ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተስፋ ኣይትቝረጽ!

ተስፋ ኣይትቝረጽ!

ናይ የሆዋ ምስክር ካብ እትኸውን ነዊሕ ዓመታት ዝገበርካ፡ መጻምድትኻ ምሳኻ ዀይኑ ንየሆዋ ኼምልኽ ሃርር እትብል ዘለኻ ኣስፋሒ ዲኻ፧

ወይ ከኣ እቲ ኣብ መጀመርታ ግዱስ ዚመስል ዝነበረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃራይካ ንሓቂ ስለ ዝገደፎ ተስፋ ቘሪጽካ ዲኻ፧

ካብ ብሪጣንያ እተረኽበ ሒደት ተመክሮታት፡ ንምንታይ ተስፋ ኽትቈርጽ ከም ዘይብልካ ንኽትርዳእ ኪሕግዘካ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ንሓቂ ዛጊት ዘይተቐበልዎ ሰባት ምእንቲ ኽትሕግዞም፡ ‘ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ንኽትሰድዶ’ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኽትግንዘብ ኢኻ።—መክ. 11:1

ጽንዓት—ኣገዳሲ ረቛሒ

ሓደ ኻብቲ ኻባኻ ዚድለ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ጽንዓት እዩ። ኣብ ሓቂ ኽትጸንዕ ናብ የሆዋ ኸኣ ክትጽጋዕ የድልየካ። (ዘዳ. 10:20) ጊዮርጊና ኸምኡ እያ ገይራ። ብ1970 ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመረት፡ ሰብኣያ ኪርያኮስ ኣዝዩ ተቘጥዐ። መጽናዕታ ኼቋርጻ ይጽዕር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤት ከይመጹ ይኽልክል፡ ንዝረኸቦ ዘበለ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ የወግዶ ነበረ።

ጊዮርጊና ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽትከይድ ምስ ጀመረት፡ ኪርያኮስ ብዝያዳ ተቘጥዐ። ሓደ መዓልቲ ንኺቋየቝ ኢሉ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከደ። ሓንቲ ሓብቲ፡ ኪርያኮስ ካብ እንግሊዝኛ ንላዕሊ ግሪኽኛ ኸም ዚዛረብ ምስ ፈለጠት፡ ኣባል ካልእ ጉባኤ ንዝዀነ ግሪኻዊ ሓው ደዊላ፡ መጺኡ ኺሕግዞም ሓተተቶ። እቲ ሓው መጺኡ፡ ንኪርያኮስ ብለውሃት ምስ ቀረቦ፡ ኪርያኮስ ጽቡቕ ምላሽ ሃበ፡ ንሒደት ኣዋርሕ እውን ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀመሩ። ጸኒሑ ግና ኪርያኮስ መጽናዕቱ ኣቋረጸ።

ጊዮርጊና ድሕሪኡ ንሰለስተ ዓመታት ዚኣክል ምጽራር ኣጋጠማ። ኪርያኮስ እንተ ተጠሚቓ ኺጥንጥና ምዃኑ ነገራ። ጊዮርጊና ኣብ ግዜ ጥምቀታ፡ ኪርያኮስ ከይገድፋ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕረበት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ዓብዪ ኣኼባ ኺወስድዋ ምስ መጹ፡ ኪርያኮስ “ሓሊፍኩም ጽንሑና። ብማኪና ኸነርክበኩም ኢና” በሎም። ኣብቲ ኣኼባ ናይ ንግሆ ተረኽበ፡ ሰበይቱ ኽትጥመቕ ከላ ኸኣ ረኣየ።

ጊዮርጊና፡ ሰብኣያ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዚራኸብ ዳርጋ 40 ዓመት ጸኒሑ ኺጥመቕ ከሎ ረኣየት

ድሕሪኡ ኪርያኮስ እናዘሓለ ኸደ፡ በብቝሩብ ከኣ ዓበይቲ ለውጥታት ኪገብር ጀመረ። ጊዮርጊና፡ ሰብኣያ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዚራኸብ ዳርጋ 40 ዓመት ጸኒሑ ኺጥመቕ ከሎ ረኣየት። ንኪርያኮስ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ንሱ፡ “ጊዮርጊና ኣዝያ ቘራጽ ብምዃና የሐጕሰኒ እዩ” በለ። ጊዮርጊና ድማ፡ “ሰብኣየይ ይጻረረኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣምላኸይ ካብ ምግልጋል ንኸየቋርጽ ቈሪጸ ነበርኩ። ኵሉ ሳዕ ናብ የሆዋ እጽሊ፡ ተስፋ ድማ ኣይቈረጽኩን” በለት።

