ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፍርሂ ሞት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

ንፍርሂ ሞት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ንሞት ከም ጸላኢ ጌርና ንፈርሆ ኢና፡ ንህይወትና ኻብ ጕድኣት ንምሕላው እውን እኹል ስጕምትታት ንወስድ ኢና። (1 ቈረንቶስ 15:26) ኣብ ሓሶት ወይ ማሪታዊ እምነት እተመስረተ እምብዛ ፍርሂ ሞት ግና፡ ንሰባት “ምሉእ ህይወቶም ብባርነት ተታሒዞም” ከም ዚነብሩ ገይርዎም ኣሎ። (እብራውያን 2:15) ሓቂ ምፍላጥካ ኻብ ራዕዲ ሞት፡ ካብቲ ንህይወት ከይተስተማቕር ዚዓግተካ ዓይነት ፍርሂ፡ ሓራ ኼውጽኣካ እዩ።—ዮሃንስ 8:32

ሓቂ ብዛዕባ ሞት

  •   ምዉታት ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። (መዝሙር 146:4) ድሕሪ ሙማትካ ኸይትሳቐ ኽትፈርህ የብልካን፣ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ምስ ድቃስ ኣመሳሲልዎ ኣሎ።—መዝሙር 13:3፣ ዮሃንስ 11:11-14

  •   ምዉታት ኪጐድኡና ኣይክእሉን እዮም። ኣቐዲሞም ብርቱዓት ጸላእትና ዝነበሩ እኳ፡ ‘ብሞት ይስነፉ እዮም።’ (ምሳሌ 21:16) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጽልኦምን ቅንኦምን እውን ድሮ ጠፊኡ እዩ” ይብል እዩ።—መክብብ 9:6

  •   ሞት ግድን ናይ ህልውናና መወዳእታ ኣይኰነን። ኣምላኽ ብትንሳኤ ኣቢሉ ንዝሞቱ ሰባት ዳግም ህያው ኪገብሮም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

  •   ኣምላኽ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” ኢሉ ኣተስፍዩ ኣሎ። (ራእይ 21:4) ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብል እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ኵሉ ፍርሂ ሞት ምሉእ ብምሉእ ሓራ ዀይኖም ኪነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:29