ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧

‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧

“እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡንስ፡ ልቢ ኽህቦም እየ፡ . . . ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።”​—ኤር. 24:7

1, 2. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ በለስ ዚግደሱ ስለምንታይ እዮም፧

ሓድሽ ወይ ዝነቐጸ በለስ (ማለት በለስ ጥልያን) ምብላዕ ትፈቱዶ፧ ብዙሓት ሰባት፡ በለስ ስለ ዚፈትዉ፡ እዚ ተኽሊ እዚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እዩ ዚበቍል። ጥንታውያን ኣይሁድ እውን ንበለስ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነበሩ። (ናሆ. 3:12፣ ሉቃ. 13:6-9) በለስ፡ ጽሕጊ ኣለዎ፣ ብዘይካዚ፡ ነቲ ኦክስጅን ምስ ካልኦት ውሁዳት ተሓዋዊሱ ዜምጽኦ ጕድኣት ይከላኸል እዩ፣ ማዕድን እውን ኣለዎ፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ንልቢ ጠቓሚ ምዃኑ ይዛረቡ እዮም።

2 ሓደ እዋን፡ የሆዋ ንልቢ ምስ በለስ ኣመሳሲልዎ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ በለስ ምብላዕ ብዛዕባ ዘለዎ ጥዕናዊ ጥቕሚ ኣይኰነን ዚገልጽ ነይሩ። ብምሳልያዊ መገዲ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እቲ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ እተዛረቦ ነገራት፡ ንልብኻን ንልቢ እቶም እተፍቅሮም ሰባትን ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ንሱ ዝበሎ ነገራት ክንምርምሮ ኸለና፡ ንክርስትያናት እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ሕሰብ።

3. እቲ ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 24 እተጠቕሰ በለስ፡ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

3 ፈለማ፡ የሆዋ ብግዜ ኤርምያስ ብዛዕባ በለስ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። ብ617 ቅ.ክ. ህዝቢ ይሁዳ ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት ነበሩ። ኣምላኽ ድማ ንመጻኢ ብዚምልከት፡ ንኤርምያስ ክልተ ዓይነት በለስ ብራእይ ኣርኣዮ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ጽቡቕ” በለስን “ሕማቕ” በለስን እዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 24:1-3 ኣንብብ።) እቲ ሕማቕ በለስ፡ ነቲ ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ብንጉስ ነቡካድነጻርን ብሰራዊቱን እተጋፍዐ ንጉስ ጼድቅያስን ንኻልኦት ሰባትን እዩ ዜመልክት። ይኹን እምበር፡ ህዝቅኤልን እቲ ድሮ ኣብ ባቢሎን ዝነበረ ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ብጾቱን እቶም ጸኒሖም ናብ ባቢሎን እተወስዱ ገለ ኣይሁድን፡ ልክዕ ከም ጽቡቕ በለስ እዮም ነይሮም። እቶም ካባታቶም ብህይወት ዝተረፉ፡ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ንየሩሳሌምን ነታ ቤተ መቕደስን እንደገና ኸም ዚሃንጽወን ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ፣ ድሕሪ ግዜ ድማ ተፈጸመ።—ኤር. 24:8-10፣ 25:11, 12፣ 29:10

4. ካብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ በለስ ዝበሎ እንታይ መተባብዒ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

4 የሆዋ ብዛዕባ እቶም በቲ ጽቡቕ በለስ እተመሰሉ ሰባት፡ “እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡንስ፡ ልቢ ኽህቦም እየ፡ . . . ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” በለ። (ኤር. 24:7) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ ቐንዲ ጥቕሲ ዀይና፡ ኣዝያ እተተባብዕ እያ። ኣምላኽ ንውልቀ ሰባት፡ ‘ንዕኡ ዚፈልጥ ልቢ’ ኺህቦም ፍቓደኛ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ “ልቢ” ምስ ዝንባለ ሓደ ሰብ እያ እትተሓሓዝ። ከምዚ ዓይነት ልቢ ኺህልወካን ኣባል ህዝቢ ኣምላኽ ክትከውንን ከም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ ንቓል ኣምላኽ ከተጽንዖን ክትትግብሮን ኣሎካ፣ ብዘይካዚ፡ ክትንሳሕን ክትምለስን ከምኡውን ህይወትካ ንኣምላኽ ወፊኻ፡ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ክትጥመቕ ኣሎካ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 3:19) ድሮ ኸምኡ ጌርካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ከኣ ኣዘውቲርካ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትሓብርን ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ስጕምትታት ንኽትወስድ ትዳሎን ትህሉ ትኸውን።

