ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ኣዕጽምቲ ብሪትል ስታር ዘለዎ ናይ “ምርኣይ” ክእለት

ኣዕጽምቲ ብሪትል ስታር ዘለዎ ናይ “ምርኣይ” ክእለት

እቲ ኣብ ባሕሪ ዚነብር ብሪትል ስታር ዚብሃል ዓይነት ዓሳ፡ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ኣካሉ፡ ዜደንቕ መከላኸሊ (ድርዒ) ኣለዎ። እቲ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ኣካሉ ዘሎ ኣዕጽምቲ፡ ብዓይኒ ኺርአ ብዘይክእል ንኣሽቱ ለንስታት ዝመልአ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ እንስሳ ኸም መከላኸሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ብዙሕ ኣዒንቲ ዀይኑ እውን የገልግሎ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ናቹራል ሂስትሪ ዘርእስታ መጽሔት ከም ዝገለጸቶ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንቐጸላታት ኣዕጽምቲ ብሪትል ስታር ምስ መርመርዎ፡ “ነፍሲ ወከፉ ኻብ ጸጕሪ ርእሲ ናይ ሰብ ዚቐጥን ጽዑቕን ክሪስታል ዚመስልን ፍልይ ዝበለ ሓባጥ ንድፊ” ረኣዩ። እዚ ብካልስየም ካርቦነት (ካልሲት) ዚስራሕ ክሪስታል ዚመስል ሓባጥ ነገር፡ ናብቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ቐጸላታት ዘሎ ንብርሃን ብቐሊሉ ዚቕበል መትንታት፡ ብርሃን ከም ዚበጽሕ ዚገብር ዝበለጸ ንኣሽቱ ለንስታት እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ለንስታት፡ እቲ ዚድለ ምስሊ ንኺፍጠር ዜኽእል ልክዕ ቅርጺ እዩ ዘለዎ።

ጆኣና ኣይዘንበርግ ዝስማ ከሚከኛ ኸም ዝገለጸቶ፡ እቲ ኽልተ ጥቕሚ ዘለዎ ድርዒ ብሪትል ስታር፡ “ነቲ ኣብ ስነ ህይወት ዘሎ ኣገዳሲ ስርዓት፡ ማለት መብዛሕትኡ እዋን፡ ገሊኡ ነገራት ብዙሕ ዕማም ከም ዘለዎ ዜርኢ እዩ።”

ተመራመርቲ ኻብቲ ኣካላት ብሪትል ስታር ዚዓይየሉ መገዲ ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ብካልስየም ካርቦነት ዚስራሕ ብዙሕ ንኣሽቱ ለንስታት ንምድላው ዚሕግዝ ቀሊልን ብዙሕ ወጻኢ ዘይብሉን ሜላ ምሂዞም ኣለዉ። ነቲ ንኣሽቱ ለንስታት ድማ፡ ኣብ ተሌኮምኒኬሽን፡ ብኦፕቲካል ፋይበርስ ብርሃን ንምምሕልላፍ ኪውዕል ይኽእል እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ኣዕጽምቲ ብሪትል ስታር ዘለዎ ናይ “ምርኣይ” ክእለት፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ ወይ ተነዲፉ እዩ፧