ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 104

ኣይሁድ ድምጺ ኣምላኽ ምስ ሰምዑ፡ ኣሚኖምዶ፧

ኣይሁድ ድምጺ ኣምላኽ ምስ ሰምዑ፡ ኣሚኖምዶ፧

ዮሃንስ 12:28-50

  • ብዙሓት ድምጺ ኣምላኽ ሰምዑ

  • መሰረት ፍርዲ

ብሰኑይ 10 ኒሳን የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዚቐርብ ዝነበረ ሞቱ ተዛረበ። ስም ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚጽሎ ስለ ዘተሓሳሰቦ፡ “ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” በለ። ሽዑ፡ ካብ ሰማይ፡ “ኣኽቢረዮ እየ፡ ከም ብሓድሽ እውን ከኽብሮ እየ” ዚብል ብርቱዕ ድምጺ መጸ።—ዮሃንስ 12:27, 28

እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ተገረሙ። ገሊኦም ነጕዲ ዝሰምዑ መሰሎም። ካልኦት ከኣ፡ “መልኣኽ ተዛሪብዎ” በሉ። (ዮሃንስ 12:29) ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ እዮም ኪዛረብ ሰሚዖምዎ! ምስ የሱስ ብእተተሓሓዘ፡ ሰባት ድምጺ ኣምላኽ ዝሰምዑ ድማ፡ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይነበረን።

ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኣቐዲሙ፡ የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ ኣምላኽ ብዛዕባኡ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ኺብል ከሎ ዮሃንስ መጥምቕ ሰሚዑ ነይሩ እዩ። ድሕርዚ፡ ድሕሪ ፋስጋ 32 ድ.ክ.፡ የሱስ ኣብ ቅድሚ ያእቆብን ዮሃንስን ጴጥሮስን ትርኢቱ ተለዊጡ እዩ። እቶም ሰለስተ ሰብኡት ከኣ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ” ዚብል ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዖም እዮም። (ማቴዎስ 3:17፣ 17:5) እዚ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኣጋጣሚ ሳልሳይ ሳዕ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ድምጺ የሆዋ ብብዙሓት እዩ ተሰሚዑ።

የሱስ ከኣ፡ “እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኹም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 12:30) ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ፡ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ምዃኑ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ።

ብዘይካዚ፡ የሱስ ብተኣማንነት እተመላለሶ ህይወት፡ ደቂ ሰብ ብኸመይ ኪነብሩ ኸም ዚግባእ ኣብነት ይኸውን፡ እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኪፍረድ ከም ዘለዎ ድማ የረጋግጽ እዩ። የሱስ ድማ፡ “ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ኣኺሉ፣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ” በለ። እቲ ዚቐርብ ዝነበረ ሞት የሱስ፡ ስዕረቱ ዘይኰነስ፡ ዓወቱ እዩ ዀይኑ። ብኸመይ፧ “ኣነ እውን ምስ ተሰቐልኩ፡ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ናባይ ክስሕቦ እየ” ኢሉ ገለጸ። (ዮሃንስ 12:31, 32) በቲ ተሰቒሉ ዚሞቶ ሞት ኣቢሉ፡ ንኻልኦት ናብኡ ስሒቡ፡ በዚ ኸምዚ ድማ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከፊቱ እዩ።

እቶም ህዝቢ ድማ ከም ምላሽ እቲ የሱስ “ምስ ተሰቐልኩ” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ፡ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ ኻብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና። ከመይ ኢልካ ደኣ ኢኻ፡ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ እትብል ዘለኻ፧ እዚ ወዲ ሰብ እዚኸ መን እዩ፧” በልዎ። (ዮሃንስ 12:34) ብዙሕ መርትዖ እኳ እንተ ቐረበሎም፡ ድምጺ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ እንተ ሰምዑ፡ መብዛሕትኦም ንየሱስ እቲ ናይ ሓቂ ወዲ ሰብ፡ እቲ እተተስፈወሉ መሲሕ ምዃኑ ኣይኣመኑን።

የሱስ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ፡ ንሱ “ብርሃን” ምዃኑ ተዛረበ። (ዮሃንስ 8:12፣ 9:5) ነቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ንቝሩብ ግዜ ብርሃን ኣብ መንጎኹም ኪጸንሕ እዩ። ጸልማት ከይውሕጠኩምሲ፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ፣ . . . ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ዮሃንስ 12:35, 36) ድሕርዚ፡ ኒሳን 10 ዚሞተላ መዓልቲ ብዘይምዃና፡ ካብቲ ቦታ ተኣልየ። ብመዓልቲ ፋስጋ 14 ኒሳን እዩ ኣብ ጕንዲ ‘ኺስቀል’ ዝነበሮ።—ገላትያ 3:13

ንኣገልግሎት የሱስ ምልስ ኢልና ኽንርእዮ ኸለና፡ ኣይሁድ ዘይምእማኖም ፍጻመ ትንቢት ምንባሩ ንጹር እዩ። ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፡ ኣዒንቲ እቲ ህዝቢ ኸም ዚዕውር፡ ልቦም እውን ከም ዚድንዝዝ፡ ኢሳይያስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 6:10፣ ዮሃንስ 12:40) እወ፡ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ነቲ የሱስ፡ እተተስፈወሉ መድሓንን መገዲ ህይወትን ምዃኑ ዚሕብር መርትዖ ብንቕጽና ኣይተቐበልዎን።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኒቆዲሞስን ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ብዙሓት ኣሕሉቕን ብየሱስ “ኣመኑ።” ኰይኑ ግና፡ ብእምነት ስጕምቲ ወሲዶምዶ፡ ወይስ ካብ ምኵራብ ከይስጐጉ ኢሎም ወይ ‘ናይ ሰብ ክብሪ ብዝያዳ ብምፍታዎም’ ስጕምቲ ኸይወሰዱ ተሪፎም፧—ዮሃንስ 12:42, 43

የሱስ ብእኡ ምእማን ማለት እንታይ ከም ዜጠቓልል ባዕሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ በቲ ዝለኣኸኒ እውን እምበር፡ ብኣይ ጥራይ ኣይኰነን ዚኣምን፣ እቲ ንዓይ ዚርኢ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይርእዮ” በለ። እቲ ኣምላኽ ንየሱስ ዝሃቦ እሞ የሱስ ዝመሃሮ ሓቅታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ የሱስ፡ “እቲ ዚንዕቀንን ንቓለይ ዘይቅበልን ዚፈርዶ ኣለዎ። እቲ እተዛረብክዎ ቓል እዩ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ዚፈርዶ” በለ።—ዮሃንስ 12:44, 45, 48

ድሕርዚ፡ የሱስ፡ “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ። ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ማለት ምዃና እውን እፈልጥ እየ” ኢሉ ደምደመ። (ዮሃንስ 12:49, 50) ደሙ ምእንቲ እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ሰባት መስዋእቲ ዀይኑ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም ዚፈስስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ሮሜ 5:8, 9