ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ከባቢ ዓለም

ካብ ከባቢ ዓለም

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዚሰርሑ ሰራሕተኛታት ሓለዋ፡ ኣስታት 50 ሚልዮን ዚኸውን እተኸልከለ ነገራት ከም ዝገበቱ፡ ክፍሊ ጸጥታ ውሽጢ ሃገር ሕ.መ.ኣ. ሓቢሩ። ኣብ 2011 ጥራይ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ሓለዋ፡ ልዕሊ 1,200 ኣጽዋር ናብ ነፈርቲ ኸይኣቱ ኸልኪሎም እዮም። መብዛሕትኦም ወነንቲ እቲ ኣጽዋር፡ ሽጕጥ ምሓዞም ከም ዝረስዕዎ እዮም ገሊጾም።

ብራዚል

ሰበ ስልጣን ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ብዘይ ፍቓድ ምእንቲ ኸየብኵሩ፡ ኣብ ዲቪዛ ወይ ዩኒፎርም ተመሃሮ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኼጣብቑ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ተመሃራይ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ በጽሐ፡ ንወላዲኡ ብሞባይል ሓንቲ መልእኽቲ ትበጽሖ፣ እቲ ተመሃራይ ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺበጽሓሉ ዘለዎ ሰዓት ልዕሊ 20 ደቒቕ እንተ ደንጕዩ ኸኣ፡ ነቲ ወላዲኡ ኻልእ መልእኽቲ ትበጽሖ።

ኖርወይ

ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን፡ ሃገራዊት ሃይማኖት ኖርወይ ካብ ምዃን ኣቋሪጻ። ባይቶ ኖርወይ ንመጀመርታ እዋን፡ ነቲ ሕገ መንግስቲ ብምምሕያሽ፡ ነቲ ቤተ ክርስትያን ምስ መንግስቲ ዝነበራ ርክብ ንምልሕላሕ ብድምጺ ምርጫ ወሲኑ።

ቸክ ሪፓብሊክ

ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ክልተ ሲሶ ዚዀኑ ሰራሕተኛታት ቸክ ሪፓብሊክ፡ ነቲ ኻብ ስራሕ ወጻኢ ብተሌፎን፡ ብኢ-መይል፡ ወይ ብሞባይል ዚለኣኽ ምስ ስራሕ ዚተሓሓዝ መልእኽቲ ምላሽ ኪህቡሉ ዘለዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ልዕሊ ሲሶ ዚዀኑ ኸኣ፡ ቅልጡፍ ምላሽ ዘይምሃብ ከም ነውሪ ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ።

ህንዲ

ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት፡ ምህርቲ ምግቢ ብ50 ሚእታዊት እኳ እንተ ወሰኸ፡ 71 ሚልዮን ቶን ዚኸውን ሩዝን ስርናይን ከኣ ተኸዚኑ እኳ እንተ ሃለወ፡ ህንዲ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንህዝባ ምምጋብ ዓቐብ እዩ ዀይኑዋ ዘሎ። ካብቲ ተኸዚኑ ዘሎ እኽሊ፡ 40 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ኣብ ኣባይቲ ህንዳውያን ዚበጽሕ። ጠንቂ እቲ ጸገም ድማ፡ ብልሽውናን ብኽነትን እዩ።