ኤርምያስ 11:1-23

  • ይሁዳ ምስ ኣምላኽ ዝኣተዎ ኺዳን ኣፍረሰ (1-17)

    • ኣማልኽትኻ ኽንዲ ኸተማታትካ (13)

  • ኤርምያስ ናብ ማሕረዲ ምስ ዚውሰድ ገንሸል ተመሳሰለ (18-20)

  • ንኤርምያስ ካብ ደቂ ዓዱ ዘጋጠሞ ምጽራር (21-23)

11  እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦  “ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑ! “ንሰብ ይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ተዛረብ፡*  ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ዘይእዘዝ ሰብ ርጉም ይኹን፣+  ኣብኡ ንኣቦታትኩም በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡+ ካብ እቶን ሓጺን፡+ ዘውጻእክዎም መዓልቲ፡ ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፦ ‘ድምጸይ ተኣዘዙ፣ ኵሉ እቲ ዝእዝዘኩም ድማ ግበሩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣነ እውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፣+  ከምቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ዀይንዎ ዘሎ፡ ነቲ ንኣቦታትኩም፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኽህቦም ዝመሓልኩሎም ማሕላ ምእንቲ ኽፍጽምሲ፡ ከምኡ ግበሩ።’”’”+ ኣነ ኸኣ፡ “ኣሜን፡* ኦ የሆዋ” ኢለ መለስኩ።  የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ነዚ ዅሉ ቓላት እዚ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ኣውጆ፦ ‘ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑ፡ ግበርዎ ድማ።  ንኣቦታትኩም በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ “ድምጸይ ተኣዘዙ” ኢለ ደጋጊመ* እናመዓድኩ ኣጸቢቐ ምዒደዮም እየ።+  ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖም እውን ኣየድነኑን፣ የግዳስ፡ ነፍሲ ወከፍ ብንቕጽና ንእኩይ ልቡ ስዒቡ።+ ስለዚ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ኺገብርዎ ዝኣዘዝክዎም፡ ንሳቶም እውን ምግባሩ ዝኣበዩ ኺዳን፡ ኣውሪደሎም።’”  የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ኣብ መንጎ ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ውዲት ኣሎ። 10  ናብ ስሕተት እቶም ንቓላተይ ምእዛዝ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመሊሶም ኣለዉ።+ ንሳቶም እውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስዒቦምን ንዓታቶም ኣገልጊሎምዎምን እዮም።+ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኣፍሪሶም ኣለዉ።+ 11  ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኬምልጡሉ ዘይክእሉ መዓት አምጽኣሎም ኣለኹ።+ ናባይ ምስ ዚምህለሉ፡ ኣይክሰምዖምን እየ።+ 12  ሽዑ፡ ከተማታት ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ናብቶም ዚስውኡሎም* ዘለዉ ኣማልኽቲ ኸይዶም ኪምህለሉ እዮም፣+ ንሳቶም ግና ብግዜ መዓቶም ኣይኬድሕንዎምን እዮም። 13  ኣታ ይሁዳ፡ ብዝሒ ኣማልኽትኻስ ክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ዀይኑ ኣሎ፣ ክንዲ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ጐደናታት ዚኣክል ከኣ፡ ንዜሕፍር ነገር* መሰውኢታት፡ ንበዓል ንምስዋእ መሰውኢታት ጌርካ ኣለኻ።’+ 14  “ንስኻ* ኸኣ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ። ብሰሪ መዓቶም ኪጽውዑኒ ኸለዉስ፡ ኣይክሰምዕን እየ እሞ፡ ምእንታኦም ኣይተእዊ፡ ወይ ኣይትጸሊ።+ 15  ብዙሓት ክፉእ ሓሳብ እናገበሩ ኽነሶምሲ፡ፍቕርተይ ኣብ ቤተይ ክትከውን እንታይ መሰል ኣለዋ፧ መዓት ምስ መጸክስ፡ ብቕዱስ ስጋዶ* ይኣልይዎ እዮም፧ በቲ ግዜ እትስ ትፍስሂ ዲኺ፧ 16  የሆዋ ንዓኺ፡ ብጽቡቕ ፍረ ዝጸበቐትልምዕቲ ኦም ኣውልዕ ኢሉ ሰምዩኪ ነይሩ። ብዓብዪ ደሃይ ጭድርታ፡ ብሓዊ ኣንዲድዋ፣ንሳቶም ድማ ጨናፍራ ሰይሮም። 17  “እቲ ተኻሊኺ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ ብሰሪ እቲ ንበዓል ብምስዋእ ዘዀረያኒ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ዝገበራኦ እከይ፡ መዓት ከም ዚመጸኪ ተዛሪቡ ኣሎ።”+ 18  ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ የሆዋ ሓቢሩኒ፣ሽዑ፡ እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ኣርኢኻኒ። 19  ኣነ ኸኣ ናብ ማሕረዲ ኸም ዚውሰድ ምእዙዝ ገንሸል* ነይረ። ከምዚ እናበሉ ተንኰል ይሓስቡለይ ከም ዝነበሩ ድማ ኣይፈለጥኩን፦+ “ስሙ ደጊም ከይዝከርሲ፡ነቲ ኦም ምስ ፍሪኡ ነጥፍኣዮ፣ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ንመንቍሶ።” 20  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ግና ብጽድቂ እዩ ዚፈርድ፣ውሽጣዊ ሓሳባትን* ልብን ይምርምር እዩ።+ ጕዳየይ ናባኻ ኣማዕቊበ ኣለኹ እሞ፡ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ። 21  ስለዚ፡ የሆዋ ኣንጻር እቶም፡ “ብኢድና ኸይትመውት፡ ብስም የሆዋ ኣይትነበ”+ ኢሎም ንህይወትካ* ዚደልይዋ ዘለዉ ሰብ ዓናቶት+ ከምዚ ይብል፣ 22  ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ። ኣጕባዝ ብሰይፊ ኺሞቱ፡+ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜት ኪሞቱ እዮም።+ 23  በታ ተሓተትቲ ዚዀኑላ ዓመት ኣብ ሰብ ዓናቶት+ መዓት ከምጽእ እየ እሞ፡ ተረፍ እኳ ኣይኪተርፎምን እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ንኤርምያስ ዚዝረብ ዘሎ ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ይኹን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”
ወይ፡ “ዚዓጥኑሎም።”
ወይ፡ “ንዜሕፍር ኣምላኽ።”
ማለት፡ ኤርምያስ።
ማለት፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚቐርብ መስዋእቲ።
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ወይ፡ “ውሽጣዊ ስምዒትን።” ቃ.ቃ.፡ “ኰላሊትን።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ።”