ ዚሽፍን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 6:14, 18) በዚ መሰረት እዚ፡ እታ መርከብ ተሃኒጻ ኽትውዳእ 40 ወይ 50 ዓመት ወሲዱላ ኪኸውን ይኽእል ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።

a መጽሓፍ ቅዱስ ንዓቐን እታ መርከብ ብእመት እዩ ዚገልጾ። “እቲ እብራውያን ዜዘውትርዎ እመት፡ 44.45 ሰንቲ ሜተር እዩ ነይሩ።”—ዘ ኢላስትሬትድ ባይብል ዲክሽነሪ፡ እተኸለሰ ሕታም፡ 3ይ ክፋል፡ ገጽ 1635።

b ብዛዕባ ዕምሪ እቶም ከም ኖህ ዝኣመሰሉ ሰባት ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2010 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ፡ “ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ብሓቂዶ ነዊሕ ዕድመ ገይሮም እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።