5. ኤርምያስ ብዛዕባ ልቢ መን እዩ ጽሒፉ፧

5 ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ነጥብታት ምሉእ ብምሉእ ኰነ ብኸፊል ፈጺምናዮ ኽንከውን ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ንኣረኣእያናን ንኣካይዳናን ግና ወትሩ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ኣሎና። ስለምንታይ ከምኡ ኽንገብር ከም ዘሎና፡ ኣብቲ ኤርምያስ ብዛዕባ ልቢ ዝጸሓፎ ሓሳባት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ዚርከባ ገሊአን ምዕራፋት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበሩ ኣህዛብ እየን ዚገልጻ፣ ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትአን ምዕራፋት፡ ሓሙሽተ ነገስታት እስራኤል ይገዝኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዛዕባ ዝነበሩ ኣይሁድ እየን ዚገልጻ። (ኤር. 1:15, 16) እወ፡ ኤርምያስ ብቐንዱ ብዛዕባ እቶም ድሮ ንየሆዋ እተወፈዩ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን እዩ ጽሒፉ። ኣቦታቶም ከኣ፡ ንኣምላኽ ውፉያት ንኪዀኑ ብፍታው መሪጾም ነይሮም እዮም። (ዘጸ. 19:3-8) እቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ህዝቢ እውን እንተ ዀኑ፡ ንኣምላኽ እተወፈዩ ኸም ዝዀኑ ኺገልጹ ኸለዉ፡ “ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻ እሞ እኔና፡ ናባኻ ንመጽእ አሎና” ኢሎም እዮም። (ኤር. 3:22) ይኹን እምበር፡ ኵነታት ልቦም ከመይ ዝነበረ ይመስለካ፧

ምሳልያዊ መጥባሕቲ ልቢ የድልዮም ነበረ

6. ብፍላይ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ልቢ ዝበሎ ነገራት ኬገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

6 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሓካይም፡ ኣዝዩ ምዕቡል ብዝዀነ ተክኖሎጂ ተጠቒሞም፡ ልብና ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘላን ብኸመይ ትዓዪ ኸም ዘላን ኪፈልጡ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ኤርምያስ ዝገበሮ፡ ካብ ሓካይም ንላዕሊ ኺገብር ይኽእል እዩ። ከምቲ ባዕሉ ዝገለጾ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ዚበልጽ ብቕዓት ኣለዎ፣ ከምዚ ድማ በለ፦ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ እምርምሮ።” (ኤር. 17:9, 10) የሆዋ “ንልቢ እምርምሮ” ኺብል ከሎ፡ ነቲ ድሕሪ 70 ወይ 80 ዓመት እውን እንተ ዀነ ሰለስተ ቢልዮን ሳዕ ዚወቅዕ ስጋዊ ልቢ ኸም ዚምርምሮ ኣይኰነን ዚሕብር ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ ምሳልያዊ ልቢ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እዚ “ልቢ” እዚ፡ ንውሽጣዊ እንታይነት ሓደ ሰብ፡ ማለት ንባህግታቱን ንሓሳቡን ንዝንባለኡን ንኣረኣእያኡን ንሸቶታቱን ዜጠቓልል እዩ። ንስኻ እውን ከምኡ ዓይነት ልቢ ኣሎካ። ኣምላኽ ድማ ኪምርምሮ ይኽእል እዩ፣ ንስኻ እውን እንተ ዀንካ ብእተወሰነ ደረጃ ኽትምርምሮ ትኽእል ኢኻ።

