ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

እንታይነት ኣምላኽ

እንታይነት ኣምላኽ

ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ኣካል እዩ ዘለዎ፧

“ኣምላኽ መንፈስ እዩ።”—ዮሃንስ 4:24

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ መንፈስ ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። (2 ቈረንቶስ 3:17) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብኣካላዊ መዳይ ካባና ኣዝዩ ይበልጽ እዩ። ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 1:17 ንኣምላኽ፡ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሓልፍ፡ ዘይርአ” ኢላ ገሊጻቶ ኣላ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ኸቶ የልቦን” ይብል እዩ።—1 ዮሃንስ 4:12

ፈጣሪና ኻባና ኣዝዩ ስለ ዚበልጽ፡ ንመልክዑ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ኣይንኽእልን ኢና። ኢሳይያስ 40:18፡ “ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ፧ ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧” ትብል። እቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ሰማያዊ ኣካላት እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከቶ ኣይወዳደሮን እዩ።—ኢሳይያስ 40:22, 26

ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎን ምስኡ ኺዘራረቡን ዚኽእሉ ኣስተውዓልቲ ፍጡራት ኣለዉ። ብኸመይ እዮም ከምኡ ኺገብሩ ኽኢሎም፧ ንሳቶም እውን መናፍስቲ ስለ ዝዀኑን ኣብ ሰማይ ስለ ዚነብሩን እዩ። (1 ነገስት 22:21፣ እብራውያን 1:7) የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እዞም ካብ ሰብ ንላዕሊ ዝዀኑ፡ መላእኽቲ ተባሂሎም እውን ዚጽውዑ ፍጡራት ኪገልጽ ከሎ፡ “ወትሩ ገጽ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ እዮም” በለ።—ማቴዎስ 18:10

ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ድዩ ዚርከብ፧

“ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና።’”—ማቴዎስ 6:9

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ልክዕ ከም ኣካል ዘይብሉ ሓይሊ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚርከብ ኣይምህርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 6:9፣ 18:10 ዚርከብ ቃላት የሱስ ዚሕብሮ፡ ኣምላኽ ኣካል ኣለዎ፣ ‘ኣቦ’ ድማ እዩ፣ ‘ዚነብረሉ ስፍራ ኸኣ ኣለዎ፣’ ንሱ ድማ ኣብ ሰማይ እዩ።—1 ነገስት 8:43

የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ፡ “ንዓለም ሓዲገ ድማ፡ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣለኹ” በለ። (ዮሃንስ 16:28) ብስጋ ሞይቱ ብመንፈስ ምስ ተንስአ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪርኣየልና ናብ ሰማይ” ዓረገ።—እብራውያን 9:24

እዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቅታት ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ ብቐዳምነት፡ ኣምላኽ ኣካል ካብ ሃለዎ፡ ብዛዕባኡ ኽንመሃርን ናብኡ ኽንቀርብን ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 4:8) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ምፍላጥና፡ ካብቲ ነቶም ህይወት ዘይብሎም ምስልታትን ጣኦታትን ዚቐርብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ የዕቍበና እዩ። ቀዳማይ ዮሃንስ 5:21፡ “ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሓለዉ” ትብል።

ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥሩ ብኸመይ እዮም፧

“ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።”—ዘፍጥረት 1:27

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ከም ሰባት መጠን፡ ነቲ ኸም ፍቕርን ፍትሕን ጥበብን ዝኣመሰለ ባህርያት ኣምላኽ ከነንጸባርቖ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ፣ . . . ብፍቕሪ ተመላለሱ” ይብል እዩ።—ኤፌሶን 5:1, 2

ኣምላኽ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዚህልወና ገይሩ እዩ ፈጢሩና፣ እዚ ኸኣ ቅኑዕ ምርጫ ንኽንገብርን ንኻልኦት ዘሎና ፍቕሪ ብእተፈላለየ መገዲ ንኽንገልጽን የኽእለና። (1 ቈረንቶስ 13:4-7) ብዘይካዚ፡ ናይ ምምሃዝን ብጽቡቕ ነገራት ናይ ምሕጓስን በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዜደንቕ ነገራት ናይ ምምሳጥን ክእለት ኣሎና። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ መንፈሳዊ ባህጊ ኸም ዚህልወና፡ ማለት ብዛዕባ ፈጣሪናን ብዛዕባ እቲ ንዓና ዘለዎ ፍቓድን ናይ ምፍላጥ ባህርያዊ ባህጊ ኸም ዚህልወና ዄንና ኢና ተፈጢርና።—ማቴዎስ 5:3

ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዝያዳ እንተ ተማሂርናን ንዕኡ ብዝያዳ እንተ መሲልናዮን፡ በቲ ንሱ ዝዓለመልና መገዲ ኢና እንመላለስ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሕጉስ ህይወትን ናይ ሓቂ ዕግበትን ውሽጣዊ ሰላምን ንረክብ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ኣምላኽ፡ እቲ ዚፍቶ ባህርያቱ ንልቢ ደቂ ሰብ ከም ዚትንክፎ ኸምኡውን ነቶም ቅኑዓት ሰባት ናብኡ ኸም ዚስሕቦምን ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚመርሖምን ይፈልጥ እዩ።—ዮሃንስ 6:44፣ 17:3