ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 74

ብዛዕባ እንግዶትን ጸሎትን እተዋህበ ትምህርቲ

ብዛዕባ እንግዶትን ጸሎትን እተዋህበ ትምህርቲ

ሉቃስ 10:38–11:13

  • የሱስ ንማርታን ንማርያምን በጽሐን

  • ብጸሎት ምጽናዕ ዘለዎ ኣገዳስነት

ቍሸት ቢታንያ ካብ የሩሳሌም ኣስታት ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ ብምብራቓዊ ሸነኽ ደብረ ዘይቲ ትርከብ ነበረት። (ዮሃንስ 11:18) የሱስ ከኣ ናብኡ ኸይዱ ናብ ቤት ማርታን ማርያምን ዚብሃላ ኽልተ ኣሓት ኣተወ። ንሳተንን ሓወን ኣልኣዛርን ፈተውቲ የሱስ እዮም ነይሮም፣ ስለዚ፡ ብጽቡቕ ተቐበልዎ።

መሲሕ ጋሻ ዀይኑ ኺመጸካ፡ ዓብዪ ኽብሪ እዩ። ማርታ ድማ ንየሱስ ዜድልዮ ዘበለ ኣጸቢቓ ኸተማልኣሉ ተሃንጥያ ነበረት፣ ስለዚ፡ ብሉጽ ምግቢ ተዳሉ ነበረት። ማርታ ኽትሰርሕ ከላ ግና፡ ሓብታ ማርያም ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ትሰምዖ ነበረት። ማርታ ድማ ናብ የሱስ ቀሪባ፡ “ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ መጺኣ ኽትሕግዘኒ እባ ንገራ” በለቶ።—ሉቃስ 10:40

የሱስ ግና ንማርያም ኣብ ክንዲ ዚነቕፋ፡ ንማርታ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት እምብዛ ብምሽቓላ፡ “ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትሽገርን ኣለኺ። እቲ ዜድሊ ግና፡ ሒደት ወይ ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ፣ ካብኣ ኸኣ ኣይኪውሰድን እዩ” ኢሉ መዓዳ። (ሉቃስ 10:41, 42) እወ፡ የሱስ ብዙሕ ዓይነት ምግቢ ኣብ ምድላው ብዙሕ ግዜ ምጥፋእ ከም ዘየድሊ እዩ ሓቢሩ። ቀሊል ምግቢ ጥራይ እኹል እዩ።

ማርታ ኻብ ሰናይ ድራኸ ተበጊሳ እያ ኸምኡ ገይራ። ጽቡቕ ገይራ ኸተአንግድ እያ ደልያ ነይራ። ብዛዕባ እቲ ምግቢ ብምጭናቓ ግና፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዚህቦ ዝነበረ ትምህርቲ የምልጣ ነይሩ! ስለዚ፡ የሱስ፡ ማርያም ንዓኣ ነባሪ ጥቕሚ ዜምጽኣላን ንዅላትና ጽቡቕ ትምህርቲ ዝዀነናን ጥበባዊ ምርጫ ኸም ዝገበረት ኣጕልሐ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ካብዚ እተፈልየ፡ ግናኸ ብማዕረ ኣገዳስነት ዘለዎ ትምህርቲ ሃበ። ሓደ ወደ መዝሙር፡ “ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም፡ ምጽላይ ምሃረና” ኢሉ ሓተቶ። (ሉቃስ 11:1) ሓደ ዓመትን መንፈቕን ይገብር፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ምጽላይ ምሂሩ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 6:9-13) ግናኸ፡ እዚ ወደ መዝሙር እዚ፡ ኣብኡ ኣይነበረን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ደገሞ። ድሕሪኡ፡ ብጸሎት ምጽናዕ ከም ዜድሊ ዜጕልሕ ምሳሌ መሰለ።

“ሓደ ኻባኻትኩም ዓርኪ ኣለዎ ንበል፣ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ ድማ፡ ‘ዓርከይ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፣ ሓደ ኻብ ፈተውተይ ገይሹ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ የብለይን’ ይብሎ። እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ፡ ‘ደጊም ኣይተሸግረኒ። ማዕጾ ድሮ ተሸጒሩ እዩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ። ተንሲአ ኽህበካ ኣይክእልን እየ’ ኢሉ ይምልሰሉ። እብለኩም ኣለኹ፡ ዓርኩ ስለ ዝዀነ ተንሲኡ እኳ እንተ ዘይሃቦ፡ ላሕ ስለ ዘበሎ ግና ብርግጽ ተንሲኡ ዝደለዮ ይህቦ።”—ሉቃስ 11:5-8

የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ የሆዋ ኸምቲ እቲ ዓርኪ ዝገበሮ፡ ንልማኖ ሰባት ኪምልስ ፍቓደኛ ከም ዘይከውን ኣይኰነን ዚእምት ነይሩ። ሓደ ፍቓደኛ ዘይኰነ ዓርኪ ነቲ ቐጻሊ ልማኖ ዚምልስ ካብ ኰነ፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ግዳ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኽንደይ ብዝበለጸ ልማኖኦም ዘይሰምዕ! የሱስ ቀጺሉ፡ “እብለኩም ኣለኹ፡ ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ። ዚልምን ዘበለስ ይቕበል፡ ዚደሊ ዘበለ ይረክብ፡ ዚዅሕኵሕ ዘበለ እውን ይኽፈተሉ እዩ” በለ።—ሉቃስ 11:9, 10

ድሕርዚ፡ የሱስ ምስ ሰብኣውያን ኣቦታት ብምንጽጻር ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕልሐ፦ “ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ ወዱ ዓሳ እንተ ለሚንዎ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፧ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለሚንዎ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ እምበኣር፡ ንስኻትኩም እኩያት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!” (ሉቃስ 11:11-13) እዝስ ኣቦና ኺሰምዓናን ዜድልየና ኼማልኣልናን ፍቓደኛ ምዃኑ ዚሕብር ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ዀን እዩ!