7. ኤርምያስ ንልቢ መብዛሕትኦም እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ ብኸመይ እዩ ገሊጽዎ፧

7 ነቲ እንገብሮ ምርመራ ምእንቲ ኽንዳሎ፡ ‘እቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ኵነታት ምሳልያዊ ልቦም ከመይ ነይሩ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ንመልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ፡ “ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ልባ ኣይተገዝረን” ዚብል ዜገርም ኣዘራርባ ኤርምያስ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ኤርምያስ ነቲ ኣይሁድ ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ዚገብርዎ ስጋዊ ግዝረት ኣይኰነን ዜመልክት ነይሩ፣ ከመይሲ፡ “እንሆ፡ ንዅሎም እቶም ዘይተገዝሩ ግዙራት . . . ዝቐጽዓለን መዓልትታት ይመጻ አለዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር” ኢሉ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እቶም ብስጋ እተገዝሩ ኣይሁዳውያን ሰብኡት እውን እንተ ዀኑ፡ ‘ልቦም ኣይተገዝረን’ ነይሩ። (ኤር. 9:25, 26) እዚ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

8, 9. መብዛሕትኦም ኣይሁድ ምስ ልቦም ብዚተሓሓዝ እንታይ እዮም ኪገብሩ ነይርዎም፧

8 ንትርጕም እቲ ‘ዘይተገዝረ ልቢ’ ዚብል ሓረግ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ንኣይሁድ ዝሃቦም ምሕጽንታ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና፣ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ብሰሪ ኽፍኣት ግብርኹም ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ . . . ልብኹም ግዘሩ።” ኰይኑ ግና፡ ክፍኣት ግብሮም ካበይ እዩ ዚምንጭው ነይሩ፧ ካብ ውሽጦም፡ ማለት ካብ ልቦም እዩ ዚምንጭው ነይሩ። (ማርቆስ 7:20-23 ኣንብብ።) እወ፡ ኣምላኽ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ እቲ ኣይሁድ ዚገብርዎ ዝነበሩ ኽፍኣት፡ ምንጩ እንታይ ምንባሩ ብልክዕ ኣለልይዎ ነበረ። ልቦም ደረቐኛን ዓለወኛን እዩ ነይሩ። ድራኸታቶምን ኣተሓሳስባኦምን ድማ ንየሆዋ የጕህዮ ነበረ። (ኤርምያስ 5:23, 24፣ 7:24-26 ኣንብብ።) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽ፡ “ንእግዚኣብሄር ተገዘሩ፡ ልብኹም ግዘሩ” ኢሉ ነገሮም።—ኤር. 4:4፣ 18:11, 12

9 ስለዚ፡ እቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ልክዕ ከምቶም ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ምሳልያዊ መጥባሕቲ ልቢ ኺገብሩ፡ ማለት ‘ልቦም ኪገዝሩ’ የድልዮም ነበረ። (ዘዳ. 10:16፣ 30:6) ‘ዕልቦ ልቦም ኪገዝሩ’ ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ንልቦም ከም ዘይእዘዝ ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት፡ ማለት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዚጋጮ ኣተሓሳስባኦም፡ ነቲ ዚፈትውዎ ነገራት፡ ወይ ከኣ ንድራኸታቶም ኬወግድዎ ኸም ዝነበሮም ዚሕብር እዩ።—ግብ. 7:51

ሎሚ ንየሆዋ ‘ዚፈልጥ ልቢ’

