ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 121

“ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”

“ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”

ዮሃንስ 16:1-33

  • ንሃዋርያት፡ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ደጊም ንየሱስ ከም ዘይርእይዎ ተነግሮም

  • ንሃዋርያት፡ ጓሂኦም ናብ ሓጐስ ኪልወጥ ምዃኑ ተነግሮም

የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ኣብታ ፋስጋ ዝበልዑላ ደርቢ ብዙሕ ድሕሪ ምምዓዱ፡ ካብታ ኽፍሊ ቕድሚ ምውጻኦም፡ “ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ እተዛረብኩኹም” በሎም። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣድላዪ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ካብ ምኵራቦም ኬውጽኡኹም እዮም። አረ ዚቐትለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ሰዓት ክትመጽእ እያ” ብምባል ኣድላይነት እቲ መጠንቀቕታ ነገሮም።—ዮሃንስ 16:1, 2

እቶም ሃዋርያት በዚ ተረቢሾም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ኣቐዲሙ ዓለም ከም እትጸልኦም እኳ እንተ ነገሮም፡ ከም ዚቕተሉ ግና ብቐጥታ ኣይነገሮምን። ስለምንታይ፧ “ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ፡ እዚ ኣብ መጀመርታ ኣይነገርኩኹምን” ኢሉ ምኽንያቱ ገለጸሎም። (ዮሃንስ 16:4) ቅድሚ ምኻዱ ግና የዕጥቖም እዩ ነይሩ። እዚ ዝገበረ ድማ ደሓር ከይዕንቀፉ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ እዩ።

የሱስ ቀጺሉ፡ “ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣለኹ፣ ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ‘ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧’ ኢሉ ኣይሓተተንን” በለ። በታ ምሸት እቲኣ ኣቐድም ኣቢሎም ናበይ ከም ዚኸይድ ሓቲቶምዎ ነይሮም እዮም። (ዮሃንስ 13:36፣ 14:5፣ 16:5) ኣብታ ህሞት እቲኣ ግና በቲ ብዛዕባ እቲ መስጐጕቲ ዝነገሮም ስለ እተናወጹ፡ ብጓሂ እዮም ተዋሒጦም ነይሮም። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ኽብሪ ወይ ብዛዕባ እቲ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ነገር ኣይሓተትዎን። የሱስ ከኣ፡ “እዚ ስለ እተዛረብኩኹም ግና፡ ልብኹም ብጓሂ መሊኡ ኣሎ” በሎም።—ዮሃንስ 16:6

ድሕሪኡ፡ የሱስ፡ “ምኻደይ ንጥቕምኹም እዩ። እንተ ዘይከይደስ፡ እቲ ሓጋዚ ናባኻትኩም ኣይኪመጽእን እዩ፣ እንተ ኸይደ ግና፡ ንዕኡ ኽሰድደልኩም እየ” በሎም። (ዮሃንስ 16:7) የሱስ ምስ ሞተን ናብ ሰማይ ምስ ከደን ጥራይ እዩ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዚርከቡ ህዝቡ ኸም ሓጋዚ ዚልእኮ መንፈስ ቅዱስ ኪቕበሉ ዚኸኣሉ።

የሱስ፡ “[መንፈስ ቅዱስ] ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 16:8) እወ፡ ዓለም ብወዲ ኣምላኽ ዘይምእማና ኸም ዚቃላዕ እዩ ገሊጹ። የሱስ ናብ ሰማይ ምዕራጉ፡ ብዛዕባ ጽድቁ ዜእምን መርትዖ ዀይኑ፡ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” እተባህለ ሰይጣን ስለምንታይ ኪፍረዶ ኸም ዚግባእ እውን ኣርእዩ እዩ።—ዮሃንስ 16:11

የሱስ ቀጺሉ፡ “ገና ብዙሕ ዝነግረኩም ኣሎኒ፣ ግናኸ፡ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ኣፍሰሶ ድማ፡ “ኵሉ ሓቂ” ምእንቲ ኺርድኡ ኸም ዚመርሖም፡ ንሳቶም እውን በቲ ሓቂ እቲ ኸም ዚነብሩ ነገሮም።—ዮሃንስ 16:12, 13

እቶም ሃዋርያት፡ የሱስ ቀጺሉ፡ “ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፣ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም” ኢሉ ብምዝራቡ ደንጸዎም። እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኸኣ ንሓድሕዶም ተሓታተቱ። የሱስ ድማ ብዛዕባ እዚ ኺሓትትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ከተልቅሱን ኢኹም፡ ዓለም ግና ክትሕጐስ እያ፣ ንስኻትኩም ክትጕህዩ ኢኹም፡ ጓሂኹም ግና ናብ ሓጐስ ኪልወጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 16:16, 20) የሱስ ኣብታ እትቕጽል ድሕሪ ቐትሪ ምስ ተቐትለ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ተሓጒሶም፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ጕህዮም እዮም። የሱስ ምስ ተንስአ ኸኣ፡ ጓሂ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ሓጐስ ተለዊጡ እዩ። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣፍሰሰሎም ድማ፡ ሓጐሶም ቀጺሉ እዩ።

የሱስ ንዅነታት እቶም ሃዋርያት ምስ ቅልውላው ሕርሲ ዝሓዛ ሰበይቲ ብምምስሳል፡ “ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ግዜኣ ስለ ዝኣኸለ ትጕሂ እያ፣ ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሓጒሳ ነቲ ጸበባኣ ኣይትዝክሮን እያ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ንሃዋርያቱ፡ “ንስኻትኩም እውን ሕጂ ጓሂ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፣ ልብኹም እውን ኪሕጐስ እዩ፣ ሓጐስኩም ድማ ካባኻትኩም ዚወስዶ የልቦን” ኢሉ ኣተባብዖም።—ዮሃንስ 16:21, 22

ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ሃዋርያት ብስም የሱስ ለሚኖም ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ኣብታ ግዜ እቲኣ ግና፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም” በሎም። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧ ኣቦ ቐልጢፉ ስለ ዘይምልሰሎም ኣይኰነን። ብዛዕባ እዝስ የሱስ እኳ፡ “ንስኻትኩም ንዓይ ስለ ዝፈቶኹምንን ወኪል ኣምላኽ ኰይነ ኸም ዝመጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን፡ ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 16:26, 27

ድሕርዚ፡ እቶም ሃዋርያት ብቓላት የሱስ ተተባቢዖም፡ “ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ ንኣምን ኢና” በልዎ። እዚ እምነቶም ነዊሕ ከይጸንሐ ተፈቲኑ እዩ። የሱስ ድማ ነቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ኺገልጽ ከሎ፡ “እንሆ፡ ኵላትኩም ነናብ ቤትኩም ፋሕ እትብሉላ፡ ንበይነይ እውን እትሓድጉኒ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ መጺኣ እኳ ኣላ” በሎም። ግናኸ፡ “ብኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እየ እዚ ዝነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ኢሉ ኣረጋገጸሎም። (ዮሃንስ 16:30-33) እወ፡ የሱስ ኣብዚ ይጥንጥኖም ኣይኰነን ነይሩ። ሰይጣንን ዓለሙን ንንጽህና እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንምብልሻው ዚጽዕሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሱስ ግና ከምቲ ንሱ ዝሰዓረ፡ ንሳቶም እውን ብተኣማንነት ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻም ኪስዕሩ ምዃኖም እዩ ነጊርዎም።