ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓቂ ጆሰፈስ ድዩ ጽሒፍዎ፧

ብሓቂ ጆሰፈስ ድዩ ጽሒፍዎ፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ጸሓፍ ታሪኽ ዝነበረ፡ ፍላቭየስ ጆሰፈስ፡ ኣብታ ጂውሽ ኣንቲኲቲስ ዘርእስታ መበል 20 መጽሓፉ፡ ብዛዕባ ሞት እቲ “ያእቆብ ዚብሃል ሓው እቲ ክርስቶስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ የሱስ” ጽሒፉ ኣሎ። ሓያሎ ምሁራት ነዚ ሓሳባት እዚ ኸም ሓቂ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ገሊኦም ግና፡ ነቲ ኣብቲ መጽሓፍ እቲ ዘሎ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ካልእ ሓሳባት ይጠራጠሩሉ እዮም። እቲ ተስቲሞንዩም ፍላቭየንዩም ዚብሃል ክፋል እቲ መጽሓፍ ከምዚ ይብል፦

“ሕጂ ኸኣ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣቢሉ የሱስ ዚብሃል፡ ብልሂ፡ ዚፍቀድ እንተ ዀይኑ ሰብኣይ ኪብሃል ዚኽእል፡ ዜደንቕ ተግባራት ዚፍጽም፡ ሓያሎ ሰባት ነቲ ዚምህሮ ዝነበረ ሓቂ ባህ ኢልዎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ መምህር ነበረ። ንሓያሎ ካብ ኣይሁድን ንሓያሎ ኻብ ኣህዛብን ድማ ናብኡ ስሒብዎም እዩ። ንሱ ክርስቶስ እዩ ነይሩ፣ ጲላጦስ፡ በቶም ኣብ ማእከልና ዘለዉ ምርኡያት ሰባት ርእይቶ ምስ ቀረበሉ፡ ኣብ መስቀል ኪስቀል ፈረዶ፡ እቶም ፈለማ ዘፍቀርዎ ኣይጠንጠንዎን፡ ከመይሲ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተራእይዎም እዩ፣ እዚ ነገራት እዝን ካልእ ብዛዕባኡ ዚምልከት ዓሰርተ ሽሕ ዜደንቕ ተግባራትን ከም ዚፍጸም ነብያት ኣምላኽ ተንብዮም ነይሮም እዮም፣ እቶም ብስሙ ዚጽውዑ ዓሌት ክርስትያናት ከኣ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣይጸነቱን።”—ጆሰፈስ—ዘ ኮምፕሊት ዎርክስ፡ ብዊልያም ህዊስቶን እተተርጐመ።

ካብ መወዳእታ 16 ዘመን ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ እቶም ነዚ ጽሑፍ እዚ ሓቂ ኸም ዝዀነ ዚኣምኑሉን እቶም ጆሰፈስ ከም ዝጸሓፎ ዚጠራጠሩን ሰባት ሓያል ክትዕ ተኻይዱ እዩ። ፈረንሳዊ ጸሓፍ ታሪኽን ክኢላ ክላሲካዊ ስነ ጽሑፍን ዝዀነ ሰርጅ ባርዴ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዘመናት እተሓላለኸ ኽትዕ ኪፈትሖ ጽዒሩ እዩ። ነቲ ዝገበሮ ምርምር ከኣ ኣብታ ሊ ተስቲሞንዩም ፍላቭየንዩም—ኤግዛምን ሂስቶሪክ ኮንሲደረሽን ሂስቶሪዮ ግራፊክስ ዘርእስታ መጽሓፉ ኣስፊሩ ኣሕተሞ።