10. ነቲ ዳዊት ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

10 ኣምላኽ ንምሳልያዊ ልቢ ንኽንፈልጦ ስለ ዚሕግዘና፡ ከነመስግኖ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ‘እዚ ሎሚ ንዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገድሶም ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ብዙሓት ክርስትያናት፡ ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ ብኽፍኣት ይመላለሱ ወይ “ሕማቕ በለስ” ይዀኑ ስለ ዘለዉ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ፡ ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ውፉያትን ንጹሃትን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ዳዊት እውን እንተ ዀነ፡ “ዎ ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ፡ ፈትነኒ፡ ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፡ ርኤ” ኢሉ ነይሩ እዩ።—መዝ. 17:3፣ 139:23, 24

11, 12. (ሀ) ነፍሲ ወከፍና ንልብና ኽንምርምሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣምላኽ እንታይ እዩ ዘይገብር፧

11 የሆዋ፡ ነፍሲ ወከፍና ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ክንምስርትን ነቲ ርክብ ዓቂብናዮ ኽንቅጽልን ይደሊ እዩ። ኤርምያስ፡ “ኣታ ንጻድቕ እትምርምር፡ ልብን ኰላሊትን እትርኢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ኢሉ ነበረ። (ኤር. 20:12) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንልቢ ጻድቕ ዚምርምሮ ኻብ ኰነ፡ ንሕና እውን ብቕንዕና ርእስና ኽንምርምር ኣይግብኣናንዶ፧ (መዝሙር 11:5 ኣንብብ።) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዚግብኣና ኣረኣእያ፡ ሸቶ፡ ወይ ውሽጣዊ ስምዒት ንረክብ ንኸውን። ብዘይካዚ፡ ንልብና ኸም ዘይእዘዝ ዚገብሮ ኸም ‘ዕልቦ ልቢ’ ዝበለ ነገራት ከነለሊ፡ ድሕሪኡ ድማ ምሳልያዊ መጥባሕቲ ልቢ ኽንገብር ንኽእል ንኸውን። ንምሳልያዊ ልብኻ ኽትምርምሮ ጽቡቕ ምዃኑ እንተ ተሰማሚዕካሉ፡ እንታይ ኢኻ ኽትምርምር እትኽእል፧ ዜድሊ ምትዕርራይ ክትገብር እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧—ኤር. 4:4

12 ይኹን እምበር፡ ሓደ ኽንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣሎ፣ የሆዋ ንኽንልወጥ ኣየገድደናን እዩ። ብዛዕባ እቶም በቲ “ጽቡቕ በለስ” እተመሰሉ ሰባት ኪገልጽ ከሎ፡ ‘ንዕኡ ዚፈልጥ ልቢ ኸም ዚህቦም’ እዩ ተዛሪቡ። ንልቦም ኣገዲዱ ኸም ዚቕይሮ ኣይኰነን ተዛሪቡ። እቶም ሰባት፡ ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ዚሕብር እዙዝ ልቢ ንኺህልዎም ኪብህጉ ነበሮም። ንሕና እውን ከምኡ ዓይነት ባህጊ ደይኰነን ኪህልወና ዘለዎ፧

ንልቢ ምምርማርን ንዘይግቡእ ባህግታት ምእራምን ናብ በረኸት ይመርሕ

13, 14. ሓደ ክርስትያን በቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ነገራት ኪጕዳእ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 የሱስ፡ “ካብ ልቢ፡ ክፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ስርቂ፡ ምስክርነት ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ” ኢሉ ነበረ። (ማቴ. 15:19) ሓደ ሓው በቲ ዘይእዙዝ ልቡ ተደሪኹ ዝሙት ወይ ምንዝር እንተ ፈጺሙ፡ እሞ ኸኣ እንተ ዘይተነሲሑ፡ ሞገስ ኣምላኽ ንሓዋሩ ኺስእን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ዝሙት ወይ ምንዝር ዘይፈጸመ ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ልቡ ዘይግቡእ ባህግታት ንኺዓቢ ይፈቅድ ይኸውን። (ማቴዎስ 5:27, 28 ኣንብብ።) ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ንልብና ምምርማርና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንልብና ምስ መርመርናዮ፡ ብዛዕባ ኣንጻር ጾታ፡ ኣምላኽ ዘይሰምሮን ኪውገድ ዘለዎን ዘይግቡእ ስምዒታት ንረክብ ደዀን ንኸውን፧