ኣገዳስነት ሓድሽ ስብእና

ንመጻምድትኻ ኽትሕግዘሉ እትኽእል ካልእ ረቛሒ ኸኣ፡ ሓድሽ ስብእና ምልባስ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያን ኣንስቲ፡ “ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ምእንቲ ኺማረኹ ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም” በለን። (1 ጴጥ. 3:1) ክርስቲን ንሰብኣያ ንኽትማርኾ ብዙሕ ዓመታት እኳ እንተ ወሰደላ፡ ነዚ ምኽሪ እዚ ዓያትሉ እያ። ልዕሊ 20 ዓመት ይገብር ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነት፡ ጆን ሰብኣያ ብኣምላኽ ኣይኣምንን እዩ ነይሩ። ኣብ ሃይማኖት ክኣቱ ዘይደሊ እኳ እንተ ነበረ፡ ሰበይቱ ክርስቲን ነቲ ሓድሽ እምነታ ኣገዳሲ ገይራ ኸም እትርእዮ ኣስተብሃለ። “እምነታ ኸም ዜሐጕሳ ኽርኢ ኽኢለ እየ። ናይ ሓቂ ጽንዓት ኣማዕቢላ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ብዙሕ ኣጸጋሚ ዅነታት ሓጊዙኒ እዩ” በለ።

ክርስቲን ንሰብኣያ ሃይማኖታ ንኪቕበል ጸቕጢ ገይራትሉ ስለ ዘይትፈልጥ ድማ፡ ሰብኣያ፡ “ክርስቲን ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ኣይትህውኸንን እያ ነይራ፡ ብትዕግስቲ ኸኣ ኣብቲ ዝደልዮ ግዜን ብናይ ርእሰይ መገድን ክመሃር ሓደገትኒ” በለ። ክርስቲን ኣብ ዓንቀጻት መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ዚወጽእ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ወይ ተፈጥሮ ዚገልጽ ንጆን ዜገድሶ ርእሰ ነገር እንተ ርእያ፡ “ነዚ ኸተንብቦ ባህ ዚብለካ ይመስለኒ” ብምባል ትሕብሮ።

ድሕሪ ገለ ግዜ ጆን ጡረታ ወጸ፡ ኣታኽልተኛ ዀይኑ ድማ ኪሰርሕ ጀመረ። ብዛዕባ ህይወት ንኼስተንትን ዝያዳ ግዜ ስለ ዝረኸበ ኸኣ፡ ‘ብወዝቢ ዲና መጺና ወይስ ንሓደ ዕላማ ኢና ተፈጢርና፧’ እናበለ ኺሓስብ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ምስ ጆን ዜዕልል ዝነበረ ሓው፡ “መጽናዕቲ ዘይትጅምር፧” ኢሉ ሓተቶ። ጆን፡ “ኣብቲ ግዜ እቲ ብኣምላኽ ክኣምን ጀሚረ ስለ ዝነበርኩ፡ ነቲ ዕድመ ተቐበልክዎ” በለ።

ክርስቲን ተስፋ ዘይምቝራጻስ ኣየ ኽንደይ ኣገዳሲ ዀነ እዩ ነይሩ! ሰብኣያ ጆን ሓቂ ንኪቕበል ን20 ዓመት ዚኣክል ጸልያ እያ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ተጠምቀ። ሕጂ ኽልቲኦም ሓቢሮም ንየሆዋ ብቕንኣት የገልግልዎ ኣለዉ። ጆን፡ “ብፍላይ ከም ዝማረኽ ዝገበረኒ ኽልተ ነገራት እዩ። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣዩኒ ለውሃትን ምሕዝነትን። ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ተመርዒኻ ድማ፡ እሙንን ትውክልቲ ዚግበሮን ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእን መጻምድቲ እዩ ዘሎካ” በለ። እወ፡ ክርስቲን ነቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:1 ዚርከብ ቃላት ኣብ ግብሪ ኣውዒላቶ እያ።

ዘርኢ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ይፈሪ

ብእተፈላለየ ምኽንያት ዝዘሓሉ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣልዮምኻኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል፡ እዚ ወይስ እቲ ወይስ ክልቲኣቶም ሐቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” በለ። (መክ. 11:6) ሓድሓደ ግዜ ዘርኢ ሓቂ ንኺበቍል ሓያሎ ዓመታት ኪወስደሉ ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ እቲ ሰብ ናብ የሆዋ ኪቐርብ ከም ዘለዎ ኺግንዘብ ይኽእል እዩ። (ያእ. 4:8) እወ፡ ሓደ መዓልቲ ዜገርም ለውጢ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ንኣብነት፡ ተመክሮ ኣሊስ ንርአ። ንሳ ኻብ ህንዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ገዓዘት። ብ1974 መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ቋንቋ ሂንዲ እያ እትዛረብ፡ እንግሊዝኛኣ ኸተመሓይሽ ድማ ደለየት። ንገለ ዓመታት መጽናዕታ ቐጸለት፡ ኣብቲ እንግሊዝኛ ዚዝረበሉ ጉባኤ ድማ ሒደት ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት። እቲ እተጽንዖ ዝነበረት ትምህርቲ፡ ሓቂ ኸም ዝዀነ ትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት፡ ብቝም ነገር ኣይሓዘቶን። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ብዙሕ ተገዳስነት ነበራ፡ ናብ ፓርቲ ድማ ትኸይድ ነበረት። ኣብ መወዳእታ መጽናዕታ ኣቋረጸት።

ዳርጋ 30 ዓመት ጸኒሑ፡ ኣሊስ ነታ መጽናዕቲ እትመርሓላ ዝነበረት ስቴላ ደብዳበ ለኣኸትላ። እታ ደብዳበ ኸምዚ ትብል፦ “እታ ብ1974 መጽናዕቲ እተመርሕላ ዝነበርኪ ተመሃሪትኪ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ኸም እተጠምቀት ክትሰምዒ ኸለኺ ኸም እትሕጐሲ መቸም ርግጸኛ እየ። ኣብ ህይወተይ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊትኪ ኢኺ። ኣባይ ዘርኢ ሓቂ ዘራእኪ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ርእሰይ ንኣምላኽ ኪውፊ ድልውቲ እኳ እንተ ዘይነበርኩ፡ ነቲ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ኣእምሮይን ኣብ ልበይን ዓቚረዮ ጸናሕኩ።”

እታ ኣሊስ ንስቴላ ዝለኣኸትላ ደብዳበ ኸምዚ ትብል፦ “እታ ብ1974 መጽናዕቲ እተመርሕላ ዝነበርኪ ተመሃሪትኪ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ኸም እተጠምቀት ክትሰምዒ ኸለኺ ኸም እትሕጐሲ መቸም ርግጸኛ እየ።”

ነዚ ለውጢ እዚ ንኽትገብር ዝደረኻ እንታይ እዩ፧ ኣሊስ፡ ሰብኣያ ብ1997 ምስ ሞተ፡ ኣዝያ ኸም እተደቝሰት ገለጸት። ናብ ኣምላኽ ጸለየት። ኣብ ውሽጢ ዓሰረተ ደቒቕ ድማ ቋንቋ ፑንጃቢ ዚዛረባ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤታ መጺአን ነታ ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም? ዘርእስታ ትራክት ሃባኣ። ኣሊስ ጸሎታ ኸም እተመለሰ ዀይኑ ስለ እተሰምዓ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወሰነት። ኰይኑ ግና፡ ኣበይ እያ ኽትረኽቦም እትኽእል ነይራ፧ ኣብቲ ናይ ቀደም መዝገበ ዕለታ ደልያ፡ ስቴላ ዝሃበታ ኣድራሻ ቛንቋ ፑንጃቢ ዚዝረበላ ጉባኤ ረኸበት። ሽዑ፡ ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከደት፡ እቶም ቋንቋ ፑንጃቢ ዚዛረቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ብጽቡቕ ተቐበልዋ። ኣሊስ፡ “ፍቕሮም ጦብላሕታ ኣሕደረለይ፡ ካብ ጭንቀተይ ክገላገል ድማ ሓገዘኒ” በለት።

ኣዘውቲራ ናብ ኣኼባታት ክትከይድ ጀመረት፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕታ ቐጸለት፡ ቋንቋ ፑንጃቢ ኽትዛረብን ክትጽሕፍን ድማ ከኣለት። ብ2003 ከኣ ተጠምቀት። ነታ ናብ ስቴላ ዝጸሓፈታ ደብዳበ ኸኣ፡ “ነዚ ዘርኢ እዚ 29 ዓመት ይገብር ስለ ዝዘራእክለይ፡ ጽቡቕ ኣብነት ከኣ ስለ ዝዀንክኒ ኣዝየ አመስግነኪ” ብዚብል ቃላት ደምደመታ።

ስለ ዝዘራእክለይ፡ ጽቡቕ ኣብነት ከኣ ስለ ዝዀንክኒ ኣዝየ አመስግነኪ።”​—ኣሊስ

ካብዚ ተመክሮታት እዚ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧ ካብቲ እተጸበኻዮ ንላዕሊ ግዜ ኺወስድ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ሰብ ብመንፈስ እንተ ጠምዩ፡ ቅኑዕን ትሑትን ከኣ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ነቲ ሓቂ ኣብ ልቡ ኸም ዚበቍል ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ የሱስ ኣብ ምስላኡ ዝሃቦ ሓሳባት ኣቕልበሉ፦ “እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ [እቲ ዘራኢ] ኸይፈለጠ ይበቍልን ይዓብን። እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፣ ቅድም ብቝሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ እኽሊ።” (ማር. 4:27, 28) ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቤት ቀስ እናበለ ‘ባዕሉ’ ዚፍጸም እዩ። ከም ሓቂ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ፡ ወትሩ ብበረኸት ዝራእ። ብበረኸት ድማ ክትዓጽድ ኢኻ።

ጸሎት ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣይትረስዕ። ጊዮርጊናን ክርስቲንን ናብ የሆዋ ኻብ ምጽላይ ዓዲ ኣይወዓላን። ንስኻ እውን ‘ጸሎት እንተ ኣዘውቲርካ፡’ ተስፋ ድማ እንተ ዘይቈሪጽካ፡ ነቲ ናብ ልዕሊ ማይ ዝሰደድካዮ “እንጌራ” “ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት” ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 12:12፣ መክ. 11:1