ጆሰፈስ ክርስትያን ደራሲ ዘይኰነስ፡ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ፡ መብዛሕትኡ ኽርክር፡ ኣብቲ የሱስ፡ “ክርስቶስ” ተባሂሉ እተሰምየሉ ሓሳብ እዩ ዜተኵር። ባርዴ ኣብ ትንተናኡ፡ “ግሪኽኛ ኣብ ስም ሰባት ውሱን ኣመልካቲ ዚጥቀም ብምዃኑ፡” እቲ ክርስቶስ ዚብል መዓርግ “ብዅሉ መዳያት” ምስዚ ኸም ዚሰማማዕ ሓቢሩ ኣሎ። ኣስዒቡ እውን፡ ብኣረኣእያ ኣይሁድን ክርስትናን ጆሰፈስ ንየሱስ፡ ክርስቶስ ኢሉ ኺጠቕሶ ዘይከኣል ከም ዘይነበረ፡ ከምኡ ኢሉ ምጥቃሱ እኳ ደኣ፡ የሱስ ታሪኻዊ ሰብ ከም ዝነበረ ዚሕብር ምዃኑ፡ ሃያስያን ድማ ነዚ ዝርዝር ነጥብታት ኣብ ግምት ኬእትውዎ ኸም ዚግባእ ገለጸ።

እቲ ጽሑፍ ሓደ ንኣጸሓሕፋ ጆሰፈስ ዝቐድሐ ሰብ፡ ኣጸባቢቑ ዝጸሓፎ ኪኸውንከ ይኽእልዶ፧ ባርዴ ታሪኻውን ጽሑፋውን መርትዖ ብምቕራብ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀዳድሓ ብተኣምር እንተ ዘይኰይኑ፡ ፈጺሙ ኪኸውን ከም ዘይክእል ገለጸ።

ስለዚ፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ ንሓቅነት እቲ ጽሑፍ ዚጠራጠሩሉ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ ባርዴ፡ “ምስ መብዛሕትኡ ጥንታዊ ጽሑፋት ኪነጻጸር ከሎ፡ ብዛዕባ ተስቲሞንዩም ጥርጣረታት ኪህሉ ዝኸኣለ፡ ንዕኡ ብዚምልከት ሕቶታት ስለ እተበገሰ ጥራይ እዩ” ብምባል ቀንዲ እቲ ሽግር እንታይ ምዃኑ ኣነጺርዎ ኣሎ። ኣስዒቡ እውን፡ መብዛሕትኦም ምሁራት ነዚ ዘይኣምኑሉ፡ ሓቅነቱ ስለ ዘጠራጠሮም ዘይኰነስ፡ የሱስ፡ ክርስቶስ ምዃኑ ኺኣምኑ ስለ ዘይደለዩ ጥራይ ምዃኑ ገለጸ።

እቲ ባርዴ ዘቕረቦ ትንተና፡ ነቲ ምሁራት ብዛዕባ ተስቲሞንዩም ፍላቭየንዩም ዘለዎም ኣመለኻኽታ ኪቕይሮ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ብሕጂ ዚርአ ጕዳይ እዩ። ንሓደ ፕየር ዦልትረ ዝስሙ ኽኢላ ሄለናዊ ኣይሁድነትን ጥንታዊ ክርስትናን ግና ኣእሚንዎ እዩ። ዦልትረ ንነዊሕ ዓመታት ዚኣክል ተስቲሞንዩም ናይ ሓቂ ኸም ዘይኰነ ገይሩ ይሓስቦ ነበረ፣ ነቶም ከም ሓቂ ገይሮም ዚኣምኑሉ ኸኣ የሽካዕልለሎም ነበረ። ግናኸ፡ ኣተሓሳስባኡ ቐይሩ እዩ። ኣተሓሳስባኡ ኸም ዚቕይር ዝገበሮ ኸኣ እቲ ባርዴ ዘዳለዎ ጽሑፍ ምዃኑ ገለጸ። ኣስዒቡ እውን፡ ‘ካብ ሕጂ ንደሓር ነቲ ጽሑፍ፡ ጆሰፈስ ከም ዝጸሓፎ ዚጠራጠር ሰብ ኪህሉ የብሉን’ በለ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንየሱስ ከም ክርስቶስ ገይሮም ንኪቕበልዎ ዚድርኾም ዝያዳ ዜእምን መርትዖ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ።—2 ጢሞ. 3:16