14 ምናልባት እውን ሓደ ሓው፡ ዋላ እኳ እንተ ‘ዘይቀተለ፡’ ንሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻዩ ብልቡ ኣዝዩ ይጸልኦ ይኸውን። (ዘሌ. 19:17) ስለዚ፡ ነቲ ንልቡ ዘይእዙዝ ኪገብሮ ዚኽእል ስምዒት ንምውጋድ ኣበርቲዑ ኺጽዕር ኣለዎ።—ማቴ. 5:21, 22

15, 16. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ‘ዘይተገዝረ ልቢ’ ኺህልዎ ዚኽእል ብኸመይ ምዃኑ ኣብነት ሃብ። (ለ) ‘ዘይተገዝረ ልቢ’ ንየሆዋ ዜጕህዮ ስለምንታይ ይመስለካ፧

15 እቲ ዜሐጕስ፡ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ከምቲ እተጠቕሰ ዓይነት ‘ጸገም ልቢ’ የብሎምን። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ብዛዕባ “ኽፉእ ሓሳብ” እውን ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። እዚ “ኽፉእ ሓሳብ” እዚ፡ ንብዙሕ መዳያት ህይወትና ኼበላሽዎ ዚኽእል እተፈላለየ ኣረኣእእያ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ንኣዝማዱ ግጉይ ተኣማንነት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ክርስትያናት ከምቶም ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዘለዉ ፍቕሪ ዘይብሎም ሰባት ስለ ዘይኰኑ፡ ‘ፍቕሪ ንስድራ ቤት’ ኪህልዎም ኣለዎ። (2 ጢሞ. 3:1, 3) ኰይኑ ግና፡ ፍቕሪ ኸነርኢ ኸለና፡ ሚዛንና ኽንስሕት ንኽእል ኢና። ብዙሓት ሰባት፡ “ስጋ እንተ ወደቐት፡ ሓመድ ሒዛ ትትንስእ” ዚብል ኣተሓሳስባ ኣለዎም። ስለዚ፡ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ምስ ኣዝማዶም ይውግኑ፣ እቲ ዘመዶም እንተ ተበዲሉ ኸኣ፡ ንሳቶም እተበደሉ ዀይኑ ይስምዖም። ንኣብነት፡ ኣሕዋት ዲና፡ ሓብቶም እኳ እንተ ተዓመጸት፡ ንሳቶም እተበደሉ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ኣመና ሓረቑ። (ዘፍ. 34:13, 25-30) ብዘይካዚ፡ ኣቤሴሎም ነቲ ብኣቦ ሓው ዝነበረ ኣምኖን ንኪቐትሎ ዝደረኾ፡ እቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ነገራት እዩ ነይሩ። (2 ሳሙ. 13:1-30) ብሓቂ እምበኣር፡ ”ክፉእ ሓሳብ” ኣመና ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

16 ሓቂ እዩ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣይቀትሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ንዘመዶም ኣትሒቱ ንዝረኣዮ ወይ ኣትሒቱ ዝረኣዮ ንዝመሰሎም ሓው ወይ ሓብቲ ይቕየምዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ምስቲ ንዘመዶም ዝበደሎ ዀይኑ እተሰምዖም ኣማኒ ዝዀነ ብጻይ ግዜ ኣየሕልፉን ወይ ናብ ቤቶም ኣይዕድምዎን ይዀኑ። (እብ. 13:1, 2) ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ስምዒትን ንኻልኦት ፍቕሪ ዘይምርኣይን ኣቕሊልካ ዚርአ ኣይኰነን። እቲ ልቢ ዚምርምር ኣምላኽ፡ ‘ዘይተገዝረ ልቢ’ ኸም ዘሎና ገይሩ ኺርእየና ይኽእል እዩ። (ኤር. 9:25, 26) ነቶም የሆዋ፡ “ልብኹም ግዘሩ” ዝበሎም ሰባት ክንዘክሮም ኣሎና።—ኤር. 4:4

‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ምጥራይን ምዕቃብን

17. ፍርሃት የሆዋ፡ ብዝያዳ ዚእዘዝ ልቢ ንኺህልወና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

17 ንምሳልያዊ ልብኻ ምስ መርመርካዮ፡ ንምኽሪ የሆዋ ብዙሕ ከም ዘይእዘዝን ብእተወሰነ ደረጃ ኸም ‘ዘይተገዝረን’ ትግንዘብ ትኸውን። ምናልባት ፍርሂ ሰብ፡ ተፈላጥነት ወይ ሃብቲ ናይ ምርካብ ባህጊ፡ ንቕጽና፡ ወይ ከኣ ብርእስኻ ናይ ምምራሕ መንፈስ ይህልወካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ብኣኻ ኸም ዘይተጀመረ ኽትርስዕ የብልካን። (ኤር. 7:24፣ 11:8) ኤርምያስ፡ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ዘይእሙናት ኣይሁድ፡ “እምቢተኛን ዓላውን ልቢ” ኸም ዝነበሮም ጽሒፉ ነይሩ እዩ። ወሲኹ ድማ፡ “ብልቦም ከኣ፡ ነቲ በብግዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን ዚህበና፡ . . . እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሃዮ፡ ኣይበሉን” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ኤር. 5:23, 24) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ፍርሃት የሆዋን ነቲ ዝገበረልና ነገራት ዘሎና ሞሳን፡ ‘ዕልቦ ልብና ንኽንገዝር’ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ዚሕብር ደይኰነን፧ ከምዚ ዝበለ ግቡእ ፍርሃት፡ ነቲ ኣምላኽ ክንገብሮ ዚደልየና ነገራት ብዝያዳ ዚእዘዝ ልቢ ንኺህልወና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

18. የሆዋ ንኣባላት እቲ ሓድሽ ኪዳን እንታይ እዩ ተመባጺዑሎም፧

18 ጻዕሪ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ‘ንዕኡ ዚፈልጥ ልቢ’ ኺህበና እዩ። ነቶም ኣባላት ሓድሽ ኪዳን ዝዀኑ ቕቡኣት፡ ከምኡ ኸም ዚገብረሎም እዩ ተመባጺዑሎም፣ “ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ድማ በለ። ብሓቂኸ ኺፈልጥዎ ድዮም፧ ኣምላኽ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ . . . ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ፤ ንእግዚኣብሄር ፍለጦ፡ ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሀሩን እዮም” በለ።—ኤር. 31:31-34 *

19. ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ዜደንቕ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧

19 ተጠቃሚ እቲ ሓድሽ ኪዳን እትኸውን ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ኽትፈልጦን ኣባል ህዝቡ ኽትከውንን ኣሎካ። ከምዚ ዝበለ በረኸት ምእንቲ ኽትረክብ ድማ፡ ሓጢኣትካ ብመሰረት በጃ ክርስቶስ ኪሕደገልካ ኣለዎ። ሓጢኣትካ ይቕረ ኺብሃለልካ ኸም ዚኽእል ምፍላጥካ ድማ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ኣመና ዘቐየሙኻ ይቕረ ንኽትብለሎም ኪድርኸካ ኣለዎ። ልብኻ ኻብ ከምዚ ዝበለ ጽልኢ ናጻ ምዃኑ ጽቡቕ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኸተገልግሎ ኸም እትደሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ትፈልጦ ኸም ዘለኻ እዩ ዚሕብር። በዚ ኸምዚ፡ ከምቶም የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ “ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ኽትረኽቡኒውን ኢኹም። ክርከበልኩም . . . እየ” ዝበሎም ሰባት ክትከውን ኢኻ።—ኤር. 29:13, 14

^ ሕ.ጽ. 18 እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ምዕራፍ 14 እታ ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ።